ትፈልጥዶ፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንምዉት ብኸመይ እዮም ንቐብሪ ዜዳልውዎ ነይሮም፧
ኣይሁድ ንምዉት ቀልጢፎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ እዮም ዚቐብርዎ ነይሮም። ብኽልተ ምኽንያት ከኣ እዮም ከምኡ ዚገብሩ ነይሮም። ቀዳማይ፡ ኣብ ውዑይ ክሊማ ዘለዎ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሬሳ ቐልጢፉ እዩ ዚምሽምሽ። ካልኣይ፡ ብመሰረት እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ንሓደ ሬሳ ንመዓልትታት ከይቀበርካ ምጽናሕ፡ ነቲ ዝሞተ ሰብን ንስድራ ቤቱን ከም ንዕቀት እዩ ዚቝጸር ነይሩ።
ኣብ ወንጌላትን መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን፡ ኣብታ ዚሞቱላ መዓልቲ እተቐብሩ፡ ብውሑድ ኣርባዕተ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለዉ። (ማቴዎስ 27:57-60፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:5-10፣ 7:60–8:2) ዘመናት ኣቐዲሙ እውን፡ ያእቆብን ስድራ ቤቱን ኣብ መገዲ እናተጓዕዙ ኸለዉ፡ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ሞተት። ያእቆብ፡ ነቲ ሬሳ ናብቲ ስድራ ቤቶም ዚቕበሩሉ ቦታ ኣይወሰዶን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብ መገዲ . . . ቤት-ልሄም” ኣብ ዝነበረ መቓብር እዩ ቐቢርዎ።—ዘፍጥረት 35:19, 20, 27-29።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መሰናድዎ ቐብሪ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣይሁድ ንሬሳ ብብዙሕ ጥንቃቐ እዮም ንቐብሪ ዜዳልውዎ ነይሮም። ስድራ ቤትን ፈተውትን ነቲ ሬሳ ይሓጽብዎ፡ ብቐመማትን ብቕዱይ ቅብእን ይለኽይዎ፡ ብጨርቂ ድማ ይገንዝዎ ነበሩ። (ዮሃንስ 19:39, 40፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-41) ጐረባብትን ካልኦትን ሓዘኖም ንኺገልጹን ነታ ስድራ ቤት ንኼጸናንዕዋን ናብታ ቤት ይኸዱ ነበሩ።—ማርቆስ 5:38, 39።
የሱስ በቲ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ዚቕበሩሉ ዝነበሩ ኣገባብ ድዩ ተቐቢሩ፧
መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንምዉት ኣብ በዓትታትን ኣብቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋላት እስራኤል ልሙድ ዝዀነ ፈኲስ ከውሒ እተወቕረ መቓብራትን እዮም ዚቐብርዎ ነይሮም። ኣበዋት ንዝገደፍዎ ኣብነት ከኣ እዮም ዚስዕቡ ነይሮም። ኣብርሃምን ሳራን ይስሃቅን ያእቆብን ካልኦትን ጥቓ ኬብሮን ኣብ እትርከብ በዓቲ ማክጴላ እዮም ተቐቢሮም።—ዘፍጥረት 23:19፣ 25:8, 9፣ 49:29-31፣ 50:13።
የሱስ ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብር እዩ ተቐቢሩ። (ማርቆስ 15:46) ከምዚ ዝኣመሰለ መቓብር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጸቢብ መእተዊ ነበሮ። ኣብ ውሽጡ ኸኣ፡ ሬሳታት ኣባላት ስድራ ቤት ዚቕመጠሉ ኸም ከብሒ ዚመስል ክፋላት ነበሮ። እቲ ስጋ ምስ መሽመሸ፡ እቲ ዝነቐጸ ኣዕጽምቲ ተኣኪቡ ብእምኒ ኣብ እተሰርሐ ሳጹን ይቕመጥ ነበረ። እዚ ብግዜ የሱስ ልሙድ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ እታ ስድራ ቤት ንኻልእ ሬሳታት ዚኸውን ቦታ ኽትረክብ ትኽእል ነበረት።
ኣይሁድ ነታ ብሕጊ ሙሴ እተሰርዐት ዕረፍቲ ሰንበት ኪሕልውዋ ስለ ዝነበሮም፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ መሰናድዎ ቐብሪ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። የሱስ ሰንበት ከይጀመረት ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቐዲሙ ስለ ዝሞተ፡ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ካልኦት ሰባትን ንሬሳ የሱስ ከምቲ ዚድለ ምሉእ ብምሉእ ንቐብሪ ኸየዳለዉ ቐበርዎ። (ሉቃስ 23:50-56) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ገሊአን ፈተውቲ የሱስ ነቲ መስርሕ ንኺምልኣኦ ኢለን፡ ድሕሪ ሰንበት ናብ መቓብሩ ኸዳ።—ማርቆስ 16:1፣ ሉቃስ 24:1።