ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንማሕበረሰብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንማሕበረሰብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንማሕበረሰብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ኣብተን ዝሓለፋ ዓንቀጻት፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ዘይኣትዉሉ ምኽንያት ርኢና ኔርና ኢና። ኰይኑ ግና፡ ክርስትያናት ንማሕበረሰቦም ኣብ ምምሕያሽ ከም ዚግደሱ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉሉ ሓደ መገዲ፡ ነቲ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል ትእዛዝ የሱስ ብምስዓብ እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20

ኣብ መንጎ እቲ ‘ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር’ የሱስ ዝሃበና ትእዛዝን ኣብ መንጎ እቲ ኸም ጨውን ከም ብርሃንን ክንከውን ዝሃበና መምርሕን ምትእስሳር ኣሎ። (ማቴዎስ 5:13, 14) እቲ ምትእስሳር እንታይ እዩ፧ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮኸ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድር፧

መልእኽቲ ክርስቶስ—ይዕቅብን የብርህን

ጨው ዓቃቢ ስለ ዝዀነ፡ ንምግቢ ኸም ዘይበላሾ እዩ ዚገብሮ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ የሱስ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ንኺነግርዎም ኢሉ ንሰዓብቱ ዝሃቦም መልእኽቲ፡ ናይ ምዕቃብ ሓይሊ ኣለዎ። እቶም ንትምህርትታት የሱስ ዚቕበልዎን ዚትግብርዎን ሰባት፡ ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ሎሚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስነ ምግባራዊ ብልሽውና የዕቍብዋ እዮም። ብኸመይ፧ ከም ምትካኽ ሽጋራ ኻብ ዝኣመሰለ ንጥዕና ዚጐድእ ነገራት ኪርሕቁ ይመሃሩ እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ከም ፍቕርን ሰላምን ዓቕልን ለውሃትን ሕያውነትን ዝኣመሰለ ባህርያት እውን የማዕብሉ እዮም። (ገላትያ 5:22, 23) እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ፡ ንሕብረተሰብ ዚጠቕሙ ሰባት እዩ ዚገብሮም። ስለዚ፡ እቶም ነቲ ዚዕቅብ መልእኽቲ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ምንጋር ዚዓይዩ ክርስትያናት፡ ንማሕበረሰቦም ዓብዪ ኣበርክቶ እዮም ዚገብሩ።

ብዛዕባ እቲ ምስ ብርሃን ተተሓሒዙ እተጠቕሰ ምሳልያዊ ኣዘራርባኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ልክዕ ከምቲ ወርሒ ነቲ ኻብ ጸሓይ ዝረኸበቶ ብርሃን እተንጸባርቕ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ነቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ዚመጽእ “ብርሃን” እዮም ዜንጸባርቑ። በቲ ኸም ብርሃን ዜብርህ መልእኽቶምን ጠባዮምን ኣቢሎም፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ብርሃን የንጸባርቕዎ እዮም።—1 ጴጥሮስ 2:12

የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ብርሃን ምዃንን ወደ መዝሙሩ ምዃንን ዘሎ ምምስሳል ኪገልጽ ከሎ፡ “መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ . . . ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢሉ ነይሩ እዩ። ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እተቐመጠ መብራህቲ፡ በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ብቐሊሉ ኺርአ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚገብርዎ ዕዮ ስብከትን እቲ ጽቡቕ ጠባዮምን፡ በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ብንጹር ኪርአ ኣለዎ። ስለምንታይ፧ የሱስ፡ እቶም ንጽቡቕ ግብሪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚርእዩ ሰባት፡ ነቶም ክርስትያናት ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ከም ዜመስግንዎ ወይ ከም ዜመጕስዎ ገሊጹ ኣሎ።—ማቴዎስ 5:14-16

ሓባራዊ ሓላፍነት

የሱስ፡ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ከምኡውን “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኪብል ከሎ፡ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። እቲ የሱስ ዝሃቦ መዝነት፡ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ተበታቲኖም ብዘለዉ ሒደት ውልቀ ሰባት ኪፍጸም ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሎም ኣመንቲ እዮም “ብርሃን” ኪዀኑ ዘለዎም። ኣብ ልዕሊ 235 ሃገራት ዚነብሩ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም መልእኽቲ ናይ ምክፋል ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እዮም ዚኣምኑ።

ፍረ ነገር መልእኽቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ፧ የሱስ ንሰዓብቱ ዕዮ ስብከት ኪህቦም ከሎ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ለውጥታት፡ ብዛዕባ ሕብረት ቤተ ክርስትያንን መንግስትን፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ኻልእ ዓለማዊ ስነ ሓሳብ ኪሰብኩ ኣይኰነን ኣዚዝዎም። የግዳስ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ እዩ ተነብዩ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመምርሒታት የሱስ ስለ ዚእዘዝዎ፡ ንሰባት ወትሩ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዚነግርዎም፣ ከመይሲ፡ እዛ መንግስቲ እዚኣ ጥራይ እያ ነቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ከተጥፍኦን ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ከተምጽእን እትኽእል።

ጸብጻብ ወንጌላት ከነንብብ ከለና፡ ኣገልግሎት የሱስ ንንጥፈታት እቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚጸልወሉ ኽልተ ቐንዲ ነጥብታት ንረክብ ኢና። ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መልእኽቲ ክርስትያናት ከም ጨው ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መልእኽቲ ክርስቶስ፡ ኣብ ጸልማት ከም ዘሎ መብራህቲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧