ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ንኣምላኽ ቅረቦ

“ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ኻብ ኵለን ቀዳመይቲ፧”

“ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ኻብ ኵለን ቀዳመይቲ፧”

ንኣምላኽ ንኸተሐጕሶ እንታይ የድሊ፧ ክንስዕቦ ዘሎና ብዙሕ ዝርዝር ስርዓታት ድዩ ዜድሊ፧ መልሱ፡ ኣይኰነን እዩ። ብመሰረት እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ፡ እቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ነገር፡ ብሓንቲ ቓል ጥራይ ኪጠቓለል ይኽእል እዩ።—ማርቆስ 12:28-31 ኣንብብ።

መጀመርታ፡ የሱስ ነቲ ቓላት መዓስን ኣበይን ከም እተዛረቦ ንርአ። የሱስ ካብታ ዝሞተላ መዓልቲ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ ብ11 ኒሳን ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሽዑ ጸላእቱ ብዘረባ ኺጠልፍዎ ደልዮም፡ ኣካታዒ ሕቶታት ይሓትዎ ነበሩ። ብመልስታቱ ገይሩ ኸኣ ኣፎም ኣትሓዞም። ድሕሪኡ፡ “ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ኻብ ኵለን ቀዳመይቲ፧” ኢሉ ሓተቶም።—ፍቕዲ 28

እዛ ሕቶ እዚኣ፡ በዳሂት ሕቶ እያ ነይራ። ገሊኦም ኣይሁድ ካብቲ ንሕጊ ሙሴ ዘቘመ 600 ሕግታት ኣየናይ ቀዳማይ ከም ዝዀነ ወይ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ይካትዑ ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ኵሉ ሕግታት ማዕረ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ፡ ንገሊኡ ሕግታት ካብ ካልእ ኣርዚንካ ኽትርእዮ ድማ ጌጋ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይምልከትዎ ነበሩ። የሱስ ነታ ሕቶ እንታይ መልሲ ሃበላ፧

የሱስ መልሲ ኺህብ ከሎ፡ ሓንቲ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ ክልተ ትእዛዛት እዩ ጠቒሱ። መጀመርታ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” በለ። (ፍቕዲ 30ዘዳግም 6:5) እተን “ልቢ፡” “ሓይሊ፡” “ኣእምሮ፡” ከምኡውን “ነፍሲ” ዚብላ ቓላት ተመሳሳሊ ትርጕም እዩ ዘለዎን። * ትርጕመን፡ ሓደ ንየሆዋ ዜፍቅሮ ሰብ ብዅልንትናኡ፡ ማለት ብዅሉ ኣተሓሳስባኡን ሓይሉን ክእለቱን ጥሪቱን ፍቕሩ ኺገልጸሉ ኸም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ፡ “ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪፍቀር ኣለዎ” በለ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ስምረቱ ኼውህበካ ብዚኽእል መገዲ ኢኻ እትመላለስ ማለት እዩ።—1 ዮሃንስ 5:3

ካልኣይ፡ የሱስ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ፍቕዲ 31ዘሌዋውያን 19:18) ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንብጻይን ልክዕ ከም ኢድን ጓንትን እየን። እታ ኻልኣይቲ፡ ውጽኢት እታ ቐዳመይቲ እያ። (1 ዮሃንስ 4:20, 21) ንብጾትና ኸም ነፍስና ነፍቅሮም እንተ ዄንና፡ ከምቲ ኺሕዙና እንደልዮም ጌርና ኢና እንሕዞም። (ማቴዎስ 7:12) ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ነቲ ንዅላትና ብምስሉ ዝፈጠረና ኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ኢና እነርኢ።—ዘፍጥረት 1:26

ኵሉ እቲ የሆዋ ኻብ ኣገልገልቱ ዚደልዮ ብቕዓት፡ ኣብታ ፍቕሪ እትብል ሓንቲ ቓል ኪጠቓለል ይኽእል

እተን ንብጻይናን ንኣምላኽን ከነፍቅር እተዋህባና ትእዛዛት፡ ክሳዕ ክንደይ እየን ኣገደስቲ፧ የሱስ “ካብዚኣተን እትዓቢ ኻልእ ትእዛዝ የላን” በለ። (ፍቕዲ 31) ኣብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ከም እተገልጸ ድማ፡ ኵሉ እቲ ኻልእ ትእዛዛት፡ ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት ከም እተመስረተ ተዛሪቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 22:37-40

ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ኸቢድ ኣይኰነን። ኵሉ እቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገራት፡ ኣብታ ፍቕሪ እትብል ሓንቲ ቓል ኪጠቓለል ይኽእል። እዚ ወትሩ ኽፍሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። ኰይኑ ግና ፍቕሪ፡ ብቓላት ወይ ብስምዒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እያ እትግለጽ። (1 ዮሃንስ 3:18) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብሎ የሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተማዕብሎን ክትገልጾን ከም እትኽእል ንምንታይ ዘይትመሃር፧—1 ዮሃንስ 4:8

ንመጋቢት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ማርቆስ 9-16–ሉቃስ1-6

^ စာပိုဒ်၊ 6 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል፡ ንዅለንትና እያ እተመልክት። ስለዚ፡ “ልቢ፡” “ሓይሊ፡” ከምኡውን “ኣእምሮ” ኣብ “ነፍሲ” ኺጠቓለል ይኽእል እዩ።