ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን”

“እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን”

ንኣምላኽ ቅረቦ

“እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን”

ተዘክሮታት ኣዝዩ ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ምስቶም እነፍቅሮም ሰባት ዘሕለፍናዮ ባህ ዜብል እዋን ክንዝክሮ ኸለና፡ ልብና ብሓጐስ እዩ ዚምላእ። ብኣንጻሩ ግና፡ ተዘክሮታት ልክዕ ከም መርገም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ህይወትካ ኣመና ዜሕዝን ነገራት ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ‘እዚ ዜሕዝን ተዘክሮታት እዚ፡ ካብ ኣእምሮይ ይድምሰስ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣብቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝጸሓፎ ቓላት፡ ነዚ ሕቶ እዚ ዚኸውን ዜተባብዕ መልሲ ንረክብ ኢና።ኢሳይያስ 65:17 ኣንብብ።

የሆዋ ነቲ ዜጕሂ ተዘክሮታት ካብ ሱሩ ምሕዩ ኼጥፍኦ ዓሊሙ ኣሎ። ብኸመይ እዩ ዜጥፍኦ፧ ነዛ እክይቲ ዓለምን ንዅሉ መከራን ብምጥፋእን ንዘለኣለም ኪቕጽል ብዚኽእል ዝሓሸ ነገር ብምትካእን እዩ። ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ” ኢሉ ተመባጺዑ እዩ። ነዚ መብጽዓ እዚ ምርዳእና፡ ንልብና ብተስፋ ኺመልኦ ይኽእል እዩ።

ሓድሽ ሰማያት እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና ኽልተ ኣፋፍኖት ይህበና እዩ። ቀዳማይ፡ እቲ “ሓድሽ ሰማይ” ዚብል ሓሳብ፡ ብኻልኦት ክልተ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና፣ ኣብ ክልቲኡ እዋናት ከኣ፡ እታ ሓረግ ምስቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ለውጢ ተተሓሒዛ እያ ተጠቒሳ ዘላ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1-4) ካልኣይ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሰማይ” እትብል ቃል፡ ንግዝኣት ወይ ንመንግስቲ ኸተመልክት ትኽእል እያ። (ኢሳይያስ 14:4, 12፣ ዳንኤል 4:25, 26) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ሓድሽ ሰማያት፡ ንሓደ ኣብ ምድሪ ጽድቃዊ ዅነታት ኬስፍን ብቕዓት ዘለዎ ሓድሽ መንግስቲ እዩ ዜመልክት። ነዚ ዅሉ ኽትገብር እትኽእል፡ እታ የሱስ ክንጽልየላ ዝመሃረና ሰማያዊት መንግስቲ፡ ማለት መንግስቲ ኣምላኽ እያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ጻድቕ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ መላእ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብር እያ።—ማቴዎስ 6:9, 10

ሓድሽ ምድሪ እንታይ እዩ፧ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኽንበጽሕ ዚሕግዘና ኽልተ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት እስከ ንመርምር። ቀዳማይ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ምድሪ” እትብል ቃል፡ ሓድሓደ ግዜ ንግኡዝ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ተመልክት እያ። (መዝሙር 96:1) ካልኣይ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ፡ እሙናት ደቂ ሰብ ነቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዚሰፍን ጽድቂ ኸም ዚመሃርዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይንበ እዩ። (ኢሳይያስ 26:9) ስለዚ፡ ሓድሽ ምድሪ፡ ነቲ ንግዝኣት ኣምላኽ ዚእዘዝን ብጻድቕ ስርዓታቱ ዚምራሕን ሕብረተሰብ እዩ ዜመልክት።

እሞኸ፡ የሆዋ ነቲ ዜጕሂ ተዘክሮታት ብኸመይ ካብ ሱሩ ምሕዩ ኸም ዜጥፍኦ ተረዲኡካዶ፧ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ብምቛም፡ ነቲ ንሓድሽ ሰማያትን ንሓድሽ ምድርን ዚምልከት መብጽዓኡ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ እዩ። * ኣብታ ሓዳስ ዓለም እቲኣ፡ እቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ ዜምጽእ ጐዳኢ ተዘክሮታት፡ ነበረያ ነበረ ኪኸውን እዩ። እሙናት ሰባት ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ኬስተማቕርዋ እዮም፣ በብመዓልቱ ኸኣ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኬሕልፉ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ንልብና ዚሃስዮ ዘሎ ነገራትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ዜጋጥመና ዜጕሂ ነገራት፡ ቀስ ብቐስ ኪጠፍእ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ይስሕበካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ናብቲ ብሩህ መጻኢ ተመባጺዑልና ዘሎ ኣምላኽ ብኸመይ ክትቀርብ ከም እትኽእል ስለምንታይ ዘይትመሃር፧

ንመጋቢት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

ኢሳይያስ 63ኤርምያስ 16

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 7 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትፍጽሞ ነገራትን ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3፡ 8፡ 9 ርአ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ዜጕሂ ተዘክሮታት ካብ ሱሩ ምሕዩ ኼጥፍኦ ዓሊሙ ኣሎ