ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም”

“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም”

“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም”

“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”​—ዮሃንስ 13:34, 35

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ከምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ገይሮም ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ነገሮም። ብኸመይከ እዩ ኣፍቂርዎም፧ ኣብ ግዜኡ ሃገራውን ጾታውን ኣፋላላይ ሰፊኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ንዅሎም ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ የፍቅሮም ነበረ። (ዮሃንስ 4:7-10) ንኻልኦት ምእንቲ ኺሕግዝ ብፍቕሪ ተደሪኹ ግዜኡን ጕልበቱን ብሕታዊ ምሾቱን ይስውእ ነበረ። (ማርቆስ 6:30-34) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ መወዳድርቲ ብዘይብሉ ዝለዓለ መገዲ፡ ፍቕሩ ገለጸ። ንሱ፡ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ” በለ።—ዮሃንስ 10:11

ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ብቕዓት እዚ ኣማሊኦምዎ ድዮም፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ሓው” ወይ “ሓብቲ” ይብሃሃሉ ነበሩ። (ፊልሞን 1, 2) ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት፡ “ሓደ ጐይታ” ጥራይ ከም ዘሎን “ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጕሌላን” ከም ዘየለን ስለ ዝኣመኑ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይሓብሩ ነበሩ። (ሮሜ 10:11, 12) ድሕሪ ጴንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዅሎም ከኣ ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎ ነበሩ።” ንምንታይ እዮም ከምኡ ዝገበሩ፧ እቶም ሽዑ እተጠምቁ ሰባት ኣብ የሩሳሌም ኰይኖም “ብትምህርቲ ሃዋርያት . . . ጸኒዖም” ምእንቲ ኪቕጽሉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41-45) ነዚ ስጕምቲ እዚ ንኺወስዱ ዝደረኾምከ እንታይ እዩ፧ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት 200 ዓመታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ተርቱልያን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ክርስትያናት፡ “ንሓድሕዶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፋቐሩ፡ . . . ኣብ ክንዲ ሓድሕዶም ኪሞቱ እውን ክሳዕ ክንደይ ቅሩባት ምዃኖም” ከም እተዛረቡ ጸሓፈ።

ሎሚ ነዚ ኣብነት እዚ ዚስዕብዎ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዲክላይን ኤንድ ፎል ኦቭ ዘ ሮማን ኢምፓየር (1837) ዘርእስቱ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ኵሎም እቶም ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሰባት “ካብቲ ኣረማውያን ሰባት ብቕንኢ ተላዒሎም ዘውረዱሎም ስቓይ፡ እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘርኣይዎ ምጭኽኻን ይዓቢ።” ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዚሕብሮ፡ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሃይማኖታውያን ሰባት ዓሌታዊ ጽልኢ ኣለዎም። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዚነብሩ ምእመናን ኣብ ካልእ ሃገር ምስ ዚነብሩ ምእመናን ምንም ዜራኽብ ነገር የብሎምን፣ ስለዚ፡ ኣባላት ሃይማኖቶም ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኪሕግዝዎም ኣይክእሉን ወይ ግዲ የብሎምን።

ብ2004 ኣብ ፍሎሪዳ፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ፡ ኣርባዕተ ሳዕ፡ ዝናብ እተሓወሶ ህቦብላ ንፋስ ምስ ኣጋጠመ፡ ኣቦ መንበር ኮሚተ ህጹጽ ጕዳያት ፍሎሪዳ፡ እቲ ንረድኤት እተዳለወ ቐረብ፡ ኣብ ግቡእ መዓላ እንተ ውዒሉ ኼረጋግጽ ደለየ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይሮም እተወደቡ ኻልኦት ጕጅለ ከም ዘየለዉ ገለጸ፣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝደለይዎ ቐረብ ኪህቦም ፍቓደኛ ምዃኑ እውን ሓበሮም። ብ1997፡ ጕጅለ ረድኤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መድሃኒት፡ ምግቢ፡ ክዳን ሒዞም ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምሕጋዝ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተጓዕዙ። ኣብ ኤውሮጳ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ፡ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዜውጽእ ቀረብ ወፈዩሎም።