ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣብ የሆዋ ጠበቐ’

‘ኣብ የሆዋ ጠበቐ’

ንደቅኻ ምሃሮም

‘ኣብ የሆዋ ጠበቐ’

ሓደ ስእሊ ኣብ ወረቐት ከተጣብቖ ተነጊሩካዶ ይፈልጥ፧ * እቲ ኽትጥቀመሉ ዝሓሰብካ መጣበቒ ጽቡቕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ስእሊ ሓንሳእ ምስ ተጣበቐ ኣይፈላለን እዩ። እታ “ጠበቐ” እትብል ቃል፡ “ተተሓሓዘ” ኸምኡውን “ለገበ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ሕጂ ብዛዕባ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ ‘የሆዋ ዝጠበቐ’ ሰብ ክንርኢ ኢና። እቲ ሰብ እቲ፡ ህዝቅያስ ይብሃል። ካብቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ከም እንመሃር እስከ ንርአ።

ህዝቅያስ ዜሕዝን ግዜ ቝልዕነት እዩ ኣሕሊፉ። እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ኣቦኡ ኣሃዝ፡ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኣቋሪጹ ነበረ። ህዝቅያስ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ኣሃዝ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኽ ነበረ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ እንተወሓደ ንሓደ ኻብቶም ደቁ፡ ማለት ንሓው ህዝቅያስ ቀቲሉ፡ ነቲ ዜምልኾ ዝነበረ ኣምላኽ ሰዊኡሉ እዩ።

ዋላ እኳ ኣሃዝ ክፉእ ነገራት ይገብር እንተ ነበረ፡ ህዝቅያስ ግና ወትሩ ንየሆዋ ይእዘዞ ነበረ። ከምኡ ምግባር ዘጸገሞዶ ይመስለካ፧— ብርግጽ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ህዝቅያስ ኣይተሓለለን። ቀጺልና እስከ ህዝቅያስ ብኸመይ ኣብ የሆዋ ኺጠብቕ ከም ዝኸኣለን ንሕና እውን ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእልን ንርአ።

ህዝቅያስ ብዛዕባ ኣብ የሆዋ ዝጠበቑ ኻልኦት ሰባት ይፈልጥ ነበረ። ሓደ ኻብዚኣቶም ዳዊት እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ ዳዊት ካብቲ ህዝቅያስ ዝነበረሉ እዋን ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ ይነብር እንተ ነበረ፡ ህዝቅያስ ብዛዕባኡ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪመሃር ይኽእል ነበረ። ዳዊት፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ዳዊት ንየሆዋ ንኺእዘዞ እንታይ ከም ዝሓገዞ ርኢኻዶ፧— እምነቱ እያ ሓጊዛቶ። እዙዝ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ህዝቅያስ ብዛዕባ ዳዊት ምሕሳቡ፡ ንየሆዋ እናተኣዘዘ ኣብኡ ንኺጠብቕ ሓጊዝዎ እዩ። ንስኻ እውን ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝካዮ፡ ኣብኡ ኸኣ እንተ ጠቢቕካ፡ ከም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ንየሆዋ ዘየምልኽዎ እንተ ዀይኖምከ፧— ኣምላኽ፡ ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዝዎም ከም ዘለዎም ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ፡ ንወለድኻ ኽትእዘዞም ኣሎካ። ይኹን እምበር፡ ወለድኻ፡ ኣምላኽ ዘይደልዮ ነገር ክትገብር እንተ ደኣ ኣዚዞምኻ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኽትገብር ከም ዘይትኽእል ክትገልጸሎም ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ክትሕሱ፡ ክትሰርቕ ወይ ከኣ ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት ክትገብር እኳ እንተ ኣዘዘካ፡ ንስኻ ግና ንኣምላኽ ክትእዘዞ እዩ ዚግብኣካ።

ክንስዕቦም እንኽእል ሰናይ ኣብነታት ኣለዉና። ህዝቅያስ ነቲ ዳዊት ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣቦሓጎኡ ዝነበረ ዮታም ዝሓደጎ ኣብነት እውን ስዒቡ እዩ። ዋላ እኳ ዮታም ገና ህዝቅያስ ከይተወልደ ኸሎ እንተ ሞተ፡ ከምቲ ንሕና ሎሚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኽንመሃር እንኽእል፡ ህዝቅያስ እውን ብዛዕባ ኣቦሓጎኡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንስኻኸ ንሰናይ ኣብነቶም ክንስዕቦ እንኽእል ካልኦት ሰባት ትዝክርዶ፧

ልክዕ እዩ፡ ህዝቅያስን ዳዊትን ዮታምን ካልኦት ዘይፍጹማት ሰባትን ብዛዕባ ዝገበርዎ ገለ ጌጋታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንየሆዋ የፍቅርዎ ነይሮም እዮም፣ ጌጋታቶም ተኣሚኖም ድማ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ጽዒሮም እዮም። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ጥራይ እዩ ፍጹም ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባኡ ኸነጽንዕን ኣብነቱ ኽንስዕብን ንጽዓር።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ፦

2 ነገስት 18:6፣ 2 ዜና መዋእል 28:1-3

መዝሙር 27:10፣ ኤፌሶን 6:1፣ ቈሎሴ 3:20

2 ዜና መዋእል 27:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 2:21

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።