ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕጂ ነቲ ዜምልኾ ኣምላኽ እፈልጦ እየ

ሕጂ ነቲ ዜምልኾ ኣምላኽ እፈልጦ እየ

ሕጂ ነቲ ዜምልኾ ኣምላኽ እፈልጦ እየ

ማርየታ ማንወል ባኩድዮ ዘዘንተወቶ

ሓደ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዚንገረሉ ወንጌላዊ ቤተ ክርስትያን ጰንጠቈስጠ፡ ናብ ቤት ትምህርትና ኺበጽሕ መጸ። ምስ ተንከፈኒ፡ ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ ወይ “ብመንፈስ ወደቕኩ።” ሃለዋተይ ምስ ፈለጥኩ፡ ልክዕ ከምቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ፡ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ዘሎኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ናብዚ ዅሉ ዝመርሓኒ እንታይ እዩ፧ ንህይወተይ ዝጸለዎኸ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባኡ ቕድሚ ምንጋረይ፡ ፈለማ እስከ ብዛዕባ ኣተዓባብያይ ከዘንትወልኩም።

ብ10 ታሕሳስ 1968 ኣብ ኢሎኮስ ኖርቲ፡ ፊሊፒንስ እየ ተወሊደ፣ ካብ ዓሰርተ ውሉዳት ከኣ ሻውዐይቲ ነበርኩ። ልክዕ ከም መብዛሕትኦም ደቂ ፊሊፒንስ፡ ሰዓብቲ ካቶሊክ ኴንና ኢና ዓቢና። ብ1986 ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወዳእኩ፣ ኣላዪት ሕሙማት ክኸውን ከኣ እየ ዝደሊ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ሓያል ሕማም ስለ ዝሓዘኒ፡ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይኰነለይን። አረ ዝመውት እዩ መሲሉኒ ነይሩ። ካብ ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ፡ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ንኣምላኽ ለመንክዎ፣ እንተ ሓውየ፡ ምሉእ ህይወተይ ንዕኡ ኸም ዘገልግሎ ኸኣ ተመባጻዕኩ።

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምስ ሓወኹ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዝኣተኽዎ መብጽዓ ዘከርክዎ። ስለዚ፡ ኣብ ሰነ 1991 ኣብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጰንጠቈስጠ ተመዝገብኩ። እቲ እንመሃሮ ትምህርቲ፡ “ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ” ንኽንረክብ ከም ዜኽእለና ይንገረና ነበረ። ኣነ ድማ፡ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ኺህልወኒ እደሊ ነበርኩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ብጾምን ብጸሎትን ክንረኽቦ ኸም እንኽእል፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንመሃር ነበርና። ሓደ እዋን፡ እቲ “ውህበት” ከም ዘሎኒ ኸርኢ ስለ ዝደለኹ፡ ንሓንቲ መማህርተይ ዓው ኢላ ኽትጽሊ ኸላ ተሓቢአ ሰማዕክዋ። ክትውድእ ቍሩብ ምስ ተረፋ፡ ቀልጢፈ ናብቲ ተምበርኪኸ ዝጽልየሉ ዝነበርኩ ቦታ ተመለስኩ። ድሕሪኡ፡ እንታይ ትልምን ከም ዝነበረት ብልክዕ ነገርክዋ፣ እቲ “ናጻ ውህበት” ከም እተዋህበኒ ኸኣ ኣመነት።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እመሃር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዙሕ ሕቶታት ነበረኒ። ንኣብነት፡ ማቴዎስ 6:9 ብዛዕባ ‘ኣቦን’ ብዛዕባ ‘ስሙን’ ትገልጽ እያ። “እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ኣቦ መን እዩ፧” ከምኡውን “ናይ መን ስም እዩ ኪቕደስ ዘለዎ፧” ኢለ እሓትት ነበርኩ። መምህራነይ፡ ብንጹርን ብዜዕግብን መገዲ ኺምልሱለይ ኣይከኣሉን። ብዛዕባ ስላሴ፡ ምስጢር ድማ ከም ዝዀነ ጥራይ እዮም ዚነግሩኒ ነይሮም። እዚ ኸኣ ኣደናገረኒ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ፓስተር ክኸውን ዝወስዶ ዝነበርኩ ስልጠና ኣየቋረጽክዎን።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ዝኸፍአ ዓይነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዚስዕቡ ንምሃር ነበርና። ጸረ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ እውን ይንገረና ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸላእክዎ።

ተምሃሪት ካልኣይ ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ንወለደይ ክበጽሖም ከድኩ። ካርመን ዝስማ ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ኣሓተይ፡ ከም ዝመጻእኩ ሰሚዓ ኽትበጽሓኒ መጸት። እተጠምቀት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ። ብዛዕባ ኣምላኽ ክትምህረኒ ምስ ፈተነት፡ “ነቲ ዘገልግሎ ኣምላኽ እፈልጦ እየ” ኢለ ብሓርቖት መለስኩላ። ዓው ኢለ ድማ ጸረፍክዋ፣ ካልኣይ ሳዕ ከተዘራርበኒ ኸኣ ኣጋጣሚ ኣይሃብክዋን።

ናብቲ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተመለስኩ፡ ካርመን ነታ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ * ዘርእስታ ብሮሹር ለኣኸትለይ። ኣነ ግና ነታ ብሮሹር ጨምዲደ ናብ ሓዊ ደርበኽዋ። ገና ሓርቖተይ ኣይወጻለይን ነይሩ።

ፓስተር ኰንኩ

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናተመሃርኩ፡ ንገሊኦም ሰባት ሃይማኖቶም ከም ዚቕይሩ እገብሮም ነበርኩ። ብሕልፊ ኣደይን ሓደ ሓወይን ሰዓብቲ እምነት ጰንጠቈስጠ ምስ ኰኑ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ።

ኣብ መጋቢት 1994 ካብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጰንጠቈስጠ ተመረቕኩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ፡ ሓደ ወንጌላዊ ኺበጽሕ መጺኡ ነበረ። እቲ ወንጌላዊ፡ ውህበት ምፍዋስ ከም ዘለዎ ጌርና ንኣምን ስለ ዝነበርና፡ ኵላትና ተመረቕቲ ምስኡ ኽንከውን ንደሊ ነበርና። ምስኡ ኣብቲ መድረኽ ኴንና ድማ፡ ብዓውታን ብጭድርታን ንዘልልን ነጣቕዕን ነበርና። ድሕሪኡ፡ እቲ ወንጌላዊ ዝተንከፎ ዘበለ ሰብ “ብመንፈስ ይወድቕ” ነበረ። * ንዓይ እውን ምስ ተንከፈኒ፡ ናብ መሬት ወዲቐ ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ። ሃለዋተይ ምስ ፈለጥኩ፡ ብፍርሂ ተወሓጥኩ፣ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ ግና፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ነቲ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ተጠቒመ፡ ንሓንቲ ብብርቱዕ ረስኒ ዝሓመመት ቈልዓ ኣሕወኽዋ። ምስ ጸለኹ፡ እታ ቘልዓ ኽትርህጽ ጀመረት፣ እቲ ረስኒ ኸኣ ሓደጋ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዝኣተኽዎ መብጽዓ ኽፍጽሞ ኸም ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። እቲ ዜገርም ግና፡ ባዶነት ይስምዓኒ ነበረ። ብውሽጠይ፡ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎ እኣምን ነበርኩ፣ መን ምዃኑ ግና ኣይፈልጦን እየ ነይረ። ብዛዕባ ሰረተ እምነት እታ ዝስዕባ ዝነበርኩ ቤተ ክርስትያን እውን እጠራጠር ነበርኩ።

ንኣተሓሳስባይ ዝቐየሮ ነገራት

ድሕሪ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመታት፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ጸላእክዎም። ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክረክብ ከለኹ፡ አንድዶ ነበርኩ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ፈጺሙ ዘይተሓስበ ነገር ኣጋጠመ። ኣደይ ሰዓቢት እምነት ጰንጠቈስጠ ኽትከውን ከም ዘይትደሊ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣመና ሰምበድኩ። ካርመን ምስኣ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ነበረት። በቲ ሓብተይ ዝገበረቶ ድማ ኣዝየ ሓረቕኩ።

ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኣደይ እትነብረሉ ገዛ፡ ሓንቲ መጽሔት ንቕሑ! ረኸብኩ። ካልእ እዋን እንተ ዚኸውን፡ መንደድክዋ ነይረ። ሽዑ ግና፡ ኣደይ እንታይ ከም እተንብብ ክፈልጥ ስለ ዝደለኹ፡ ነታ መጽሔት እናገንጸልኩ ረኣኽዋ። ሓንቲ ብዛዕባ ሓደ ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ብጽኑዕ ዚኣምነሉ ዝነበረ ውልቀ ሰብ እትገልጽ ዓንቀጽ ረኣኹ። እቲ ውልቀ ሰብ፡ ንጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣረኣኣየ ኼንብቦ ምስ ጀመረ፡ እቲ ብዛዕባ ስላሴን ገሃነም እሳትን ዘይትመውት ነፍስን ዚገልጽ ትምህርትታት፡ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ምዃኑ ኣመነ። ልበይ በዚ ተተንከፈ። ኣነ እውን ነዚ እየ ኽርድኦ ዝደሊ ነይረ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ድማ፡ ነቲ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርድኣሉ እዋን ብሃንቀውታ ኽጽበዮ ጀመርኩ።

ኣብ መጽሔት ንቕሑ!፡ ብዛዕባ ሓደ ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕን ውሉፍ ሓሽሽን ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ግና ዓብዪ ለውጢ ገይሩ ህይወቱ ዘመሓየሸ ውልቀ ሰብ ምስ ኣንበብኩ፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኸንብብ ጀመርኩ። ቅዳሕ እታ፡ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም * ዘርእስታ ብሮሹር ረኸብኩ። ምስ ኣንበብክዋ፡ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ ፈለጥኩ። ብዛዕባ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኽፈልጥ ብምኽኣለይ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ።—ዘዳግም 4:39፣ ኤርምያስ 10:10

ተሓቢአ አንብብን ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብዙሕ እመሃርን ነበርኩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ጰንጠቈስጠ፡ የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ እኳ እንተ ተመሃርኩ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ የሱስ “ወዲ ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ፈለጥኩ።—ማቴዎስ 16:15, 16

ኣረኣእያይ ቀየርኩ

ምስ ካርመን እንደገና ኣብ እተራኸብናሉ እዋን፡ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም ዘርእስታ ብሮሹርን ካልእ ጽሑፋትን ክትህበኒ ምስ ሓተትክዋ፡ ኣዝያ ተገረመት። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዓመታት እኳ እንተ ኣሕለፍኩ፡ ሓቂ ኣይተመሃርኩን፣ ዓዊረ እየ ነይረ። ሕጂ ግና እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ሓቅታት፡ ንልበይ ብሓጐስ መልኦ። ንጽልዋ እተን፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዚብላ ቓላት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ርእየዮ እየ። (ዮሃንስ 8:32) እቲ ሓቅታት፡ ንህይወተይ ኪልውጦ ጀመረ።

ንእተወሰነ እዋን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ብምስጢር እናኣምለኽኩ፡ ፓስተር ኰይነ ክቕጽል ከም ዝኽእል ገይረ እሓስብ ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ንመብዛሕትኡ ሰረተ እምነት እቲ ቤተ ክርስትያን ክምህር ከም ዘይክእል ተገንዘብኩ። ይኹን እምበር፡ ፈሪሀ ነበርኩ። ነቲ ኸም ፓስተር መጠን ዝነበረኒ ዕዮ እንተ ኣቋሪጸዮ፡ ብኸመይ እየ ኽናበር፧ ነቲ ቤተ ክርስትያን፡ ሓንቲ ኻብ ፓስተሩ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሕፍሮ! ስለዚ፡ ናይታ ቤተ ክርስትያን ናይ ሓሶት ሰረተ እምነት ዘይምህር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ፓስተር ኰይነ ቐጸልኩ።

ምስ ካርመን ሓብተይ እንደገና ምስ ተራኸብና፡ ናብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸይድ ነገረትኒ። ኵሉ ግዜ ናብቲ ኣብ ከተማ ላኦግ ዚርከብ ቤተ ክርስትያን እኸይድ ስለ ዝነበርኩ፡ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብሃል ቦታ ብሕቡእ ደልየ ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸኣ ምስታ “ፕሬሸስ” ዚብል ሳጓ ዘለዋ ኣልማ ፕረስዮሳ ቪልያሪን ዝስማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ተፋለጥኩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ገና እኳ እንተ ዘይጠፍአ፡ ነቲ ፕሬሸስ ምሳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ዘቕረበትለይ ሕቶ ተቐበልክዎ።

ሓብተይ ብትዕግስቲ እያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ተካፍለኒ ነይራ። ፕሬሸስ እውን እንተ ዀነት፡ ከምኡ ዓይነት ባህርይ እዩ ነይርዋ። እቝጥዓን እከራኸራን ሓድሓደ ግዜ እጭድረላን ብዛዕባ እቲ ቐደም ዝኣምነሉ ዝነበርኩ ነገራት ኣትሪረ እዛረባን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ነገራት ንኽርዳእ ሓጊዛትኒ እያ። ፕሬሸስ ትኹን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባይ ዝነበሮም ተገዳስነት፡ ትሕትናኦም፡ ከምኡውን ልእመቶም፡ ልበይ ተንኪፉኒ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ንኸምልኾ ደረኸኒ።

ኣብ ሓምለ 1995 ፓስተር ምዃን ከቋርጾ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ራእይ 18:4 ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምሳልያዊ መገዲ ኽትዛረብ ከላ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ” እያ እትብል። ብምንታይ ደኣ እየ እሞ ኽናበር፧ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ጌርና፡ ንሱ፡ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ኢሉ ኸም እተመባጽዐ፡ እብራውያን 13:5 ምሂራትኒ እያ።

ኣቦይን ሓወይን እኳ እንተ ተጻረሩኒ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ንኽጥመቕ ክልተ ሰሙን ምስ ተረፈኒ ናብ ቤተይ ከይደ፡ ነቲ ቐደም ፓስተር ከለኹ ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ነገራት ኣንደድክዎ። ከምኡ ድሕሪ ምግባረይ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረኒ ፍሉይ ሓይሊ ኻባይ ከም ዝኸደ ተገንዘብኩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ክድቅስ ከለኹ፡ ሓደ ነገር ዝጸቕጠኒ ዘሎ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። እዚ ስምዒት እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ካባይ ከደ። ነቲ ኣብ መስኰት ቤተይ ዝርእዮ ዝነበርኩ ጽላሎት እውን፡ ድሕሪኡ ኣይረኣኽዎን። እቲ ኸም ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ዝኣመሰለ ሎሚ ውህበት ዚብሃል ነገራት፡ ምንጩ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ እኩያት መናፍስቲ ምዃኖም፡ እቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምሂሩኒ እዩ። ልክዕ ከምታ ጳውሎስ “መንፈስ ጥንቈላ” ዘውጽኣላ ግዝእቲ፡ ካብ ጽልዋ እቶም እኩያት መናፍስቲ ኽላቐቕ ብምኽኣለይ ሕጕስቲ እየ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:16-18

ኣብ መስከረም 1996 ምስ ኣደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና እተጠመቕናሉ እዋን፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ጥምቀት፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ፣ ንብዙሕ ዓመታት ድማ ብሓጐስ ኣገልገልኩ።

ሕጂ ምስ ሲልቨር ሰብኣየይ እነብር ኣለኹ። ብሓባር ኴንና ድማ፡ ንጓልና ብሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕባይ ንጽዕር ኣለና። ካልኦት ኣሕዋተይን ኣሓተይን እውን ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ንብዙሕ ዓመታት ንኣምላኽ ብሓቂ ዘይምፍላጠይ የጣዕሰኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ግና ነቲ ዘምልኾ ኣምላኽ ብምፍላጠይ ሕጕስቲ እየ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 10 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

^ ሕ.ጽ. 13 “ብመንፈስ ምውዳቕ” ኪብሃል ከሎ፡ ንገሊኦም ኣመንቲ፡ “መንፈስ” ብሓይሊ ስለ ዝወረዶም ኣብ ባይታ ኺወድቁ ኸለዉ ዚርኣየሉ ኣብ ገሊአን ሃይማኖታት ዚእመነሉ ተርእዮ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 18 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ነዚ ሓይሊ እዚ ተጠቒመ፡ ንሓንቲ ብብርቱዕ ረስኒ ዝሓመመት ቈልዓ ኣሕወኽዋ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እዚ ሓቅታት እዚ፡ ንህይወተይ ኪልውጦ ጀመረ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብዛዕባ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኽፈልጥ ብምኽኣለይ ኣዝየ ተሓጐስኩ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ፓስተር ኰይነ ኣብ እተመረቕኩሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 14, 15 ዘሎ ስእሊ]

ፕሬሸስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሓትለይ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ኣደይን ኣብ እተጠመቕናሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰንኩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሰብኣየይን ምስ ጓልናን ምስቶም ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓበሩና ብዙሓት ኣዝማደይን