ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ብዛዕባ የሱስ ሕቡእ ሓቅታት ይገልጽ ድዩ፧

ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ብዛዕባ የሱስ ሕቡእ ሓቅታት ይገልጽ ድዩ፧

ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ብዛዕባ የሱስ ሕቡእ ሓቅታት ይገልጽ ድዩ፧

“ኣዝዩ ዜደንቕ ርኽበት እዩ። ብዙሓት ሰባት ኪጕህዩ እዮም።” “እዚ ንታሪኽ ቀዳሞት ክርስትያናት ዚቕይር እዩ።” እዚ ሓሳባት እዚ፡ እቶም ነቲ ንልዕሊ 16 ዘመናት ጠፊኡ ተባሂሉ ዚሕሰብ ዝነበረ “ወንጌል ይሁዳ” (ኣብ ላዕሊ ዘሎ) ብታሕጓስ እተቐበልዎ ምሁራት ዝሃብዎ ርእይቶ እዩ።

ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ዘሎ ተገዳስነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ተሓቢኡ ዝጸንሐ ምስ ህይወት የሱስ እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ፍጻመታትን ትምህርትታትን ዚገልጽ ኰይኑ ይስምዖም። ኰይኑ ግና፡ ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት እንታይ እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ብዛዕባ የሱስን ክርስትናን ዚገልጽ ሓቂ ኺምህረና ይኽእል ድዩ፧

ቀኖናውን ኣቡኸሪፋውን ወንጌላት

ካብ 41 ክሳዕ 98 ድ.ክ. ኣብ ዘሎ እዋን፡ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዮሃንስን ብዛዕባ “ወለዶ” ወይ ታሪኽ “የሱስ ክርስቶስ” ጽሒፎም እዮም። (ማቴዎስ 1:1) እዚ ጸብጻባት እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ “ወንጌል” ወይ ብስራት የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።—ማርቆስ 1:1

ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ኣፈ ታሪኽን ካልእ ጽሑፋትን እኳ እንተሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ክፍሊ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪኸውን ብቕዓት ዘለዎን ግና፡ እቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ጥራይ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብዛዕባ ምድራዊ ህይወትን ትምህርትታትን የሱስ እቲ “ሓቂ” ዝሓዘ እዩ። (ሉቃስ 1:1-4፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እዚ ኣርባዕተ ወንጌላት እዚ፡ ኣብ ኵሉ ጥንታዊ ዝርዝር ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተጠቒሱ ኣሎ። ቀኖናውነቱን ክፋል እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምዃኑን ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ግዜ፡ “ወንጌላት” ዚብል ስም ዝሓዘ ኻልእ ጽሑፋት እውን ኪቕልቀል ጀመረ። እዚ ጽሑፋት እዚ ኸኣ እዩ ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ተባሂሉ ዚጽዋዕ። *

ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን፡ ኢሪንየስ ብዓል ልዮን፡ እቶም ካብ ክርስትና ዝወጹ ኸሓድቲ፡ “ማእለያ ዘይብሉ ኣቡኸሪፋውን ናይ ሓሶትን ጽሑፋት” ከም ዘለዎም ጽሒፉ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ “ንኣእምሮ ዓያሹ ንምድንጋር ኢሎም ባዕላቶም ዘዳለውዎ” ወንጌላት እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት፡ ንዜንብቦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዚውንኖ እውን ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኺርአ ጀመረ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ፈለስትን ቀዳሕትን፡ እቲ ጽሑፋት ምእንቲ ኸይጠፍእ፡ ዓቂቦምዎ እዮም። ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ብዛዕባ እቲ ጽሑፋት ዝነበረ ተገዳስነት እናወሰኸ ኸደ፣ ብዙሕ እኩብ ጽሑፋትን ሒሳዊ ሕታማትን ከምኡውን ሓያሎ ወንጌላት ተረኽበ። ሎሚ ብዓበይቲ ዘመናዊ ቛንቋታት እተሓትመ ሕታማት ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት—ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቅነት ዘይብሉ ጸብጻባት

ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት መብዛሕትኡ እዋን ኣብቶም ኣብ ቀኖናዊ ወንጌላት ብዙሕ ዘይተዘርበሎም ወይ ፈጺሞም ዘይተጠቕሱ ሰባት እዩ ዜተኵር። ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ቈልዓ ኸሎ ገይርዎ ዚብሃል ናይ ሓሶት ፍጻመታት እዩ ዜዘንቱ። እተወሰነ ኣብነት እስከ ንርአ።

◼ እቲ “ውልደት ማርያም” ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ “ቀዳማይ ወንጌል ያእቆብ፡” ብዛዕባ ውልደት ማርያምን ብዛዕባ ቝልዕነታን ብዛዕባ እቲ ምስ ዮሴፍ ዝገበረቶ ሓዳርን እዩ ዚገልጽ። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ሃይማኖታዊ ልቢ ወለድን ጽውጽዋይን ተባሂሉ ኺጽዋዕ እምበኣር ግቡእ እዩ። ማርያም ንዘለኣለም ድንግል ከም ዝዀነት ዚገልጽ ሓሳብ ከም ዚዝርጋሕ እዩ ዚገብር፣ ንኽብራ ተባሂሉ ድማ እዩ ተጻሒፉ።—ማቴዎስ 1:24, 25፣ 13:55, 56

◼ “ወንጌል ቶማስ፡” ኣብ ቍልዕነት የሱስ፡ ማለት ኣብቲ የሱስ ወዲ 5 ኽሳዕ ወዲ 12 ዝነበረሉ እዋን እዩ ዜተኵር፣ የሱስ ብተኸታታሊ ተኣምራት ከም ዝፈጸመ ኸኣ ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 2:11 ርአ።) ኣብዚ ወንጌል እዚ፡ የሱስ፡ ነቲ ተኣምራት ናይ ምግባር ሓይሉ ንመምህራኑን ንጐረባብቱን ንኻልኦት ቈልዑን ሕነ ንምፍዳይ ዚጥቀመሉ መትከኽን ሓራቕን ቂመኛን ቈልዓ ኸም ዝነበረ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፣ ንገሊኣቶም ድማ የዐውሮም፡ የቝርዮም፡ ወይ እውን ይቐትሎም ነበረ።

◼ ከም “ወንጌል ጴጥሮስ” ዝኣመሰለ ገሊኡ ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት፡ ኣብቲ ምስ ፍርድን ሞትን ትንሳኤን የሱስ ዚተሓሓዝ ፍጻመታት እዩ ዜተኵር። እቲ ኽፋል “ወንጌል ኒቆዲሞስ” ዝዀነ “ግብሪ ጲላጦስ” ዝኣመሰለ ጽሑፋት ከኣ፡ ኣብቲ ፍጻመታት ኣብ ዝነበሩ ሰባት እዩ ዜተኵር። እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ዘይተፈጸመ ነገር ከም እተፈጸመ ወይ እውን ዘይነበሩ ሰባት ከም ዝነበሩ ገይሩ ስለ ዚዛረብ፡ ሓቅነቱ ዜጠራጥር እዩ። “ወንጌል ጴጥሮስ” ንጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኸም ዘይገበረ፡ ንትንሳኤ የሱስ ከኣ ከም ጽውጽዋይ ገይሩ እዩ ዚገልጾ።

ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላትን ካብ ክርስትና ዝረሓቐ ኽሕደትን

ኣብ ታሕሳስ 1945 ኣብ ጥቓ ናግ ሓምዲ፡ ግብጺ፡ ገባሮ ብሃንደበት 52 ጥቕስታት ዘለዎ 13 ኢደ ጽሑፋት ፓፒረስ ረኸቡ። እዚ ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበረ ሰነዳት፡ ናይቲ ግኖስቲስዝም ዚብሃል ሃይማኖታውን ፍልስፍናውን ምንቅስቓስ እዩ ነይሩ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ መንፈሳውነትን ኣረማውነትን ፍልስፍና ግሪኽን ኣይሁድነትን ክርስትናን ዜጠቓልል ኰይኑ፡ ንገሊኦም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት ጽልዋ ኣሕዲሩሎም ነይሩ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21

እቲ “ኣብ ጥቓ ናግ ሓምዲ እተረኽበ ኢደ ጽሑፋት፡” “ወንጌል ቶማስ”ን “ወንጌል ፊልጶስ”ን “ወንጌል ሓቂ”ን ዜጠቓልል ኰይኑ፡ ካብ የሱስ ዝመንጨወ ዚመስል ብዙሕ ግኖስቲካዊ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽበ “ወንጌል ይሁዳ” እውን፡ ሓደ ኻብቲ ግኖስቲካዊ ወንጌላት እዩ። ንይሁዳ ኸም ሓደ ንመንነት የሱስ ጽቡቕ ገይሩ እተረድኦ ሃዋርያ ገይሩ ብኣወንታዊ መገዲ እዩ ዚገልጾ። ሓደ ነቲ ወንጌል ዜጽንዖ ምሁር ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ጽሑፍ ንየሱስ፡ ከም ሓደ “መምህርን ገላጺ ጥበብን ፍልጠትን ደኣ እምበር፡ ከም ሓደ ንሓጢኣት ዓለም ኪብል ዝሞተ መድሓኒ” ገይሩ ኣይገልጾን እዩ። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ወንጌላት ግና፡ የሱስ ንሓጢኣት ዓለም ኪብል መስዋእታዊ ሞት ከም ዝሞተ እዩ ዚምህር። (ማቴዎስ 20:28፣ 26:28፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) ብንጹር እምበኣር፡ ግኖስቲካዊ ወንጌላት ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላትና እምነት ዜዳኽማ ደኣ እምበር፡ ዜደልድላ ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 20:30

ቀኖናዊ ወንጌላት ዘለዎ ሓለፋ

ንኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ብጥንቃቐ እንተ መርሚርናዮ፡ ሓሶት ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። ምስ ቀኖናዊ ወንጌላት ከነወዳድሮ ኸለና፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኸም ዘይኰነ ኢና እንርዳእ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ንየሱስ ወይ ንሃዋርያቱ ብዘይፈልጥዎም ሰባት እተጻሕፈ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ የሱስን ክርስትናን ሕቡእ ሓቅታት ኣይገልጽን እዩ። የግዳስ፡ ንየሱስን ንትምህርትታቱን ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ዘይክእል ዘይቅኑዕን ፈጠራውን ጽውጽዋያውን ጸብጻባት ዝሓዘ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ማቴዎስን ዮሃንስን ካብቶም 12 ሃዋርያት እዮም ነይሮም፣ ማርቆስን ሉቃስን ከኣ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ይቀራረቡ ነይሮም እዮም። ነቲ ወንጌል ከኣ፡ ብመሪሕነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዮም ጽሒፎምዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14-17) ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ሰብ፡ “የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ” ንኺኣምን ዜኽእሎ እኹል ሓበሬታ፡ ካብቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ኪረክብ ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 20:31

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 7 እታ “ኣቡኸሪፋዊ” እትብል ቃል፡ ካብታ “ምሕባእ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት እያ። እታ ቓል፡ ንተመሃሮ ሓደ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ተባሂሉ ንዚዳሎ፡ ግናኸ ኻብቶም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዘይመሃሩ ሰባት ንዚሕባእ ጽሑፍ እያ እተመልክት ነይራ። ይኹን እምበር፡ ቀስ ብቐስ ነቲ ኣብ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ቐኖና መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠቓለለ ጽሑፋት እውን ከተመልክት ጀመረት።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

Kenneth Garrett/National Geographic Stock