“ታሪኽ ኣይሕሱን እዩ”
ብ14 ሰነ 2007፡ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ኢስቶንያ፡ ነቲ ኣብ የማን ዚርከብ ንመዘከርታ ዚኸውን ቴምብር ኣሕተመ። እቲ ቴምብር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ኣብ ዝወዓለሉ እዋን፡ “እዚ መዘከርታ እዚ፡ ነቶም ብሰዓብቲ ስታሊን ብጃምላ እተቐትሉ ኢስቶንያውያን ንምዝካር እዩ ተሓቲሙ” ዚብል ምልክታ ተነግረ። ካብ 1941 ክሳዕ 1951 ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኢስቶንያውያን ካብ ዓዶም ተሰጒጐም እዮም።
“ታሪኽ ኣይሕሱን እዩ።” እዚ ኣብ ኢስቶንያ ኣዝዩ ፍሉጥ ብሂል እዩ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ምስዚ ዚመሳሰል ብሂላት ኣሎ። እወ፡ ንሕሉፍ ክንቅይሮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ካብኡ ኽንመሃር ግና ንኽእል ኢና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን፡ “እዚ ዅሉ ርኤኹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግብሪ ኣቢለ ኸኣ ልበይ ኣቕናዕኩ፡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” በለ።—መክብብ 8:9።
ገለ ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኢስቶንያን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን ኣብ እተራእየ ፍጻመታት፡ እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓሳባት እዚ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። ብሰንኪ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ካብ ሃገሮም ተሰጒጎም፡ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ከም ዚነብሩ ወይ ከኣ ኣብ ደምበታት ሸቕሊ ኸም ዚዳጐኑ ተገይሩ እዩ።
ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ ኢስቶንያ፡ ካብ 1941 ክሳዕ 1951፡ ልዕሊ 46,000 ሲቪል ካብዛ ንእሽቶ ሃገር እዚኣ ተሰጒጎም እዮም። መብዛሕትኦም ብምኽንያት እቲ ምስ ፖለቲካ ዝነበሮም ምትእስሳር፡ ገሊኦም ከኣ ብምኽንያት ዜግነቶም ወይ ማሕበራዊ ደረጃኦም ኪስጐጉ ኸለዉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ብምኽንያት ሃይማኖቶም እዮም ተሰጒጎም።
ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝወረደ መጥቃዕቲ
ኣብቲ ብቤት ማሕተም ዩኒቨርሲቲ ታርቱ ብ2004 እተሓትመ መጽናዕቲ፡ ጸሓፊት ታሪኽ ኢጂ ራሂታም፡ “ካብ 1948 ክሳዕ 1951፡ ምስኣቶም ዚእከቡ ሰባት ዚርከብዎም፡ 72 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ብ1 ሚያዝያ 1951፡ እቶም ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ዚነብሩ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም ኣብ ሞልዶቫን ምዕራብ ዩክረይንን በሎሩስያን ዚነብሩ ሰባት እውን ብለይቲ ተሰጒጎም እዮም” ብምባል ገለጸት።
ቅድሚ 1951፡ ኣብ ኢስቶንያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም፡ ሳይኮሎጂካዊ ጸቕጢ ተገይሩሎም፡ ተመርሚሮም፡ ከምኡውን ተኣሲሮም እዮም። እቲ ሓድሽ ወፍሪ ጥርዝያ ንዅሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኢስቶንያ ንምጽናት እተገብረ ጻዕሪ እዩ ነይሩ።
ኣብታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ቴምብር፡ 1 ሚያዝያ 1951 ዚብል ዕለት ኣሎ። ኣብታ ቴምብር ዘሎ ቝጽሪ 382፡ ነቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተሰጕጉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ደቆምን የመልክት። እዚ ቝጽሪ እዚ፡ ነቶም
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማድን ጐረባብትን እውን ዚሓቍፍ እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ዚነብሩ ሰባት ይእሰሩ ነበሩ። ኣብታ ለይቲ እቲ ኸኣ እቶም እተታሕዙ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ሰባት ኣብ ባጎኒ እንስሳታት ተጻዒኖም ብባቡር ናብ ሳይበርያ ተወስዱ።ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጓል 25 ዓመት ዝነበረት ኤላ ቶም a ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ። ብዛዕባ እቲ እተገብረላ ምርመራ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓደ በዓል ስልጣን ከፈራርሃኒ ፈተነ፡ ስብከተይ ከቋርጽ ከኣ ነገረኒ። ሓደ መዓልቲ፡ ‘ክትነብሪ ዲኺ እትደልዪ፡ ወይስ ኣብ ሳይበርያ ምስ ኣምላኽኪ ኽትሞቲ ኢኺ እትደልዪ፧’ ኢሉ ሕተተኒ” በለት። ይኹን እምበር፡ ኤላ ኸይፈረሀት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኻ ቐጺላ እያ። ናብ ሳይበርያ ተላእከት፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ከኣ ናብ እተፈላለየ ደምበታት ሸቕሊ ተወስደት።
ካብቶም ብዘይፍርዲ እተሰጕጉ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ሂሲ ለምበር እተባህለት መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ትርከቦም። ንሳ ብዛዕባ እቲ ብ1 ሚያዝያ 1951 እተፈጸመ ነገራት፡ “ሃንደበት ብለይቲ መጺኦም፡ ‘ፍርቂ ሰዓት ኣሎኩም። ኣቝሑኹም ጠራንፉ’ ዚብል ትእዛዝ ሃቡና” ብምባል ትገልጽ። ምስታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላ ድማ ብጸልማት ናብ መደበር ባቡር ተወስደት። እታ ዓቐቕ እናበለት እትኸይድ ዝነበረት ባቡር፡ ኣብ ኵሉ መደበራት እናኸደት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እናኣረየት ትጽዕኖም ነበረት። ሂሲ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣብ ባጎኒ እንስሳታት ተደርበና። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እቲ ዒባ ብበረድ ደስኪሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ንምባል ኣይተሸገርናን። ኣብቲ ባጎኒ ልክዕ ከም እንስሳታት ተጠቕጢቕና ነበርና።”
እቲ ኽልተ ሰሙን ዝወሰደ ኣድካሚ ጕዕዞ ዜስካሕክሕ እዩ ነይሩ። እቲ ባጎኒታት እተጠቕጠቐን ረሳሕን ነበረ፣ ንኣሽቱን ዓበይትን ሰባት ከኣ ብዅሉ መገድታት ይዋረዱን ይግፍዑን ነበሩ። ገሊኣቶም ይበኽዩ፡ ምግቢ እውን ይሕሰሙ ነበሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ናይ ኣምልኾ መዝሙር እናዘመሩ ንሓድሕዶም ይተባብዑን ይተሓጋገዙን ነቲ ዝነበሮም ምግቢ ኸኣ ይማቐልዎን ነበሩ። ናብቲ በቶም ሓለፍቲ “ናይ ሓዋሩ መንበሪ” ዚብሃል ቦታ ተወስዱ፣ ከም ዘይምለሱ ኸኣ ተነግሮም።
ሂሲ ኣብ እዋን እዚ ጸበባ እዚ፡ ካብ ክርስትያናት ብጾታ ባህ ዜብል ደገፍ ይግበረላ ኸም ዝነበረ ትዝክር። ከምዚ ድማ በለት፦ “ኣብ ሓደ መደበር ምስ በጻሕና፡ ባቡርና ብጐድኒ እታ ኻብ ሞልዶቫ ዝመጸት ባቡር ደው በለት። ሓደ ሰብኣይ መን ምዃንናን ናበይ ንኸይድ ከም ዘሎናን ኪሓትተና ኸሎ ኣብቲ ባጎኒ ዄንና ሰማዕናዮ። ንሕና ድማ፡ ናበይ ንኸይድ ከም ዘሎና ዘይንፈልጥ ካብ ኢስቶንያ ዝመጻእና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ነገርናዮ። እቶም ኣብታ ኻብ ሞልዶቫ ዝመጸት ባቡር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ኸኣ፡ ነቲ ዝርርብ ሰምዕዎ። ብቐዳድ እታ ባጎኒ ድማ፡ ዓብዪ ሕብስትን ገለ ፍረታትን ደርበዩልና።” ኣስዒባ ኸኣ፡ “ሽዑ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ኵለን ሪፓብሊካት ሶቭየት ሕብረት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይኣርዩና ኸም ዝነበሩ ኺርድኣና ጀመረ” በለት።
ኮሪናን ሓብታ ኤነን ኣብ ዕድመ ዀተቴ ዚርከባ ዝነበራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየን። እዘን ክልተ መንእሰያት እዚአን፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ካብታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ኣዲአን ተፈልየን ነበራ። ንሳ ቕድሚአን ተታሒዛ ናብ ሸቕሊ ደምበ ተወሲዳ ነበረት። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብታ ዜሕዘን ተግባር እተፈጸመላ ለይቲ ኸኣ፡ እተን ክልተ መንእሰያት ካብ ቤተን ተመንዚዐን ኣብ ባጎኒ ተጠቕጠቓ። ኮሪና ብሞሳ፡ “ኣብታ ባቡር ከኣ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስቶም ክልተ ደቃ ኸም እትኣልየናን ምስኣን ምስ ደቃን ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ኴንና ኽንነብር ከም እንኽእልን ኣረጋገጸትልና” በለት።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዓርፎኦም ምስ በጽሑኸ እንታይ
ኣጋጠመ፧ ኣብቲ ቘራሪ በረኻ ሳይቤርያ ምስ በጽሑ፡ ንጽብሒቱ፡ እቲ ውርደት ዝመልኦ “ዕዳጋ ባርያ” ተጀመረ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ሕርሻ ዚዓዩ ሰባት፡ ንሕርሻኦም ዓየይቲ ኺመርጹ መጹ። ኮሪና፡ “‘ንስኻ ንትራክተርካ ዚዝውር ዘዋራይ ኣሎካ። እዚ ናተይ እዩ።’ ወይ ከኣ፡ ‘ኣነ ዛጊት ክልተ ኣረግቶት ወሲደ እየ። ንስኻውን ኣረግቶት ክትወስድ ኣሎካ’ እናበሉ ኺቋየቑ ኸለዉ ንሰምዖም ነበርና” በለት።ኮሪናን ኤነን ተባዓት ኣዋልድ እየን ነይረን። ጸኒሐን ከኣ፡ “ንኣዴና ብዙሕ ኢና ናፊቕናያ፡ እንደገና ኣብቲ ምዉቕ ሕቝፋ ኽንኣቱ ድማ ኣዚና ሃረር ንብል ነበርና” በላ። ምስናይዚ ግና፡ ከም ቀደመን ብመንፈስ ድልዱላትን ተዋዘይትን ነበራ። ካሪና ኣስዒባ፡ “ሓድሓደ ግዜ ብግቡእ ከይተኸደንና፡ ኣብ ደገ ኣብ ቀዝሒ ንዓዪ ስለ ዝነበርና፡ ኣዴና እንቋዕ ኣይረኣየትና” በለት።
ነቶም ኣብ ኢስቶንያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዚነብሩ ንጹሃት ሰባት ከቢድ ግፍዒ ወሪድዎም እዩ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብደረጃ ጕጅለ ምስኣቶም ተገፊዖም እዮም። (“ክትርድኦ ዜጸግም ‘ዜርዕድ ነገራት’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣብ ኢስቶንያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓለፈ እዋን ግፍዕን ስቓይን እኳ እንተ ወረዶም፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንጡፋትን ሕጉሳትን ህዝቢ እዮም።
ብሩህ መጻኢ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ግፍዒ ኸም ዚጸልእ ይነግረና። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “እዚ ዚገብር ኵሉን ዓመጻ ዚገብር ኵሉን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።” (ዘዳግም 25:16) ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ረሲእነት ኪፍጸም ከሎ ስቕ ኢሉ እኳ እንተ ረኣየ፡ ግፍዕን ረሲእነትን ዜወግደሉ እዋን ቀልጢፉ ኺመጽእ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብል።—መዝሙር 37:10, 11።
እወ፡ ብሩህ መጻኢ ይጽበየና ኣሎ። ነቲ ሕሉፍ ክንቅይሮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ሕጂ እንገብሮ ነገራት ኣብ ዚመጽእ ብሩህ መጻኢ ንኺህልወና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ቅረቦ እሞ፡ ብኸመይ ነቲ ጽድቂ ዚነብረሉ ዜደንቕ መጻኢ ኽትረኽቦ ኸም እትኽእል ኣስተብህል።—ኢሳይያስ 11:9።
a ታሪኽ ህይወት ኤላ ቱም ኣብታ ናይ ሚያዝያ 2006 መጽሔት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 20-24 ወጺኡ ኣሎ።