ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ወርቃዊ ኣኽራን ኣልታይ መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ

ኣብ ወርቃዊ ኣኽራን ኣልታይ መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ

ካብ ሩስያ እተላእከት ደብዳበ

ኣብ ወርቃዊ ኣኽራን ኣልታይ መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ

እዋኑ ወርሒ ግንቦት ኰይኑ፡ እቲ ቦታ ኸኣ ኣብቲ ዜገርም ጽባቐ ዚረኣዮ ደቡባዊ ምዕራብ ሳይቤርያ፡ ማለት ኣብ ሪፓብሊክ ኣልታይ እዩ ነይሩ። ኣብ መስኰትና ዄንካ፡ ዲፍራን ብዚብሃል ዓይነት ጽሕዲ ዝመልአ ጫካ ይርአ እዩ፣ ክንዮኡ ኸኣ ግርማ ዝመልኦን ሃሳስ ሰማያዊ ዝሕብሩን ኣብ ጫፉ በረድ ዘለዎን ኣኽራን ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ፡ ሓባጥ ጐባጥ ዝበዝሖን ግሉልን መንበሪ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ዘለዎም እስያውያን ተቐማጦ ኣልታይ እዩ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፡ ኣብ ኣኽራን ኣልታይ ብህድኣት እዮም ዚነብሩ፣ እታ “ኣልታይ” እትብል ቃል፡ ካብ ቋንቋታት ቱርኪክን ሞንጎልያን ዝመጸት ኰይና፡ “ወርቃዊ” ማለት እያ።

ኣነን ሰበይተይን ቋንቋ ምልክት ሩስያኛ ተማሂርና፡ ነተን ብቛንቋ ምልክት ዚምርሓለን ጉባኤታትን ንኣሽቱ ጕጅለታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንበጽሐን ካብ እንጅምር፡ እተወሰነ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ሩስያ፡ ካብ ልዕሊ 100 ዓሌታትን 70 እተፈላለየ ባህልታትን ዝመጹ ሰባት እዮም ሩስያኛ ዚዛረቡ። እቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ጽሙማን ድማ፡ ቋንቋ ምልክት ሩስያኛ እዮም ዚጥቀሙ። ጽሙማን ኣዝዩ ስጡም ርክብ እዩ ዘለዎም፣ ብዙሓት ዘዘራረብናዮም ጽሙማን ድማ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ታሪኾም ይነግሩናን የአንግዱናን እዮም። ኣብ ኣልታይ እውን እንተ ዀነ፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢሙና።

ኣብ ከተማ ጎርኖ-ኣልቲስክ ምስ በጻሕና፡ 250 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት፡ ሒደት ጽሙማን ከም ዘለዉ ፈለጥና። ኣብቲ ቦታ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ዋላ ሓደ ኻብኣቶም ግና ቋንቋ ምልክት ዚኽእል የለን። ብዛዕባ እቶም ጽሙማን ተቐማጦ ኣልታይ ስለ ዘተሓሳሰበና ድማ፡ ብማኪና ናብኣቶም ክንከይድ ወሰንና። እቲ ዝነበረና ውዕዉዕ ስምዒት፡ ነቶም ጽሙማን ዝዀኑ ዩሪን ታትያናን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ስለ ዘሐጐሶም፡ ምሳና ኪኸዱ ወሰኑ። ነታ እንኸደላ ሚኒባስ ድማ፡ ብዲቪዲ እተዳለወ ብቛንቋ ምልክት ዚወጽእ ሕታማት፡ ናይ ዲቪዲ መጻወቲ፡ ዓብዪ ቴርሙስ፡ ብኣጃ ኻብ እተሰርሐ ባኒ እተዳለወ ሳንድዊች፡ እተጠብሰ ግዕዝም፡ ከምኡውን ፒሮሽኪ ዚብሃል ብካውሎን ብድንሽን እተመልአ ምቁር ሕብስቲ ሩስያ መላእናያ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ እንኸደሉ ኸባቢ፡ ሕማም ብዜመሓላልፉ ቝርዲድ ዝመልአ ስለ ዝዀነ፡ ንሰብነትናን ንኽዳውንትናን ንኣሳእንናን ጸረ ቝርዲድ ነጸግናሉ።

እቲ እንጐዓዘሉ ዝነበርና መገዲ፡ ብኣዝዩ ውቁብ ኣኽራን እናተጠዋወየ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። እቲ ኣየር ድማ ብጥዑም ጨና ዝመልአ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብዝያዳ ኣነቓቒሑና እዩ። መጓሰ ዓገዘን ብህድኣት ኬዀምስዓ ኸለዋ ብምርኣይና እውን ኣዚና ኢና ተሓጒስና። ተቐማጦ ኣልታይ፡ ብሓደ ተኣኻኺቦም እዮም ዚነብሩ፣ ቤቶም ብዕንጨይቲ እተሰርሐን ጹሩይ ናሕሲ ሓጺን ዘለዎን እዩ። ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ቤት፡ ኣኢል እትብሃል ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ቤት ኣላ፣ እዛ ቤት እዚኣ፡ ሽዱሽተ ዅርናዕ ዝቕርጻን ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎ ናሕሲ ዘለዋን ቤት እያ። ገሊኡ ኣባይቲ፡ ብቕላጥ ኦም እተሸፈነ ኣጕዶ ቐያሕቲ ህንዳውያን እዩ ዚመስል። ኣብ ኣልታይ ዘለዋ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ካብ ግንቦት ክሳዕ መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኣኢል እየን ዚቕመጣ፣ ካብ መስከረም ክሳዕ ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ከኣ፡ ኣብቲ ቐንዲ ቤተን እየን ዚቕመጣ።

እቶም ኣብታ ቝሸት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገበሩልና፣ ጽሙማን ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ተቐማጦ ኣልታይ ናብ ዚነብሩሉ ቤት ድማ ወሰዱና። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብምምጻእና ተሓጐሱ፣ ካበይ ከም ዝመጻእናን እንታይ ከም እንገብርን ድማ ኪፈልጡ ደለዩ። ኮምፕዩተር ስለ ዝነበሮም፡ ዲቪዲ ኸም ዝሓዝና ምስ ፈለጡ፡ ንኸነርእዮም ግዲ በሉና። ብኡብኡ ኸኣ፡ ጸጥታ ሰፈነ፣ ኣብኡ ምህላውና ኽሳዕ ዚርስዑ ድማ ኣዒንቶም ተኺሎም ይርእዩ ነበሩ፣ ሓሓሊፎም ከኣ ከምቲ ዚርእይዎ ዓይነት ምልክት ይገብሩን ብሞሳ ርእሶም ይንቕንቑን ነበሩ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ኣቓልቦኦም ናባና ኸም ዚገብሩ ገበርና እሞ፡ ነቲ ዲቪዲ ኸም ብሓድሽ ብምጅማር፡ ነቲ ኣብ መእተዊ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ምልኩዕ ገነት ዜርኢ ስእሊ ኣርኣናዮም። ንሓንቲ ስእሊ እናኣርኣናዮም ከኣ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎምን ከመይ ዝኣመሰሉ ሰባት ንዘለኣለም ከም ዚነብሩን ተመያየጥና። በቲ ተገዳስነቶም ኣዚና ተተባባዕና፣ እንሰናበተሉ እዋን ምስ በጽሐ ድማ፡ ብዛዕባ እቶም ሒደት ሰዓታት ተጓዒዝካ ኣብ ካልእ ቍሸት ዚነብሩ ጽሙማን ሰብ ሓዳር ነገሩና።

በቲ ኣኻውሕ ዝመልኦ ጥውይዋይ መገዲ ጌርና ድማ፡ ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ቝሸት ተጐዓዝና። ኣብኡ ኸኣ፡ ምስ ሓንቲ ጽምምቲ ስድራ ቤት፡ ማለት ምስ ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን ከምኡውን ምስ ኣደ እታ ሰበይትን ምስ ንእሽቶ ወዶምን ተራኸብና፣ ዘይተጸበይዎ ጋሻ እኳ እንተ ዀንናዮም፡ ተሓጒሶም ተቐበሉና። ብንእሽቶ ማዕጾ ኣቢልና፡ ናብታ ጥዑም ጨና ዕንጨይትን ብራሕን ዝነበራ ኣኢል ኣተና። በቲ ኣብቲ ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎ ናሕሲ ዝነበረ ኸቢብ ነዃል ከኣ፡ ብርሃን ይኣቱ ነበረ። ኣብ ሓደ ሸነኽ እታ ቤት፡ ብጻዕዳ ሕጡብ እተሰርሐ እቶን ነበረ፣ እቲ መንደቕ ድማ ባህ ብዜብል ቀይሕ ምንጻፍ ተሸፊኑ ነበረ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ኣልታይ ልሙድ ዝዀነ ምግቢ፡ ማለት ብዘይቲ እተጠብሰ ዶልሺ፡ በቲ እስያውያን ዚጥቀሙሉ ዓይነት ጣሳ ገይሮም ድማ ሻሂ ኣቕረቡልና። ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ዚከኣል እንተ ዀይኑ ሓተትናዮም። ነታ ሕቶ ከኣ ቍሩብ ሓሰቡላ። ኣደ እታ ሰበይቲ፡ ቈልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ምግቢ ሒዛ ናብ ኣኽራን ብምኻድ ንኣማልኽቲ መስዋእቲ ተቕርብ ከም ዝነበረት ነገረትና። ፍሽኽ እናበለት ከኣ፡ “ከምኡ ዝገብረሉ ዝነበርኩ ምኽንያት ኣይርድኣንን እዩ፣ ባህልና ስለ ዝዀነ እየ ኸምኡ ዝገብር ነይረ” ኢላ መንኵባ ሰው ኣበለቶ።

ብዛዕባ እቲ ርእሰ ጕዳይ ካብ ዲቪዲ ምስ ኣርኣናዮም፡ ገጾም በርሀ። ነቲ ምይይጥና ኽንቅጽሎ እኳ እንተ ደለዩ፡ ብኸመይ ኢና ግና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ምስ ጽሙማን ብቐሊሉ ብመልእኽቲ ሞባይል ክትረዳዳእ ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ኸባቢ ግና ዋላ ሓንቲ ናይ ሞባይል ኣንቴና የልቦን። ስለዚ፡ ብደብዳበ ኸም እንራኸብ ቃል ኣተናሎም።

ጸሓይ ክትዓርብ ምስ ጀመረት፡ ንዕኦም ተሰናቢትና ነቲ ናብ ጎርኖ-ኣልቲስክ ዚወስድ ነዊሕ መገዲ ተተሓሓዝናዮ፣ ደኺምና እኳ እንተ ነበርና፡ ዕግበት ግና ይስምዓና ነበረ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ እታ ስድራ ቤት ሓተትናዮም፣ እቲ ሰብኣይ፡ ሓንቲ ሓብቲ እናሓገዘቶ ኣብ ከክልተ ሰሙን ናብ ዓብዪ ኸተማ ኸይዱ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ከም ዚእከብን ነገሩና። ጻዕርና ፍረ ብምፍራዩ ኣዚና ኢና ተሓጒስና።

ቅኑዕ ዝልቦም ጽሙማን ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፡ ኣብ ኣኽራን መዝገብ ምስ ምንዳይ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምንዳይ እትረኽቦ ዘይተሓስበ ኽቡር ስልማት፡ ዓስቢ ድኻም እዩ። ኣኽራን ኣልታይ ነቶም ኣብቲ ኣኻውሕ ዝመልኦ ቦታ ዝረኸብናዮም ቅኑዓት ሰባት ስለ ዜዘኻኽረና፡ ንዓና ዅሉ ሳዕ ወርቃዊ እዩ።