ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘመናውያን ኣዝቴክ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይዀኑ ኣለዉ

ዘመናውያን ኣዝቴክ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይዀኑ ኣለዉ

ዘመናውያን ኣዝቴክ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይዀኑ ኣለዉ

“ኣብያተ መቕደስ ወደቐ፡ ናብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ተቐየረ፡ ጣኦታት ዓነወ፡ ቅዱስ መጻሕፍቲ ኸኣ ብሃልሃልታ ሓዊ ተበልዐ፡ እቶም ጥንታውያን ኣማልኽቲ ግና ኣብ ኣልባብ ህንዳውያን ካብ ምንባር ኣየቋረጹን።”​—ላስ ኣንቲገስ ካልቹራስ መክሲካናስ (ጥንታዊ ባህልታት መክሲኮ)።

መክሲኮ፡ እቶም ብ13 ዘመን ኪስደዱ ኸለዉ ሒደት ዝነበሩ ዓሌት፡ ድሓር ግና ማዕረ እቶም ኣብ ፔሩ ዚነብሩ ህዝቢ ኢንካ ዝዀኑ ኣዝቴክ ዚነብሩላ ሃገር እያ። ስጳኛዊ ኮርቴስ ነታ ርእሰ ኸተማ ኣዝቴክ ዝነበረት ቴኖክቲትላን ብ1521 ምስ ወረራ፡ ግዝኣት ኣዝቴክ እኳ እንተ ወደቐ፡ እቲ ናዋትል ዚብሃል ቋንቋኦም ግና ኣይሞተን። * ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ከይተረፈ ኣብ 15 ግዝኣት መክሲኮ ዚነብሩ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ይዛረቡሉ እዮም። እዚ ቛንቋ እዚ ዘይምጥፍኡ ኸኣ ከምቲ ብተመራማሪ ቫልተር ክሪከበርግ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳብ፡ ንገለ ኻብቲ ጥንታዊ እምነታት ኣዝቴክ ንምዕቃብ ሓጊዙ እዩ። ገለ ኻብቲ እምነታትከ እንታይ እዩ፧

ዜደንጹ ግናኸ ዝውቱር ልምድታት

ብሰፊሑ እተፈልጠ ልምዲ ኣዝቴክ፡ መስዋእቲ ሰብ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። እዚ ኸኣ፡ ጸሓይ፡ ልብን ደምን ሰብ እንተ ዘይተመጊባ ኽትመውት ምዃና ኣብ ዚገልጽ እምነት እተመስረተ እዩ ነይሩ። ዲያጎ ዱራን እተባህለ ስጳኛዊ ፈላሲ ኸም ዝገለጾ፡ ብ1487 እታ ናይ ቴኖክቲትላን ዓባይ ፒራሚዳዊት ቤተ መቕደስ ክትውፈ ኸላ፡ ልዕሊ 80,000 ግዳያት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ተሰውኡ።

እቶም ስጳኛውያን በዚ ልምዲ እዚ ሰምቢዶም እኳ እንተ ነበሩ፡ ሓያሎ እምነታት ኣዝቴክ ምስቲ ንሳቶም ዚስዕብዎ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እምነታት ተመሳሳሊ ምዃኑ ኣደንጽይዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣዝቴክ ብዕፉን እተዳለወ ምስልታት ኣማልኽቶም ዚበልዑሉ ዓይነት ቍርባን የብዕሉ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ስጋ እቶም መስዋእቲ ዀይኖም ዝቐረቡ ግዳያት እውን ይብላዕ ነበረ። እቶም ኣዝቴክ መስቀል ይጥቀሙ፡ ኑዛዜ ይገብሩ፡ ህጻናት ከኣ የጠምቑ ነበሩ። እቲ ዝያዳ ዜገርም ተመሳሳሊ ነገር ግና፡ ኣምልኾ እታ ድንግል “ኣደ ኣማልኽቲ” ዝዀነት፡ ኣዝቴክ ከኣ “ንእሽቶ ኣዴና” ዚብልዋ ቶናንትዚን እዩ።

ኣዝቴክ ንቶናንትዚን ኣብ ዜምልኹላ ዝነበሩ ጎቦ፡ ቋንቋ ናዋትል እትዛረብ ካቶሊክ ዝዀነት ጸላም ድንግል ጓዳሉፕ ብ1531 ንሓደ ህንዳዊ ኣዝቴክ ከም እተራእየቶ ይውረ ነበረ። እዚ ኸኣ ኣዝቴክ ናብ ካቶሊክ ንኪቕየሩ ድራኸ ኣሕደረሎም። ኣብቲ ቤተ መቕደስ ቶናንትዚን ዝነበሮ ቦታ ድማ፡ ነዛ ድንግል እዚኣ ቤተ መቕደስ ተሃንጸላ። ብ12 ታሕሳስ፡ ቋንቋ ናዋትል ዚዛረቡ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መክሲካውያን ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ይበጽሕዋ እዮም።

እቶም ህዝቢ፡ ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ዚርከብ ማሕበረሰቦም እናኸዱ፡ ነቶም ሓለውቶም ዝዀኑ ቕዱሳኖም እተፈላለየ በዓላት ይገብሩሎም ነበሩ። ገሊኡ በዓላት ንመዓልትታት ወይ እውን ንሰሙናት ይጸንሕ ነበረ። እታ ኤል ዩኒቨርሶ ዴ ሎስ ኣዝቴካስ (ዩኒቨርስ ኣዝቴክ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እቶም ደቀባት “ንኣምልኾ ቅዱሳን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምስቲ ቅድሚ ኮርቴስ ዚብዓል ዝነበረ በዓላት የተሓሕዝዎ” ኸም ዝነበሩ ትገልጽ። ማሕበረሰብ ናዋትል ኣብ ሓተታ መናፍስቲ እውን ኣዝዮም ይሳተፉ እዮም። ኪሓምሙ ኸለዉ፡ ናብቶም ስርዓት ምንጻህን መስዋእቲ እንስሳታትን ዜዘውትሩ ፈወስቲ ይኸዱ እዮም። ኣብቶም ህዝቢ መሃይምነት ኣስፋሕፊሑ እዩ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ስጳንኛ ዀነ ቋንቋ ናዋትል ኣየንብቡን እዮም። ኣብ ልምድታቶምን ቋንቋኦምን ጥብቕ ብምባሎምን ኣዝዮም ድኻታት ብምዃኖምን ከኣ መብዛሕትኦም ሰባት የግልልዎም እዮም።

ንዘመናውያን ኣዝቴክ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ በጺሕዎም

ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት “ወንጌል መንግስቲ” ንኼብጽሑሎም ንሓያሎ ዓመታት ኪጽዕሩ ጸኒሖም እዮም። (ማቴዎስ 24:14) ብዓመተ 2000፡ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዅሎም ቋንቋ ናዋትል ዚዛረቡ ሰባት ብቛንቋኦም ንኺስበኸሎምን ነቶም ኣብቲ ብስጳንኛ ዚምራሕ ኣኼባታት ዚእከቡ ሰባት ከኣ ብቛንቋ ናዋትል ጉባኤታት ንኺውደበሎምን ፕሮጀክት ጀመረ። ብቛንቋ ናዋትል ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺሕተም ድማ፡ ጕጅለ ትርጕም ተመስረተ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ናዋትል ዚዛረቡ ሰባት ብቛንቋኦም ምእንቲ ኼንብቡን ኪጽሕፉን ንምስትምሃር ብዙሕ ጻዕሪ ተገብረ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ነዚ ዚስዕብ ተመክሮታት ንርአ።

ሓንቲ ኻብቶም ደቀባት ዝዀነት ሰበይቲ፡ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብቛንቋ ናዋትል ምስ ሰምዐት፡ “ንዓሰርተ ዓመት ዚኣክል ኣኼባታት ክንእከብ ጸኒሕና ኢና፣ ስጳንኛ ኣጸቢቑ ስለ ዘይርድኣና ግና ርእስና ሓሚምና ኢና ንወጽእ ነይርና። ሕጂ ግና ብህይወት ምንባር ከም ዝጀመርና እዩ ዚቝጸር” በለት። ክዋን ዚብሃል ስሳ ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ፡ ምስ ሰበይቱን ምስ ደቁን ንሸሞንተ ዓመት ዚኣክል ዕቤት ከይገበረ ብቛንቋ ስጳንኛ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕን ኣኼባታት ይእከብን ነበረ። ድሕሪኡ ግና፡ ብቛንቋ ናዋትል መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኸኣ፡ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ።

እዚ ተመክሮታት እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ሓያሎ ሰባት ንመጀመርታ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ዝጀመሩ ብስጳንኛ እኳ እንተ ነበረ፡ ትርጕሙ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም ነይሮም። ኣኼባታትን ጽሑፋትን ብቛንቋኦም ምስ ተዳለወ ግና፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኪቕበሉን ክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ኪርድኦምን ክኢሉ እዩ።

ዕንቅፋታት ሰጊሮም

ማሕበረሰብ ናዋትል ብዘይ ዕንቅፋት ኣይኰኑን መንፈሳዊ ዕቤት ገይሮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ንኺካፈሉ ብዙሕ ጸቕጢ ይግበረሎም እዩ። ኣብ ሳን ኣጉስቲን ኦኣፓን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ኪሰብኩ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። እዚ ድማ፡ እቲ ንበዓላት ዚዋጻእ ዝነበረ ገንዘብ ከይቋረጽ ብዚብል ፍርሂ እዩ። ፍሎራንስዮ ምስቶም ካብቲ ኸባቢ ዝዀኑ ሒደት ጕጅለ ናዋትል ኰይኑ ኺሰብኽ ከሎ፡ ሰለስተ ኻባታቶም ተኣስሩ። ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ከኣ፡ ጭፍራ ሰባት እንታይ ከም ዚገብርዎም ኺውስኑ ተኣከቡ።

ፍሎራንስዮ፡ “ሽዑ ንሽዑ ኪቐትሉና ደልዮም ነበሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ገሊኣቶም፡ ክንእሰር፡ ምእንቲ ኽንጥሕል ድማ ናብ ውሒዝ ክንድርበ ሓሳብ ኣቕረቡ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሓደርና። ንጽብሒቱ፡ ሓደ ጠበቓ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክርን ክልተ ኻልኦት ኣሕዋትን ኪሕግዙና መጹ። ንሳቶም እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ካብታ ኸተማ ኽንወጽእ ብምእዛዝ ለቐቑና።” ምስናይዚ ግና፡ ሓደ ዓመት ጸኒሑ ኣብታ ኸተማ፡ 17 እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ 50 ሰባትን ዘለዉዋ ጉባኤ ተመስረተት።

ማሕበረሰብ ናዋትል ኣብ ዚነብሩላ ኮኣፓላ ኣብ እትበሃል ከተማ ዚነብር ኣልቤርቶ ዚስሙ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚብዓል በዓል ኪካፈል ተዓደመ። ኣብቲ በዓል ኪካፈል ስለ ዘይደለየ ድማ፡ ተኣስረ። እቲ ማሕበረሰብ ተኣከበ እሞ፡ ገሊኣቶም ነቶም ንሃይማኖት ኣልቤርቶ ብምስዓብ ንባህሊ እቲ ኸባቢ ኺሓድጉ ዚደልዩ ሰባት ንምርዓድ፡ ኣልቤርቶ ኺስቀል ከም ዘለዎ ጨደሩ። ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣልቤርቶ ኼፍትሕዎ ምስ ጸዓሩ፡ ንሳቶም እውን ተኣስሩ። እቲ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ዝጸንሐ በዓል ምስ ተዛዘመ፡ ኵሎም ተለቁ። ምጽራር እናቐጸለ ስለ ዝኸደ፡ ካብ ሰበ ስልጣን ሓገዝ ኪሕተት ኣገዳሲ ነበረ፣ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ነቲ መስጐጕቲ ዜቋርጽ ትእዛዝ ተመሓላለፈ። ድሕሪ እዚ ቝሩብ ጸኒሑ፡ እቲ ቐንዲ ተቓዋሚ ዝነበረ ሰብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሉ ተጠምቀ። ሕጂ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ጉባኤ ኣሎ።

‘ንዓጺድ ጻዕደወት’

ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ክሊ ማሕበረሰብ ናዋትል፡ ዕቤት ከም ዘሎ ብምርኣዮም ቋንቋ ናዋትል ይመሃሩ ኣለዉ። እዚ ግና ናይ ርእሱ ጸገማት ኣለዎ። ከመይሲ፡ ማሕበረሰብ ናዋትል ኣዝዮም ሓናኻት እዮም፣ ብምኽንያት እቲ ዚወርዶም ግፍዒ ድማ፡ ቋንቋኦም ኪዛረቡ ኣይደልዩን እዮም። ብዘይካዚ፡ እቲ ቛንቋ ብዙሕ ኣማራጺታት፡ ወይ ላህጃታት ኣለዎ።

ሶንያ እትበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ነቲ በዳሂ ዅነታት ንኽትሰግሮ እንታይ ከም ዝደረኻ ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ካብ ቤተይ መገዲ ኽልተ ሰዓት ዚኸውን ርሕቐት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ፡ ብዘብዐኛታት ኣብ ዚሕሎ ኣባይቲ ዚነብሩ ተሰዲዶም ዚሰርሑ 6,000 ናዋትል ኣለዉ። እቶም ሰባት እናተገፍዑን እናተዋረዱን እዮም ዚነብሩ። ናዋትል መስረትቲ ባህልና ብምዃኖም፡ ቀደም ሕፉራት ህዝቢ ስለ ዝነበሩ፡ ኵነታቶም ኣዝዩ ኣሕዘነኒ። ን20 ዓመት ዚኣክል ብስጳንኛ ንሰብከሎም እኳ እንተ ነበርና፡ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይርድኦም፡ ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ሒደት ቃላት ቋንቋኦም ምስ ፈለጥኩ ግና፡ ማዕጾ ተራሕወ። ንኺሰምዑኒ ይዓጕጉኒ ነበሩ። ንሓንቲ ሰበይቲ፡ ቋንቋ ናዋትል እንተ ምሂራትኒ፡ ኣነ ኸኣ ምንባብን ምጽሓፍን ከም ዚምህራ ነገርክዋ። ሕጂ ኣብቲ ኣባይቲ እቲ ዚነብሩ ዅሎም፡ ከም ሓንቲ ‘ቛንቋኦም እትዛረብ ሰበይቲ’ ገይሮም እዮም ዚርእዩኒ። ኣብ ሃገረይ ሚስዮናዊት ዝዀንኩ ዀይኑ ድማ እዩ ዚስምዓኒ።” ሎሚ፡ ኣብቲ ኸባቢ ብቛንቋ ናዋትል ዚምራሕ ጉባኤ ኣሎ።

ማሪሴላ ዝስማ ኻልእ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ከኣ፡ ቋንቋ ናዋትል ንኽትመሃር ብዙሕ ትጽዕር ኣላ። ኣብ ፈለማ ንሓደ 70 ዓመት ዝዕድሚኡ ፌሊክስ ዚብሃል ሰብኣይ ብስጳንኛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓሉ ነበረት። ብዙሕ ቃላት ናዋትል ምስ ፈለጠት ግና፡ ብቛንቋኡ ኽትገልጸሉ ጀመረት። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕደረሉ። ፌሊክስ፡ “የሆዋ ብናዋትል እንተ ተዛሪበዮ ይሰምዓኒ ድዩ፧” ኢሉ ምስ ሓተታ፡ ማሪሴላ ኣዝያ ተተንከፈት። ፌሊክስ፡ የሆዋ ዅሉ ቋንቋታት ከም ዚርዳእ ምስ ፈለጠ፡ ተሓጐሰ። ብእግሩ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን እናተጓዕዘ ድማ፡ ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ፣ ሕጂ እተጠምቀ ሓው እዩ። ማሪሴላ፡ “ምስቲ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ መልኣኽ ብምትሕብባረይ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ” በለት።—ራእይ 14:6, 7

ምድሪ ናዋትል “ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት” እምበኣር ፍሉጥ እዩ። (ዮሃንስ 4:35) የሆዋ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ፡ እንተላይ ነቶም ክቡራት ዘመናውያን ኣዝቴክ፡ መገድታቱ ምእንቲ ኺመሃሩ ናብ ከረኑ ኺድይቡ ብቐጻሊ ኺዕድሞም ጸሎትና እዩ።—ኢሳይያስ 2:2, 3

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ናዋትል ክፍሊ እቲ ኡቶ-ኣዝቴክ ዚበሃል መበቆል እተፈላለየ ቋንቋታት ኪኸውን ከሎ፡ ሆፒ፡ ሾሾኔ፡ ከምኡውን እቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዚነብሩ ኮማንቼ እተባህሉ ዓሌታት ይዛረቡሉ እዮም። ከም ኣቮካዶ፡ ቾኮሌት፡ ኮዮቴ፡ ቶማቶ፡ ዝኣመሰሉ ሓያሎ ቓላት ናዋትል፡ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ተወሪሱ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ካርታ]

(For fully formatted text, see publication)

መክሲኮ ሲቲ

ኣብ ሓደ ግዝኣት ዚነብሩ ህዝቢ ኣዝቴክ

150,000

ትሕቲ 1,000