ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሞት የሱስ ብኸመይ ክንዝክሮ ይግባእ፧

ንሞት የሱስ ብኸመይ ክንዝክሮ ይግባእ፧

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ንሞት የሱስ ብኸመይ ክንዝክሮ ይግባእ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ሞት የሱስ ብኸመይ ኪዝከር ይግባእ፧

የሱስ ንሰዓብቱ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ተጠቒሞም ሞቱ ኺዝክሩ ነገሮም። እቲ ቕጫ ንስጋ የሱስ፡ እቲ ወይኒ ኸኣ ንደም የሱስ የመልክት።—ሉቃስ 22:19, 20 ኣንብብ።

እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ቅጫ፡ ዘይበዅዐ፡ ወይ መባዅዕቲ ዘይብሉ እዩ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መባዅዕቲ ወይ ማይ ብሒቝ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓጢኣት እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ እቲ ቕጫ ነቲ ፍጹም ስጋ የሱስ የመልክት። የሱስ ንስጋኡ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራቡ፡ ነቲ ብሕጊ ሙሴ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት ከም ዜቋርጽ ገበሮ። (እብራውያን 10:5, 9, 10) እቲ ወይኒ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣትና ኸም መስዋእቲ ዝፈሰሰ ኽቡር ደም የሱስ የመልክት።—1 ጴጥሮስ 1:19፣ 2:24፣ 3:18 ኣንብብ።

2. ንዝኽሪ ሞት የሱስ መዓስ ከነብዕሎ ይግባእ፧

የሱስ ብፋስጋ 14 ኒሳን እዩ ሞይቱ። ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ፡ ሓንቲ መዓልቲ ጸሓይ ምስ ዓረበት እያ እትጅምር። የሱስ ኣብታ ቐቅድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ምስ ሃዋርያቱ ዀይኑ ኻብቲ ኣብ ፋስጋ ዝቐረበ መኣዲ በሊዑ እዩ። ብድሕሪኡ፡ ዝኽሪ ሞቱ ንምብዓል ሓድሽ ድራር ዝኽሪ ሰርዐ።—ሉቃስ 22:14, 15 ኣንብብ።

ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ ንምልእቲ ዓለም ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣ ብየሱስ ኣቢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ የብዕልዎ እዮም። (ዘጸኣት 12:5-7, 13, 17) ልክዕ ከምቲ ፋስጋ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ጥራይ ዚበዓል ዝነበረ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ እውን ሓንሳእ ኣብ ዓመት፡ ብመሰረት ኣቈጻጽራ መጽሓፍ ቅዱስ ብ14 ኒሳን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዩ ዚበዓል።—ዮሃንስ 1:29 ኣንብብ።

3. ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘለዎም መን እዮም፧

የሱስ ነቲ ወይኒ ንደቀ መዛሙርቱ ኺህቦም ከሎ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ . . . ሓድሽ ኪዳን እያ” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:25) ሓድሽ ኪዳን ንኺዳን ሕጊ ሙሴ ተክኦ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣዚዞምዎ፡ ህዝቡ ከም ዝዀኑ ብሕጊ ሙሴ ኣቢሉ ኺዳን ኣትዩሎም ነበረ። (ዘጸኣት 19:5, 6) እንተ ዀነ ግና፡ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን። ስለዚ ኸኣ፡ የሆዋ ሓድሽ ኪዳን ኣሰናደወ።—ኤርምያስ 31:31 ኣንብብ።

የሆዋ በቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ፡ ብሒደት ሰባት፡ ሓያሎ ሰባት ከም ዚባረኹ ኺገብር እዩ። እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ፡ 144,000 ጥራይ ብምዃኖም ሒደት እዮም። ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ብኣታቶም ኣቢሎም፡ ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ገለ ኻብቶም ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳን ዝዀኑ ሰባት፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ካብቲ ቅጫን ወይንን ኪካፈሉ ዘለዎም ከኣ ንሳቶም ጥራይ እዮም፣ ከመይሲ እታ ጽዋእ፡ “ሓድሽ ኪዳን እያ።”—ሉቃስ 12:32፣ ራእይ 14:1, 3 ኣንብብ።

4. ዝኽሪ ሞት የሱስ ብኸመይ ይጠቕመና፧

እቲ ዓመታዊ ዚበዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ፡ ነቲ ነታ ፍልይቲ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎና ሞሳ የደልድሎ እዩ። የሆዋ ንወዱ ምእንቲ ሓጢኣትና ኺመውት ለኣኾ። ስለዚ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኽንእከብ ከለና፡ ሞት የሱስ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዉ ኣዕሚቝና ኽንሓስብ ኣሎና። ስለቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገር ሞሳና ብኸመይ ክንገልጽ ከም እንኽእል ክንምርምር ኣሎና።—ዮሃንስ 3:16፣ 2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ገጽ 206-208 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።