ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኣምላኽ ኣሎኻዶ፧

ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኣምላኽ ኣሎኻዶ፧

የሆዋ ነቲ ኣምለኽቱ ንዕኡ ንምሕጓስ ዚገብርዎ ጻዕሪ የስተብህለሉ ድዩ፧ እወ የስተብህለሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ንዕኡ ዘለዎም ተወፋይነትን ዜቕርብዎ ቓላት ውዳሰን ንላዕሊ እዩ ዚምልከት። ነቲ ብዛዕባኡ ብሞሳ ተደሪኾም ዚሓስብዎ ነገር እውን ከይተረፈ የስተውዕለሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንህዝቡን ነቲ ዝገበርዎ ነገርን ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ መልሱ ኣብቲ ብነብዪ ሚልክያስ እተጻሕፈ ቓላት ይርከብ።ሚልክያስ 3:16 ኣንብብ

ሚልክያስ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅድሚ ክርስቶስ ኣብ ዚንበየሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ስነ ምግባራውን ሃይማኖታውን ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ነይሩ። እቶም ካህናት ዕዮታቶም ዕሽሽ ኢሎም ነበሩ፣ እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ኸኣ፡ ከም ኣስማት፡ ዝሙት፡ ዓመጽ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዜሕስር ተግባራት ይገብሩ ነበሩ። (ሚልክያስ 2:8፣ 3:5) ይኹን እምበር፡ ኣብ ማእከል ከምዚ ዝኣመሰለ ብልሽውና ዚነብሩ ንጽህናኦም ዝሓለዉ እሙናት እስራኤላውያን ነይሮም እዮም። እዚኣቶም እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧

ሚልክያስ፡ “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ” በለ። ፍርሃት ኣምላኽ ኣወንታዊ ባህሪ እዩ። ሚልክያስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ገሊኦም እስራኤላውያን ንኣምላኽ የኽብርዎን ንኸየጕህይዎ ኸኣ ይፈርሁ ኸም ዝነበሩን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ‘ንሓድሕዶም ከም እተዘራረቡ’ ኣስተብህል። በቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ብልሽውና ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጹ ወይ ብእኡ ምእንቲ ኸይጽለዉ፡ ብዛዕባ የሆዋ ጽቡቕ ንኺዛረቡን ንሓድሕዶም ንኺተባብዑን ኢሎም ከም እተኣከቡ ፍሉጥ እዩ።

እቶም እሙናት እስራኤላውያን ንኣምላኽ ዘለዎም ኣኽብሮት ብኻልእ ኣገዳሲ መገዲ እውን ገሊጾምዎ እዮም። ኣብታ ጥቕሲ፡ “ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡ” ተባሂሎም ከም ዘለዉ ኣስተብህል። ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስሙ ኸኣ ዜኽብሩ” ይብል። እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰባት፡ ብሓሳቦም እውን ከይተረፈ ንየሆዋ የኽብርዎ ነበሩ። ብልቦም፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ስሙን ብሞሳ ይሓስቡ ወይ የስተንትኑ ነበሩ። የሆዋ ነቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ የስተብህለሉ ነይሩ ድዩ፧

ሚልክያስ፡ “እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን” ኢሉ ጸሓፈ። የሆዋ ኣብ ሰማይ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ስፍራኡ ዀይኑ፡ ንዅሉ እቲ ኣገልገልቱ ኣብ ንሓድሕዶም እተዘራረብዎ ናይ ውዳሰ ቓላት ጽን ኢሉ ሰሚዕዎ እዩ። ንዅሉ እቲ ብብሕቶም ዘስተንተንዎ ምስትንታን እውን ኣቕሊቡሉ እዩ። (መዝሙር 94:11) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጽቡቕ ቃላቶምን ሓሳባቶምን ካብ ምቕላብ ሓሊፉ እውን ዝገበሮ ነገር ኣሎ።

ሚልክያስ፡ “መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ” በለ። እቲ መጽሓፍ እቲ፡ ጸብጻብ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብንጽህና ዘገልገልዎ ሰባት ዝሓዘ እዩ። “መጽሓፍ መዘከርታ” ተባሂሉ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። a እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱን ንዅሉ እቲ ንዕኡ ንምውዳስ ኢሎም ዝገበርዎ ነገራትን፡ ኰታስ ንዅሉ ጽቡቕ ተግባራቶምን ቃላቶምን ሓሳባቶምን ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖ ይሕብር። ኰይኑ ግና ኣምላኽ ብምኽንያት እዩ ዚዝክሮም። ነቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ መዘከርታኡ ኸም ዘይሕከኽ ኰይኑ እተጻሕፈ ሰባት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ከም ዚባርኾም ተመባጺዑ እዩ። bመዝሙር 37:29

የሆዋ ንዅሉ እቲ ንዕኡ ብቕቡል መገዲ ንኸነምልኾ እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ምዃኑ ምፍላጥናስ፡ ኣየ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! እተን ኣብ ሚልክያስ 3:16 ዚርከባ ቓላት፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣርዚንና ኸም እንሓስበሉ እየን ዚገብራና። ስለዚ፡ ‘ስመይ ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኣምላኽ ይርከብ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ይግባእ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምስቲ የሆዋ ዚሕጐሰሉ መገድታት ብምስምማዕ ንዓዪ፡ ንዛረብ፡ ከምኡውን ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ስምና ኣብቲ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኺጸሓፍ እዩ።

ንታሕሳስ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ናሆም 1-3ሚልክያስ 1-4

a እታ “መዘከርታ” እትብል ቃል፡ ኣብ ኣእምሮ ኻብ ምዝካር ንላዕሊ እያ እተመልክት። ብዛዕባ እቲ ዝዘከርካዮ፡ ገለ ነገር ምግባር እውን ከተመልክት ትኽእል እያ።

b ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ።