ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ ባህ ይብሎም እዩ። ክትዘራረበሉ እትደሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ኣሎካዶ፧ ብዛዕባ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጦ እትደሊ ኣሎካዶ፧ እንተ ኣልዩካ፡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ክትራኸብ ከለኻ፡ ከይተሰከፍካ ነቲ ጕዳይ ኣበግሶ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ኺምልሰልካ እዩ።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ ዚገብሮ ዝርርብ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል እዩ። ክብራ እትብሃል ናይ የሆዋ ምስክር፡ ናብ እንዳ ሓንቲ ሳሮን እትብሃል ሰበይቲ ኸም ዝኸደት ጌርና እስከ ንሕሰብ።

ኣብ የሱስ ኣይትኣምኑን ዲኹም፧

ሳሮን፦ ቀሽና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ የሱስ ከም ዘይትኣምኑ እዮም ነጊሮምና። እዝስ ሓቂ ድዩ፧

ክብራ፦ ኣብ የሱስ ከም እንኣምን ከረጋግጸልኪ እፈቱ። ኣብ የሱስ ምእማን ንድሕነት ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኢና እንኣምን።

ሳሮን፦ ኣነ እውን ከምኡ ኢለ እየ ዝኣምን።

ክብራ፦ ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ፡ ኣነን ንስኽን ንሰማማዕ ኢና ማለት እዩ። ኣቐዲመ ግና ከይተላለኹኺ፣ ክብራ እብሃል። ንስኺኸ መን ትብሃሊ፧

ሳሮን፦ ሳሮን እብሃል።

ክብራ፦ ጽቡቕ ሌላ ይግበረልና። ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ኣብ የሱስ ዚኣምኑ እንተ ዀይኖም፡ ሰባት ብዛዕባኦም ኣብ የሱስ ከም ዘይኣምኑ ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧’ ኢልኪ ሓሲብኪ ትፈልጢ ትዀኒ።

ሳሮን፦ እወ፡ ሓሲበ እፈልጥ እየ።

ክብራ፦ ብሓጺሩ፡ ኣብ የሱስ ድልድልቲ እምነት እያ ዘላትና፣ ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ሰባት ብዛዕባኡ ዚብልዎ ኣይንኣምነሉን ኢና።

ሳሮን፦ ገለ ኣብነትዶ ኽትጠቕስለይ ትኽእሊ፧

ክብራ፦ እወ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ከም ዝነበረ ይዛረቡ። ንሕና ግና ነዚ ኣይንሰማምዓሉን ኢና።

ሳሮን፦ ኣነ እውን ኣይሰማምዓሉን እየ።

ክብራ፦ ኣብዚኣ እውን ንሰማማዕ ኢና ማለት እዩ። ካልኣይ ኣብነት ከኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ የሱስ ባዕሉ ምስ ኣቦ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ዝገለጾ ሓሳብ ንዚጋጮ ትምህርቲ ኣይቅበልዎን እዮም።

ሳሮን፦ እንታይ ማለትኪ ኢኺ፧

ክብራ፦ ብዙሓት ሃይማኖታት፡ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ እየን ዝምህራ። ንስኺ እውን ከምኡ ተማሂርኪ ትዀኒ።

ሳሮን፦ እወ፣ ቀሽና፡ እግዚኣብሄርን የሱስን ሓደ ኸም ዝዀኑ እዮም ምሂሮምና።

ክብራ፦ ብዛዕባ የሱስ እቲ ሓቂ ኽንፈልጥ እንተ ደሊና፡ ነቲ ባዕሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እተዛረቦ ነገራት ደይኰንናን ኽንምርምሮ ዘሎና፧

ሳሮን፦ እወ ሓቅኺ።

የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንታይ ከም ዝበለ

ክብራ፦ ነዚ ነጥቢ እዚ ኸተነጽረልና እትኽእል ጥቕሲ እስከ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንርአ። ዮሃንስ 6:38 እንታይ ከም እትብል እሞ ነንብብ። የሱስ ኣብታ ጥቕሲ፡ “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” በለ። የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኽትርድኣ እተጸግም ምዀነት ነይራ።

ሳሮን፦ እንታይ ማለትኪ ኢኺ፧

ክብራ፦ የሱስ፡ ፍቓዱ ምእንቲ ኺገብር ካብ ሰማይ ከም ዘይወረደ እዩ ዚገልጽ ዘሎ።

ሳሮን፦ ልክዕ። ፍቓድ እቲ ዝለኣኾ ኺገብር ከም ዝመጸ እዩ ተዛሪቡ።

ክብራ፦ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ፡ ካብ ሰማይ መን ልኢኽዎ፧ ፍቓድ እቲ ዝለኣኾ ዚገብርከ ስለምንታይ እዩ፧

ሳሮን፦ እንታይ ትብሊ ኸም ዘለኺ ተረዲኡኒ። ኰይኑ ግና፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ፡ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኣይተረጋግጽን እያ።

ክብራ፦ የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እንታይ ከም ዝበለ ኸርእየኪ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ፡ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ምዕራፍ ተመሳሳሊ ሓሳብ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። እዚ ኣብ ዮሃንስ 7:16 ይርከብ፣ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸተንብብያዶ፧

ሳሮን፦ ሕራይ። “ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፤ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።”

ክብራ፦ አመስግነኪ። ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሱስ ናቱ ሓሳባት ድዩ ዚምህር ነይሩ፧

ሳሮን፦ ኣይኰነን፣ ትምህርትታቱ ናይቲ ዝለኣኾ ኸም ዝዀነ እዩ ተዛሪቡ።

ክብራ፦ ጽቡቕ ኣለኺ። እዚ ግና፡ ‘ንየሱስ መን እዩ ልኢኽዎ፧ ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቅታት ዝሃቦኸ መን እዩ፧’ ኢልና ኸም እንሓትት እዩ ዚገብረና። እቲ ንየሱስ ዝለኣኾ፡ ካብኡ ዚዓቢ ደይኰነን ኪኸውን ዘለዎ፧ ከመይሲ፡ ለኣኺ ኻብቲ ዚለኣኽ ይዓቢ እዩ።

ሳሮን፦ ዜገርም እዩ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣንቢበያ ኣይፈልጥን እየ።

ክብራ፦ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 14:28 እንታይ ከም ዝበለ እውን ንርአ፣ “ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም።” ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሱስ ምስ ኣቦ ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ንርእሱ ኸመይ ገይሩ እዩ ዚርእያ ነይሩ፧

ሳሮን፦ ኣቦ ኻብኡ ኸም ዚዓቢ ስለ እተዛረበ፡ ንኣምላኽ ካብኡ ኸም ዚበልጽ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

ክብራ፦ ልክዕ ኣለኺ። ካልእ ኣብነት እውን ንርአ፣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማቴዎስ 28:18 እንታይ ከም ዝበሎም እሞ ኣስተብህሊ። እታ ጥቕሲ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” ትብል። እሞኸ የሱስ፡ ኵሉ ሳዕ ኵሉ ስልጣን ከም ዝነበሮ ድዩ ተዛሪቡ፧

ሳሮን፦ ኣይኰነን፣ ስልጣን ከም እተዋህቦ እዩ ተዛሪቡ።

ክብራ፦ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ዝያዳ ስልጣን ኪወሃቦ ዚኽእል፧ ዝሃቦኸ መን እዩ፧

ሳሮን፦ ነዝስ ቀስ ኢለ ኽሓስበሉ ኼድልየኒ እዩ።

ኣምላኽ ንመን እዩ ዚዛረቦ ነይሩ፧

ክብራ፦ የሱስ ብሓቂ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ዜጠራጥረካ ኻልእ ነጥቢ እውን ኣሎ።

ሳሮን፦ እንታይ እዩ፧

ክብራ፦ እቲ ብዛዕባ ጥምቀት የሱስ ዚገልጽ ኣብ ሉቃስ 3:21, 22 ዚርከብ ሓሳብ እዩ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸተንብብያዶ፧

ሳሮን፦ “ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዅሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።”

ክብራ፦ የሱስ ኪጥመቕ ከሎ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ኣስተብሂልክዶ፧

ሳሮን፦ እወ፡ ይጽሊ እዩ ነይሩ።

ክብራ፦ ጽቡቕ ኣለኺ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ‘የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ናብ መን እዩ ዚጽሊ ነይሩ፧’ ኢልና ኸም እንሓትት ደይኰነን ዚገብረና፧

ሳሮን፦ ጽብቕቲ ሕቶ እያ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ንቐሽና ኽሓትቶ ዘሎኒ ይመስለኒ።

ክብራ፦ ምስኡ ብእተተሓሓዘ፡ የሱስ ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ካብ ሰማይ እተዛረበ ኣካል ኣሎ። እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብሂልክሉዶ፧

ሳሮን፦ የሱስ ወዱ ኸም ዝዀነን ከም ዚፈትዎን ከም ዚሰምሮን ገሊጹ ኣሎ።

ክብራ፦ ልክዕ። የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ ግና፡ ካብ ሰማይ ከምኡ ኢሉ እተዛረበ መን እዩ፧

ሳሮን፦ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ።

“ኣቦ”ን “ወዲ”ን እተባህሉ ስለምንታይ እዮም፧

ክብራ፦ ካልእ ክንምርምሮ ዘሎና ነጥቢ እውን ኣሎ፣ የሱስ ንኣምላኽ፡ ሰማያዊ ኣቦኡ ኸም ዝዀነ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ኪጥመቕ ከሎ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ድምጺ ኻብ ሰማይ መጺኡ እዩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ ንገዛእ ርእሱ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ’ ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። ክልተ ሰባት ማዕረ ምዃኖም ከተረድእኒ እንተ ደሊኺ፡ ኣብነት ከኣ ክትጥቀሚ እንተ ሓሲብኪ፡ እንታይ ዓይነት ናይ ስድራ ቤት ርክብ ምተጠቐምኪ፧

ሳሮን፦ ክልተ ኣሕዋት ተጠቒመ መረዳእኩኺ።

ክብራ፦ ኣይተጋገኽን፣ ምናልባት እውን ማናቱ ትጥቀሚ ትዀኒ። የሱስ ግና ንኣምላኽ፡ ኣቦ ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ፣ ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ወዲ ኢሉ እዩ ጸዊዕዋ። ስለዚ፡ የሱስ እንታይ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ዝነበረ ይመስለኪ፧

ሳሮን፦ ሓሳብኪ ተረዲኡኒ። የሱስ፡ ሓደ ኣካል ካብቲ ኻልእ ከም ዚዓብን ዚበለጸ ስልጣን ከም ዘለዎን እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ክብራ፦ ልክዕ ኣለኺ። ሕስብ እሞ ኣብልዮ፦ ክልተ ሰባት ማዕረ ምዃኖም ንምግላጽ፡ ኣሕዋት ወይ ማናቱ ጠቒስኪ። የሱስ ብሓቂ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እሞ ኸኣ ከም ዓብዪ መምህር መጠን፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣቦ ዘለዎ ማዕርነት ኪገልጽ ከሎ፡ ተመሳሳሊ ወይ እውን ካብኡ ዚንጽር ኣብነት ኣይምሃበንዶ፧

ሳሮን፦ እወ ምሃበ።

ክብራ፦ ንሱ ግና ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ንምግላጽ፡ “ኣቦ”ን “ወዲ”ን ዚብል ቃላት እዩ ተጠቒሙ።

ሳሮን፦ ዜገርም ሓሳብ ኢኺ ኣምጺእኪ።

ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ እንታይ ከም ዝበሉ

ክብራ፦ ቅድሚ ምኻደይ፡ ሓጺር ግዜ እንተ ኣልዩኪ፡ ሓደ ነጥቢ ኸካፍለኪ።

ሳሮን፦ ሕራይ፡ ሕጽር ዝበለ ግዜ ኣሎኒ።

ክብራ፦ የሱስ ብሓቂ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብንጹር ከምኡ ዚብሉዶ ኣይመስለክን፧

ሳሮን፦ እወ።

ክብራ፦ ከምኡ ኢሎም ከም ዝመሃሩ ዚገልጽ ሓሳብ ግና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። ኣብ ፊልጲ 2:9፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ [ንየሱስ] ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ” በለ። ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንየሱስ እንታይ እዩ ገይሩሉ፧

ሳሮን፦ ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ከም ዘበሎ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ክብራ፦ ጽቡቕ ኣለኺ። የሱስ ቅድሚ ሞቱ ማዕረ ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ኣምላኽ ከኣ ጸኒሑ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል እንተ ኣቢልዎ፡ የሱስ ልዕሊ ኣምላኽ ደይኰነን ዚኸውን፧ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ዝዀነ ይኹን ኣካል ልዕሊ ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል፧

ሳሮን፦ ልዕሊ ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል እሞ የለን።

ክብራ፦ ኣነ እውን ኣብዚኣ ምሳኺ እሰማማዕ እየ። እሞኸ ኣብዚ ዅሉ መርትዖ ተመርኲስኪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ድዩ ዚምህር፧

ሳሮን፦ ኣይፋሉን፣ ከምኡ ኢሉ ዚምህር ኣይመስልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ።

ክብራ፦ ልክዕ ኣለኺ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሱስ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ግና ከረጋግጸልኪ እፈቱ። ሞቱ ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ ናብ ድሕነት ከም ዚመርሖም ንኣምን ኢና።

ሳሮን፦ ኣነ እውን ከምኡ ኢለ እየ ዝኣምን።

ክብራ፦ ‘ነቲ የሱስ ኣብ ክንዳና ህይወቱ ብምሃብ ዝገበሮ ነገራት ከም እነማስወሉ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧’ ኢልኪ ትሓስቢ ትዀኒ። *

ሳሮን፦ እወ፡ እዚ የተሓሳስበኒ እዩ።

ክብራ፦ እንደገና ተመሊሰ ብዛዕባ መልስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከካፍለኪ እኽእል እየ። እሞ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ገዛኺ ኽረኽበኪ እኽእል ድየ፧

ሳሮን፦ እወ፡ ኣብ ገዛ ኽጸንሓኪ እየ።

ክብራ፦ ጽቡቕ እምበኣር፣ ክሳዕ ሽዑ ደሓን ኩኒ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 76 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።