ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን”

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን”

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን”

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም።”​—ዮሃንስ 17:14

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ ካብ ዓለም ስለ ዘይነበረ፡ ካብቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ማሕበራዊ ዀነ ፖለቲካዊ ግጭታት ገለልተኛ እዩ ነይሩ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።” (ዮሃንስ 18:36) ንሰዓብቱ ድማ ነቲ ብቓል ኣምላኽ እተዀነነ ባህርይን ዘረባን ተግባርን ኬወግድዎ ተማሕጺንዎም እዩ።—ማቴዎስ 20:25-27

ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ብቕዓት እዚ ኣማሊኦምዎ ድዮም፧ ጆናታን ዳይመንድ ዝስሙ ሃይማኖታዊ ጸሓፊ ኸም ዝገለጾ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት “ጸርፊ፡ ወይ ማእሰርቲ፡ ወይ ሞት የስዕበሎም ብዘየገድስ፡ ኣብ [ውግእ] ከይካፈሉ ኣብዮም እዮም።” ብገለልትነቶም ካብ ዚለማለሙ፡ ኪሳቐዩ እዮም ዚመርጹ ነይሮም። ብስነ ምግባራዊ ስርዓቶም እውን ካብ ካልኦት ፍሉያት እዮም ነይሮም። “ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ አለዉ” ድማ ተባሂሉሎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 4:4) ዊል ዱራንት ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ክርስትያናት “ብመንፈሳውነቶምን በቲ እሩም ጠባዮምን ንሕልና ናይቲ ተድላ ዝፈቱ ዝነበረ ኣረማዊ ዓለም የሸግርዎ” ከም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ።

ሎሚ ነዚ ኣብነት እዚ ዚስዕብዎ ዘለዉ መን እዮም፧ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ንክርስትያናዊ ገለልትነት ኣመልኪቱ፡ ኣጽዋር ከይትዕጠቕ ምእባይ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ገሊጹ ኣሎ። ሪፎርሚርተ ፕሬሰ ኣብ ዘርእስታ ጋዜጣ ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ከም ዝሓበረቶ፡ መሰላት ኣፍሪቃውያን ዚብሃል ውድብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዛዕባ እቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት፡ “ብጀካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኵለን ሃይማኖታት ኣብቲ ቕትለት ከም እተኻፈላ ገሊጹ እዩ።

ሓደ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዚምህር መምህር፡ ነቲ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ኣመልኪቱ፡ “ካብቶም ብተራ ዜጋታት ዝቘሙ ጕጅለታት ወይ ውድባት ብዛዕባ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓሶትን ጭካነን ግፍዕን ደፊሩ እተዛረበ ዋላ ሓደ ኣይነበረን” በለ። ምስ ቤተ መዘክር ጃምላዊ ቕትለት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ተመያየጠ ግና፡ “ሕጂ መልሲ ረኺበ” በለ። እቶም ዚግፍዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እምነቶም ከም ዝጸንዑ ፈለጠ።

ብዛዕባ እቲ ስነ ምግባራዊ ስርዓታቶምከ፧ ዩ. ኤስ. ካቶሊክ እትብሃል መጽሔት፡ “ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም መንእሰያት ካቶሊካውያን፡ ነቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኸይተመርዓኻ ብሓንሳእ ምንባርን ብዛዕባ ቕድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብን እትምህሮ ትምህርቲ ኣይሰማምዑሉን እዮም” በለት። ኣብታ መጽሔት እቲኣ፡ ሓደ ድያቆን ቤተ ክርስትያን፡ “መብዛሕትኦም ኣነ ዝፈልጦም—ብግምት ልዕሊ 50 ሚእታዊት ዝዀኑ—ኪምርዓዉ ኺመጹ ኸለዉ ኣቐዲሞም ብሓንሳእ ኺነብሩ ዝጸንሑ እዮም” ከም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣብ ብሕታዊ ናብራኦም ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓት” ከም ዜተባብዑ ገለጸ።