ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል ኣምላኽ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ሂንዱ ዘሕደሮ ሓያል ጽልዋ

ቃል ኣምላኽ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ሂንዱ ዘሕደሮ ሓያል ጽልዋ

ነታ ብ22 ነሓሰ 2005 ሰኑይ ንግሆ ምስ ናይ ቀረባ ኣዝማደይ ኣብ እዋን ቍርሲ እተኣከብናላ እዋን ፈጺመ ኣይርስዓን እየ። ኣብ ሓንጎለይ ዓብዪ ጥረ ስለ እተረኽበ፡ ህይወተይ ኣብ ሰንኮፍ እያ ነይራ። እቲ ክሪሽና ዚብሃል ሰብኣየይ ምስ ጸለየልና፡ ንስድራ ቤተይ ክዛረቦም ጀመርኩ።

ከምዚ ድማ በልክዎም፦ “ከቢድ መጥባሕቲ ኽገብር ናብ ሆስፒታል ክኸይድ እየ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዜጋጥም ነገር ክትዳለዉሉ ኣሎኩም። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ንቐብረይ ዚምልከት ምድላዋት ገይረ ኣለኹ። ነቶም ንየሆዋ እተምልኽዎ ዘለኹም፡ ‘በጃኹም ተስፋ ኣይትቝረጹ’ እየ ዝብለኩም። ነቶም ዝተረፍኩም ግና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምሩን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኽትእከቡን እልምነኩም። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ልክዕ ከማይ ኣብታ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ምሉእ ጥዕና ሃልይዎም ንዘለኣለም ዚነብሩላ ገነት እትኸውን ምድሪ ኽትነብሩ ኸም እትኽእሉ ኽትኣምኑ ኢኹም።”

ውጽኢት እቲ መጥባሕቲ እንታይ ከም ዝዀነ ቕድሚ ምንጋረይ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያይን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝፈለጥክዎን እስከ ኸዘንትወልኩም።

ሂንዱ ዀይነ ዓበኹ

ኣደይ ሓቚፋትኒ ኸላ

ስድራ ቤትና ኣብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ደርባን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓደ ብጣውላን ብሓጺንን እተሰርሐ ዓብዪ ገዛ እያ እትነብር ነይራ። ናብ ኣፍ ደገ ገዛና ንኽትበጽሕ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ቐንዲ ጽርግያን ኣፍ ደገ ገዛናን ዘሎ 125 መደያይቦ ኽትድይቦ ኣሎካ። ድሕሪኡ፡ ብየማነ ጸጋማ ቘጥቋጥ ዘለዋ ሓጻር መገዲ ሓሊፍካ፡ ኣብቲ ብሓጺን እተሰርሐ ማዕጾ ትበጽሕ። ብሓደ ሸነኽ እቲ ቐጽሪ፡ ብስእልን ምስልን ኣማልኽቲ ሂንዱ ዝመልአ ዓባየይ እተምልኸሉ ቤተ መቕደስ ነበረ። ዓባየይ፡ “ቈልዓ ቤተ መቕደስ” (ብህንድኛ ማንዲር ኪ ባቻ) ከም ዝነበርኩን ሳላ እቶም እነምልኾም ኣማልኽቲ ኸም እተወለድኩን ትነግረኒ ነበረት። ብመንጽር እቲ ቤተ መቕደስ፡ ናብ ኣፍ ደገ ገዛና ዚወስድ ቀይሕ መደያይቦ ነበረ። ገዛና ኣዝዩ ዓብዪ ዀይኑ፡ ኣብ ማእከሉ መተሓላለፊ ኮሪዶር ነበሮ፣ ብዘይካዚ፡ ብከሰል ዚዓዪ እቶን ዘለዎ ዓብዪ ኽሽነን ሸውዓተ መደቀሲ ኽፍልታትን ሓደ መደቀሲ ዘለዎ ተወሳኺ ኽፍልን ዜጠቓልል ነበረ። ኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ኣቦይን ሓወቦታተይን ኣሞይን ስድራ ቤቶምን ሓዊስካ፡ ስድራ ቤትና 27 ኣባላት ነበርዋ።

ገዛና

ንኸምዚ ዝበለ ዓብዪ ስድራ ቤት ምክንኻን ቀሊል ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሓደ ቤት ሓቢርካ ምንባር፡ ስድራ ቤትና ኸይትበታተንን ባህ ዜብል ተዘክሮታት ንኺህልወናን ሓጊዙ እዩ። እተን ኣርባዕተ ኣንስቲ ሓወቦታተይ፡ እንተላይ እታ ጋርጂ ደቪ ዝስማ ኣደይ፡ ኣብ ዕዮ ገዛ ይዓይያ ነበራ። በብተራ ድማ ይኽሽናን ይሓጽባን ነበራ። ኣቦሓጎይ ርእሲ ስድራ ቤት ስለ ዝነበረ፡ ንዅላትና ዚኸውን ምግቢ ይዕድግ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ፡ ኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ናብ ዕዳጋ ኸይዶም፡ ንሰሙን ዚኸውን ስጋን ፍረታትን ኣሕምልትን ዓዲጎም ይመጹ ነበሩ። ናብቲ ኣብ ታሕቲ ዚርከብ ጽርግያ ዜርኢ ደንደስ፡ ኣብ ትሕቲ ጽሕዲ ኾፍ ኢልና፡ ካብ ዕዳጋ ኽሳዕ ዚምለሱ ንጽበዮም ነበርና። ዓበይቲ ዘናቢል ሒዞም ካብ ኣውቶቡስ ኪወርዱ ኸለዉ ምስ ረኣናዮም፡ በቲ 125 መደያይቦ እናጐየና ብምውራድ፡ ነቲ ዝሓዝዎ ዘናቢል ተሰኪምናሎም ናብ ገዛና ንምለስ ነበርና።

ጥቓ እቲ 125 መደያይቦ

ኣብ ስፍራ ኣታኽልትና፡ ሚና ዚብሃላ ኣዕዋፍ ሰፈረን ዝሰርሓላ ሓንቲ ነዋሕ ኦም ስየ ነበረት። እተን ኣዕዋፍ ንየው ነጀው ኪብላ ኸለዋ ንርእየን፡ ጩቕ ጩቕ ኪብላ ኸለዋ ኸኣ ንሰምዐን ነበርና። ዓባየይ ኣብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና ዘሎ መደያይቦ ኾፍ ኢላ፡ ንድምጺ እተን ኣዕዋፍ ትትርጕሞ ኸም ዘላ ብዚመስል መገዲ ዛንታታት ትነግረና ነበረት። ኣብ ገዛና ዘሕለፍክዎ ህይወት፡ ብብዙሕ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ዝመልአ እዩ። ብሓባር ኴንና ስሒቕናን በኺናን ተጻዊትናን ዘሎና ተማቒልናን፡ ከም ዓብዪ ስድራ ቤት መጠን ከኣ ብሓጐስ ተቐሚጥና ኢና። ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ግና፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ኢና ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋን ብዛዕባ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ፈሊጥና።

ሰዓብቲ ሂንዱ ኸም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ የሆዋ ቕድሚ ምፍላጥና፡ በብመዓልቱ ሃይማኖታዊ ጽምብል ነካይድ ነበርና። ኣጋይሽ ዓዲምና ንእተፈላለዩ ኣማልኽቲ እነምልኸሉ ዓመታዊ በዓላት እውን ነበረና። ኣብ ገሊኡ እዚ በዓላት እዚ፡ ዓባየይ ትምሰጥ እሞ ምስ መናፍስቲ ትዘራረብ ነበረት፣ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ንምሕጓስ፡ መስዋእቲ እንስሳ ይካየድ ነበረ። ኣቦሓጎይ ነቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዚግበር ዝነበረ ህንጸት ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርትን ቤተ መቕደስ ሂንዱን ንምድጋፍ ብልግሲ ገንዘብ ይህብ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኸባቢ ፍሉጥ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጥና

ብ1972 ኣቦሓጎይ ሓሚሙ ሞተ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ እታ ጄን እውን እትብሃል ኢንዳርቫቲ ዝስማ ሰበይቲ ሓወቦይ፡ ካብ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ተቐበለት። ነተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምይይጥ ናብ ቤት ኪኣትዋ ስለ ዘይዓደመተን ከኣ ተጣዕሰት። ኵሉ ሳዕ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰጕጎም ኢና ኔርና። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ መዓልቲ ተመሊሰን ምስ መጻ ግና፡ ሰበይቲ ሓወቦይ፡ ኪኣትዋ ዓደመተን፣ ብዛዕባ ኣብ ሓዳራ ዜጋጥማ ዝነበረ ጸገማትን ሓወቦይ ኣልኮላዊ መስተ ኸም ዜብዝሕን ነገረተን። ጐረባብትናን ኣዝማድናን ንሰበይቲ ሓወቦይ፡ ንሰብኣያ ኽትፈትሖ መኺሮምዋ ነበሩ። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓዳር ዘለዎ ኣረኣእያ ነገራኣ። (ማቴዎስ 19:6) ሰበይቲ ሓወቦይ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽርን በቲ ኣብኡ ዚርከብ ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ዝሓሸ ህይወት ዚገልጽ መብጽዓን ኣዝያ ተገረመት። a ነቲ ዝሓሰበቶ ፍትሕ ሓደገቶ፣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ንሳ ኣብ ሳሎን ኰይና ኸተጽንዕ ከላ፡ እተን ካልኦት ኣንስቲ ሓወቦታተይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ዀይነን ነቲ ምይይጥ ይሰምዓኦ ነበራ።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ኵለን ኣንስቲ ሓወቦታተይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ። ጄን ነቲ እተማህረቶ ትነግረና ኸምኡውን ካብታ ሊስኒንግ ቱ ዘ ግሬት ቲቸር (ነቲ ዓብዪ መምህር ምስማዕ) b ዘርእስታ መጽሓፍ ተንብበልናን ትገልጸልናን ነበረት። ሓወቦታተይ ኣንስቶም መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዓ ኸም ዘለዋ ምስ ፈለጡ፡ ኪጻረሩና ጀመሩ። ሓደ ኻብ ሓወቦታተይ ንዅሉ ጽሑፋትና፡ እንተላይ ንመጽሓፍ ቅዱስና ወሲዱ ኣንደዶ። ሓወቦታተይ፡ ኣብ ኣኼባታት ስለ እተኣከብና ይጸርፉናን ይሃርሙናን ነበሩ። ኣቦይ ጥራይ እዩ ኸምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ዘይነበሮ፣ ብዛዕባ የሆዋ ስለ እተመሃርና ተጻሪሩና ኣይፈልጥን እዩ። ኵለን ኣንስቲ ሓወቦታተይ ኣዘውቲረን ኣብ ኣኼባታት ይእከባ ነበራ፣ እታ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝነበረተን ፍቕሪ ኸኣ እናዓበየት ከደት።

ብ1974 ጄን ሰበይቲ ሓወቦይ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት፣ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ኣደይን ካልኦት ኣንስቲ ሓወቦታተይን ተጠምቃ። ድሕሪ ግዜ፡ ዓባየይ ነቲ ኸም ሰዓቢት ሂንዱ መጠን እትገብሮ ዝነበረት ነገራት ኣቋረጸቶ። ንብዙሕ ዓመታት፡ ምስ ካልኦት ኰይነ ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እእከብ ነበርኩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓንቲ ሻሚላ ራምፓርሳድ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “መዓስ ኢኺ እትጥመቒ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ኣነ ኸኣ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይተመርሓለይ፡ ክጥመቕ ኣይክእልን እየ” ኢለ መለስኩላ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓለይ ከም እትኽእል ነገረትኒ። ኣብቲ ዚቕጽል ኣኼባ ኣውራጃ፡ ማለት ብ16 ታሕሳስ 1977 ድማ ተጠመቕኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ካብ 27 ኣባላት ስድራ ቤትና፡ 18 ተጠምቁ። ይኹን እምበር፡ መጥባሕቲ ኣብ ዝገበርኩሉ እዋን፡ እቲ ሶኒ ዲቫ ዝስሙ ኣቦይ ገና ሂንዱ እዩ ነይሩ።

“ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ”

እተን ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከባ ቓላት፡ ብፍላይ ዓብዪ ናይ ሓንጎል ጥረ ኸም ዘሎኒ ምስ ተፈልጠ፡ ኣዝየን እየን ሓጊዘናኒ። ከምዚ ይብላ፦ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” ኣብ ዘይትፈልጦ እዋን ክትመውት ከም እትኽእል ተነጊሩካ ኽነሱ፡ ‘ከይተጨነቕካ ኽትተርፍ’ ዘይመስል ነገር እዩ። ኣብ ፈለማ፡ በኸኹ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ድማ፡ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ረኸብኩ።

የሆዋ ኣምላኽ ብምሳልያዊ መገዲ ብየማናይ ኢደይ ሒዙ ዝመርሓኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። (ኢሳይያስ 41:13) ነቲ ደም ከይንወስድ ዚኽልክል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ከኽብሮ ብዛዕባ ዝገበርክዎ ውልቃዊ ውሳነ ንሓካይም ብትብዓት ንኽነግሮም ሓጊዙኒ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እቲ መጥባሕቲ ዚገብረለይ ሓኪምን እቲ መደንዘዚ ዚህበኒ ሓኪምን፡ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ኪሕክሙኒ ተሰማምዑ። ድሕሪኡ፡ እቲ መጥባሕቲ ዝገበረለይ ሓኪም፡ እቲ መጥባሕቲ ዕዉት ምንባሩን ነቲ ጥረ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘወገድዎን ነገረኒ። ኣዝዩ ኸቢድ መጥባሕቲ ሓንጎል ገይሩ ኽነሱ፡ ቀልጢፉ ዝሓወየ ሕሙም ርእዩ ኸም ዘይፈልጥ ከኣ ተዛረበ።

ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ቤተይ ኣብ ዓራት ኰይነ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መራሕኩ። ኣብ መወዳእታ ሻውዐይቲ ሰሙን፡ እንደገና ማኪና ኽዝውርን ኣብ ዕዮ ስብከት ክካፈልን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብን ጀመርኩ። ነቲ ክርስትያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ምሳይ ብምዕያይ ዝገበሩለይ ሓገዝ አማስወሉ እየ። በይነይ ምእንቲ ኸይከውን ምሳይ ይኸዱን ኣብ ገዛይ ብደሓን ክበጽሕ ይሕግዙንን ነበሩ። ብድምጺ እተቐድሐ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ምስምዐይን ኣብ መንፈሳዊ መዳይ ህይወተይ ምትኳረይን፡ ቀልጢፉ ንኺሕሸኒ ኸም ዝሓገዘኒ እየ ዝኣምን።

ድሕሪ እቲ ዝገበርክዎ መጥባሕቲ፡ ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ከም እተሰማምዐ ምስ ፈለጥኩ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ኣቦይ ወዲ 73 ዓመት ምስ ኰነ ተጠምቀ፣ ሕጂ ድማ ንየሆዋ ብቕንኣት የገልግሎ ኣሎ። ልዕሊ 40 ዝዀኑ ኣዝማድና ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ የምልኽዎ ኣለዉ። እቲ ንምርኣይ ዚሕግዝ ጸጋማይ ኽፋል ሓንጎለይ እኳ እንተ ተጐድአ፡ ሽክና ርእሰይ ድማ ብሓጺን እተተሓሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ‘ንዅሉ ነገራት ዚሕድሰሉ’ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።—ራእይ 21:3-5

ምስ ሰብኣየይን (ጸጋም)ጓለይን ወለደይን

ነቲ ክርስትያን ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል ፈቃር ሰብኣየይን ነታ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይነ ንኸገልግል እትድግፈኒ ክለሪስታ ዝስማ ውቅብቲ ጓለይን ብምርካበይ ተባሪኸ እየ። የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎት ኣዝዩ ባሪኹኒ እዩ። ንብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሎም ሰባት፡ ንሓይሊ ቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ንኺምከርዎ ኽሕግዞም ክኢለ እየ። ካባታቶም ልዕሊ 30 ዚዀኑ፡ ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም ተጠሚቖም እዮም።

ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዓና ኻብዚ መከራ ዝመልኦ ስርዓት ዜድሕነሉን ናብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚመርሓሉን እዋን፡ ተሃንጥየ እየ ዝጽበዮ።

a ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።