ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴንስ ዝረኸቦ “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዚብል መሰውኢ እንታይ እዩ ነይሩ፧​—ግብሪ ሃዋርያት 17:23

ሓያሎ ጥንቲ ዝነበሩ ግሪኻውያን ጸሓፍቲ፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሰውኢታት ጽሒፎም እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ፖሴንየስ ዝስሙ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ግሪኻዊ ናይ ታሪኽን ናይ ጂኦግራፍን ምሁር፡ ኣብ ኦሎምፒያ፡ “ንዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ እተሰርሐ መሰውኢ” ኸም ዝነበረ ገለጸ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኽኢላ ተዛራብን ፈላስፋን ዝነበረ ፊሎስጥራጡስ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ኣቴንስ “ንኽብሪ እቶም ዘይፍለጡ ኣማልኽቲ ተባሂሉ እውን መሰውኢታት ይስራሕ ነበረ።”

ኣብ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ዳያጂኒዝ ላርሽየስ ዝስሙ ጸሓፊ፡ “ስም ኣልቦ መሰውኢታት” ብኸመይ ከም እተጀመረ ብዛዕባ ዚሕብር ኣፈ ታሪኽ ገሊጹ ነበረ። እቲ ታሪኽ ኣብ ሻድሻይ ወይ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. እተፈጸመ ዀይኑ፡ ኢፒመንዲዝ ብኸመይ ንኣቴንስ ካብ ፌራ ኸም ዘንጸሃ ዜዘንቱ እዩ። ዳያጂኒዝ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “[ኢፒመንዲዝ] ናብ ኣርዮስፋጎስ . . . ኣባጊዕ ኣምጽአ እሞ፡ ናብ ዝደለያኦ ኪኸዳ ፈነወን፣ ነቶም ዚስዕብወን ዝነበሩ ሰባት ከኣ፡ ኣብታ ነፍሲ ወከፍ በጊዕ እተዕርፈላ ቦታ ዀይኖም፡ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚምለኹ ኣማልኽቲ መስዋእቲ ኬቕርቡሎም ኣዘዞም። ብመሰረት እቲ ያታ፡ በዚ ኸምዚ እዩ እቲ ፌራ ኺጠፍእ ክኢሉ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ኣቲካ፡ ስም ዘይብሉ መሰውኢታት ይርከብ እዩ።”

ዘ ኣንኮር ባይብል ዲክሽነሪ፡ ሰባት ንዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ መሰውኢ ዚሰርሑሉ ዝነበሩ ኻልእ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ ኣኽብሮት ብዘይምሃቦም መዓት ንኸይወርዶም ወይ ከኣ ካብቶም ኣማልኽቲ ዚረኽብዎ ጥቕሚ ንኸይጐድሎም ስለ ዚፈርሁ እዩ” በለ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንኣከብቲ ቐረጽ ዚንዕቅዎም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ኣከብቲ ቐረጽ ወትሩ ምስ ተጸልኡ እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣከብቲ ቐረጽ እሞ ኸኣ፡ ካብቶም ኣመና ጽሉኣትን ብልሹዋትን ሰባት እዮም ነይሮም።

ሰበ ስልጣን ሮሜ፡ ነቶም ህዝቢ ብዙሕ ግብሪ የኽፍልዎም ነበሩ። ናይ መሬትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ግብሪ ይእክቡ ነበሩ፣ ይኹን እምበር፡ ነቲ ኻብ ኣታውን ወጻእን ኣቕሑ ዀነ ኻብቲ በታ ዓዲ ኺሓልፍ ከሎ እተቐረጸ ኣቕሑ ዚርከብ ክፍሊት ዚእክብዎ ዝነበሩ፡ እቶም ንሮማውያን ብዙሕ ገንዘብ ንምኽፋል ብጨረታ ዝሰዓሩ ሰባት እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ፍቓድ ብምውጻእ፡ ናይ እተወሰነ ኸባቢ ኣከብቲ ቐረጽ ይዀኑ ነበሩ። ከምቲ ማክሊንቶክን ስትሮንግን ሳይክሎፔድያ ዝገለጾ፡ እቶም ኣከብቲ ቐረጽ ምስቶም ዚጽልኡ ዝነበሩ ሮማውያን ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፡ ብኣይሁድ “ከም ጠላማትን ከም ከሓድትን ከምኡውን በቲ ምስቶም ኣረማውያን ዘለዎም ርክብ ከም ዝረኸሱ” ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ።

ኣከብቲ ቐረጽ ዝወጸሎም ቀጠፍቲ እዮም ነይሮም፣ ካብ ደቂ ዓዶም ብዚረኽብዎ ገንዘብ ከኣ፡ ገዛእ ርእሶም የሀብትሙ ነበሩ። ገሊኦም ኣከብቲ ቐረጽ፡ ንሓደ ኣቕሓ ኻብ ግቡእ ንላዕሊ ብምቕራጽ፡ ነቲ መኽሰብ ንገዛእ ርእሶም ይወስድዎ ነበሩ፣ ገሊኣቶም ከኣ፡ ንድኻታት ብሓሶት ብምኽሳስ፡ ይዝርፍዎም ነበሩ። (ሉቃስ 3:13፣ 19:8) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣከብቲ ቐረጽ ከም ሓጥኣን ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ፣ ከምቲ ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ ዝገለጾ ድማ፡ “ከም ፈረድቲ ወይ ከኣ ከም መሰኻኽር ኰይኖም ኬገልግሉ ብቑዓት ኣይነበሩን።”—ማቴዎስ 9:10, 11

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ፍርስራስ ጴርጋሞስ፡ ቱርኪ ዚርከብ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ እተሰርሐ መሰውኢ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሮማውያን ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ዝሰርሕዎ፡ ኣካቢ ቐረጽ ዜርኢ ቕርጺ

[ምንጪ ስእሊ]

Erich Lessing/Art Resource, NY