ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ኪስበኽ እዩ”

“እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ኪስበኽ እዩ”

“እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ኪስበኽ እዩ”

“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”​—ማቴዎስ 24:14

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ፡ ብዛዕባ የሱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ” ዚብል ጸብጻብ ሃበ። (ሉቃስ 8:1) የሱስ ባዕሉ እውን፡ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ከተማታትን ኣቝሻትን እናኸዱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኺሰብኩ ለኣኾም፣ ጸኒሑ ድማ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዚብል ትእዛዝ ሃቦም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ሉቃስ 10:1

ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ብቕዓት እዚ ኣማሊኦምዎ ድዮም፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ውዓል ሕደር ከይበሉ ትእዛዝ ጐይታኦም ፈጺሞም እዮም። “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) ሒደት ፍሉያት ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ስብከት ተዋፊሮም ነበሩ። ኒያንደር ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ “እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ንመጀመርታ እዋን ኣንጻር ክርስትና ዝጸሓፈ ሰልሰስ፡ ሰራሕቲ ጸምሪ፡ ሰራሕቲ ሳእኒ፡ ፈሓቝቲ ቘራብቲ፡ ከምኡውን ዋላ ሓንቲ ዘይተማህሩን ተራ ሰባትን፡ ቀናኣት ሰበኽቲ ወንጌል ብምንባሮም ኣላገጸሎም።” ዣ በርናንዲ፡ ኣብታ ዘ አርሊ ሰንችሪ ኦቭ ዘ ቸርች እትብሃል መጽሓፉ፡ “[ክርስትያናት] ኣብ ፈቐዶኡ እናኸዱ ንዅሉ ሰብ . . . ኣብ ጐደናታትን ከተማታትን፡ ኣብ ቀራና መገድታትን ኣብ ኣባይትን፡ ሰባት ይቀበልዎም ኣይቀበልዎም . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ይሰብኩ ኸም ዝነበሩ ገለጸ።

ሎሚ ነዚ ኣብነት እዚ ዚስዕብዎ ዘለዉ መን እዮም፧ ዴቪድ ዋትሰን ዝስሙ ቀሺ እንግሊዛዊት ቤተ ክርስትያን፡ “ሓደ ኻብቲ ነዚ ሕጂ ዚርአ ዘሎ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ውደቀት ምኽንያት ዚዀኖ፡ ቤተ ክርስትያን ንስብከትን ትምህርትን ኣርዚና ዘይምርኣያ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ሆሴ ሉዊስ ፐሬስ ግዋዳሉፔ ኣብታ ዋይ ኣር ዘ ካቶሎክስ ሊቪንግ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ወንጌላውያንን ኣድቬንቲስትን ካልኦትን፡ “ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይከዱን እዮም” በለ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ “ብስሩዕ ኣገባብ ካብ ቤት ናብ ቤት ይኸዱ እዮም” በለ።

ጆናታን ተርሊ ካቶ ሱፕሪም ኮርት ረቪው፡ 2001-2002 ኣብ ዚበሃል ዓመታዊ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገዳስን ኣብ ሓቂ እተመርኰሰን ከምዚ ዚብል ርእይቶ ሂቡ ኣሎ፦ “ሓደ ሰብ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዚጠቅስ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ እቶም ኣብ ዘይምሹእ ሰዓታት ኣብ ኣባይትና ዚመጹ ሰበኽቲ እዮም ዚሓስቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ንሰባት ኬእምንዎም ዚጽዕሩ፡ እምነቶም ንምስፍሕፋሕ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ እዚ ዕዮ እዚ ኣገዳሲ ኽፍሊ እምነቶም ስለ ዝዀነ እዩ።”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ነዚ ብቕዓታት እዚ ዜማልእዎ ዘለዉ መን እዮም፧

ሎሚ ነቲ ኣብዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት እተመያየጥናሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ናይ ሓቂ ክርስትና፡ ዜማልእዎ ዘለዉ መን እዮም፧ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ጕጅለታትን ሃይማኖታትን እኳ እንተለዉ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” ከም ዝበሎም ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 7:21) ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣለሊኻ ምስ እትሓብሮም፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም በረኸት ክትረክብ ኢኻ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንሳ እተምጽኦ በረኸትን ዝያዳ ሓበሬታ ክትርከብ እንተ ደሊኻ፡ ነቶም ነዛ መጽሔት እዚኣ ዝሃቡኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ነተባብዓካ።​—ሉቃስ 4:43