ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ታሪኽ ህይወት

“ረኣኹ፡ ግናኸ ኣየስተውዓልኩን”

“ረኣኹ፡ ግናኸ ኣየስተውዓልኩን”

ብ1975 ወዲ ኽልተ ዓመት ከለኹ፡ ኣደይ ገለ ጕድለት ከም ዘለኒ ጠርጠረት። ሓቚፋትኒ ኸላ፡ ሓንቲ ፈታዊታ፡ ኣብ ምድሪ ኸቢድ ኣቕሓ ኣውደቐት እሞ፡ ብርቱዕ ድምጺ ገበረ። ኣደይ፡ ሰገጥ እውን ከም ዘይበልኩ ኣስተብሃለት። ወዲ ሰለስተ ዓመት ምስ ኰንኩ እውን፡ ኪዛረብ ኣይክእልን እየ ነይረ። ሽዑ፡ ሓካይም ንስድራ ቤተይ ጽሙም ምዃነይ ምስ ነገርዎም፡ ኣዝዮም ሰምበዱ!

ገና ሕጻን ከለኹ፡ ወለደይ ተፋትሑ፣ ኣደይ ድማ ንዓይን ነቶም ክልተ ኣሕዋተይን ሓንቲ ሓብተይን በይና ኸተዕብየና ተገደደት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ጽሙማን ቈልዑ፡ ከምቲ ናይ ሎሚ ዝዓይነቱ ትምህርቲ ኣይውሃቦምን ነበረ። እቲ ኣገባብ ኣመሃህራ እውን ሓድሓደ ግዜ ኣዝዩ ዜሳቒ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ግዜ ቝልዕነተይ ጀሚሩ፡ ንሓያሎ ጽሙማን ዘይብሎም ሓለፋታት ኣሎኒ። እዚ እንታይ ምዃኑ ቐጺለ ኽገልጸልኩም እየ።

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ

ንእተወሰነ ግዜ፡ ሓያሎ ምሁራት፡ ጽሙማን ብዘረባን ብምንባብ ከናፍርን ኪመሃሩ ኸም ዘለዎም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ኣብታ ዝዓበኹላ ሃገር፡ ማለት ኣብ ፈረንሳ፡ ቋንቋ ምልክት ኣብ ቤት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ እተኣገደ እዩ ነይሩ። ንገሊኦም ጽሙማን እሞ ኸኣ፡ ትምህርቲ ኺውሃብ ከሎ፡ ኣእዳዎም ንድሕሪት ጠሚሮም ይኣስርዎም ነበሩ።

ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት ዓመታት ህይወተይ፡ ኣብ ሰሰሙን ምስ ሓንቲ ሓኪም ንእተወሰነ ሰዓታት አሕልፍ ነበርኩ። እታ ሓኪም ምንጋጋይ ወይ ርእሰይ ሒዛ፡ ንዘይሰምዖ ድምጺ ኽደግም ተገድደኒ ነበረት። ምስ ካልኦት ቈልዑ ኽረዳዳእ ኣይክእልን እየ ነይረ። እተን ዓመታት እቲአን፡ ናይ ስቓይ ዓመታት እየን ነይረን።

ድሕሪኡ፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ኣተኹ። ንመጀመርታ ግዜ ድማ ምስ ጽሙማን ቈልዑ ተራኸብኩ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እውን ከይተረፈ፡ ቋንቋ ምልክት ክልኩል እዩ ነይሩ። ኣብ ክፍሊ ብምልክት እንተ ተዛሪብና፡ እቶም መምህራን ኣጻብዕቲ ኢድና ይቕርቅሩና ወይ ከኣ ብጸጕርና ይውጥጡና ነበሩ። ይኹን እምበር፡ በቲ ዝመሃዝናዮ ኮድ ተጠቒምና፡ ተሓቢእና ብምልክት ንረዳዳእ ነበርና። ኣብ መወዳእታ ምስ ካልኦት ቈልዑ ኽረዳዳእ ከኣልኩ። ብድሕሪኡ ንኣርባዕተ ዓመት ዚኣክል ሕጉስ ነበርኩ።

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ ግና፡ ናብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዚሰምዑ ቘልዑ ተመሓላለፍኩ። ሽዑ፡ ኣዝየ ተደቘስኩ። ኵሎም ጽሙማን ቈልዑ ኸም ዝሞቱ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ከኣ በይነይ ጥራይ ከም ዝተረፍኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ወለደይ ነቲ እቶም ብሕክምና ዚርከብ ረብሓታት ከይስእን ዝፈርሁ ሓካይም ዝሃብዎም ምኽሪ ሰሚዖም ቋንቋ ምልክት ኣይተማህሩን፣ ምስ ጽሙማን ቈልዑ ኺራኸብ ከኣ ኣይፍቀደለይን እዩ ነይሩ። ናብ ሓደ ሓኪም ምስ ከድና ዘጋጠመ ዅነታት ክሳዕ ሕጂ እዝክሮ እየ። እቲ ሓኪም ኣብ ሰደቓኡ መጽሓፍ ቋንቋ ምልክት ኣቐሚጡ ነበረ። ኣብ ገበር እታ መጽሓፍ፡ ስእልታት ምስ ረኣኹ፡ ናብኣ እናኣመልከትኩ፡ “ነቲኣ እደልያ እየ!” በልኩ። እቲ ሓኪም ነታ መጽሓፍ ቀልጢፉ ሓብኣ። *

 መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኽመሃር ጀመርኩ

ኣደይ ብክርስትያናዊ ስርዓታት ከተዕብየና ትጽዕር ነበረት። ናብታ ኣኼባታት ዚግበረላ፡ ጥቓ ቦርድክስ እትርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ሜሪንያክ ከኣ ትወስደና ነበረት። ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እቲ ኣብ ኣኼባታት ዚቐርብ ዝነበረ ትምህርቲ ብዙሕ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እተፈላለዩ ኣባላት እታ ጉባኤ በብተራ ምሳይ ኮፍ ኢሎም፡ ነጥብታት እቲ ኣኼባ ይጽሕፉለይ ነበሩ። ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ተንከፈኒ። ኣደይ ኣብ ገዛ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህረኒ እኳ እንተ ነበረት፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ነብዪ ዳንኤል ካብ ሓደ መልኣኽ ትንቢት ምስ ተቐበለ እተሰምዖ ድማ ተሰምዓኒ። ዳንኤል፡ “ሰማዕኩ፡ ግናኸ ኣየስተውዐልኩን” በለ። (ዳንኤል 12:8) ኣነ ኸኣ፡ “ረኣኹ፡ ግናኸ ኣየስተውዓልኩን” በልኩ።

ይኹን እምበር፡ በብቝሩብ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃርኩ። ነቲ ብንጹር እተረዳእክዎ ነገራት ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ ነይረ፡ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ኸኣ እጽዕር ነበርኩ። ንባህርያት ሰባት ብምዕዛብ እውን ተማሂረ እየ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዕጉሳት ክንከውን ይምህረና እዩ። (ያእቆብ 5:7, 8) እዚ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾተይ ብምዕዛብ ግና ትዕግስቲ እንታይ ምዃና ኽርዳእ ክኢለ እየ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ብሓቂ ጠቒማትኒ እያ።

ዜጕህን ዜሐጕስን ነገር ኣጋጠመኒ

ስቴፋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክርዳእ ሓጊዙኒ

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ መገዲ፡ ጽሙማን መንእሰያት ንሓድሕዶም ብቛንቋ ምልክት ክዘራረቡ ኸለዉ ረኣኽዎም። ሽዑ፡ ብምስጢር ምሳታቶም ክራኸብን ቋንቋ ምልክት ፈረንሳይኛ (FSL) ክመሃርን ጀመርኩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲረ እእከብ ነበርኩ። ስቴፋን እተባህለ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ይግደሰለይ ነበረ። ምሳይ ኪረዳዳእ ኣበርቲዑ ይጽዕር ስለ ዝነበረ፡ ኣጸቢቕና ተቐራረብና። ይኹን እምበር፡ ኣዝዩ ዜጕሂ ነገር ይጽበየኒ ነበረ። ስቴፋን ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ኣዝየ ድማ ተደቘስኩ። ስቴፋን ካባይ ምስ ተፈልየ፡ ኣዝየ ተስፋ ስለ ዝቘረጽኩ፡ ናብ ኣኼባታት ዳርጋ ኣይከይድን እየ ነይረ።

ድሕሪ ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ስቴፋን ተፈትሐ፡ ናብ ቤት ከኣ ተመልሰ። ስቴፋን ብምልክት ቋንቋ ምሳይ ኪረዳዳእ ምስ ጀመረ፡ እተሰምዓኒ ሓጐስ እሞ ገምትዎ። ሕልሚ ዀይኑ ተራእየኒ! እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ ስቴፋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቛንቋ ምልክት ፈረንሳይኛ ስለ እተማህረ፡ ኣእዳዉ እናንቀሳቐሰ፡ ብገጹ ኸኣ ምልክት እናገበረ ኺዛረብ ምስ ረኣኽዎ፡ እዚ ንዓይ ከም ዚጠቕመኒ እናኣስተንተንኩ ብሓጐስ ተፈንጫሕኩ።

ኣማስያኡ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኸስተውዕሎ ኸኣልኩ

ስቴፋን መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረኒ ጀመረ። ካብ ሽዑ ንነጀው ንዅሉ እቲ ኣቐዲመ እተመሃርክዎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተሓሕዞ ጀመርኩ። ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተመሰረተ ጽሑፋትና ዚወጽእ ውቁብ ስእልታት እፈትዎ ነበርኩ፣ እቲ ዛንታ ኣብ ኣእምሮይ ምእንቲ ኪቕረጽ ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ስእሊ ዘለዉ ሰባት እናኣነጻጸርኩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ነጥብታት እምርምሮ ነበርኩ። ብዛዕባ ኣብርሃም፡ ብዛዕባ ‘ዘርኡ፡’ ከምኡውን ብዛዕባ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ትርጕሙ ብሓቂ ኺርድኣኒ ዝጀመረ ግና ብቛንቋ ምልክት ምስ ተገልጸለይ ጥራይ እዩ። (ዘፍጥረት 22:15-18፣ ራእይ 7:9) ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ እየ፡ ነቲ ልበይ ዚትንክፍ፡ ባህርያዊ ቛንቋይ ዝረኸብክዎ።

ኣብ ኣኼባታት ዚውሃብ ትምህርቲ ኺርድኣኒ ስለ ዝጀመረ ኸኣ፡ ልበይ ተተንከፈ፡ እቲ ፍልጠት ንምቕሳም ዝነበረኒ ጽምኢ እውን እናወሰኸ ኸደ። ብሓገዝ ስቴፋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ተረዳኣኒ፡ ብ1992 ርእሰይ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍየ ድማ ተጠመቕኩ። ይኹን እምበር፡ መንፈሳዊ ዕቤት እኳ እንተ ገበርኩ፡ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ክዘራረብ ብዘይምኽኣለይ ግና፡ ሓናኽን ስኩፍን ኰንኩ።

ሕንከይ ከሰንፍ ዝገበርክዎ ቓልሲ

ኣብ መወዳእታ፡ እታ ዝነበርክዋ ንእሽቶ ጕጅለ ጽሙማን ምስ ጉባኤ ፔሳክ ተጠርነፈት፣ ፔሳክ ኣብ ከባቢ ቦዴክስ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እያ። እዚ መሰናድዎ እዚ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ፣ ቀጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ከኣ ከኣልኩ። ናይ ምርድዳእ ዓቕመይ ከመሓይሽ እቃለስ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቶም  ዚሰምዑ ፈተውተይ ግና ንዅሉ ነገራት ተጠንቂቖም ኬረድኡኒ ይጽዕሩ ነበሩ። ዢልን ኤሎዲን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ምሳይ ኪረዳድኡ ፍሉይ ጻዕርታት ገይሮም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ድሕሪ ኣኼባ ምስኦም ክምገብ ወይ ከኣ ቡን ክሰቲ ይዕድሙኒ ስለ ዝነበሩ፡ ባህ ዜብል ምሕዝነት ኪህልወና ኽኢሉ እዩ። ኣብ ማእከል እቶም ንፍቕራዊ መገድታት ኣምላኽ ዚሕልዉ ሰባት ክትርከብሲ፡ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

ብቋንቋ ምልክት ፈረንሳ፡ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ክህብ ከለኹ

ኣብዛ ጉባኤ እዚኣ ድማ እየ ምስታ ምጭውቲ ቫኔሳ እተራኸብኩ። ቫኔሳ ርሕርሕትን ፍትሓዊትን ስለ ዝነበረት ማሪኻትኒ እያ። ነቲ ጽሙም ብምዃነይ ዘሎኒ ጸገም፡ ከም ዕንቅፋት ዘይኰነስ፡ ምስ ጽሙማን ንምርድዳእ ኪሕግዛ ዚኽእል ኣጋጣሚ ገይራ እያ እትርእዮ። ንልበይ ስለ ዝወሰደቶ ኸኣ፡ ብ2005 ተመርዓና። ሕጂ እውን ንኽረዳዳእ የጸግመኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ቫኔሳ ግና ሕንከይ ንኸሰንፍን ሓሳባተይ ብጋህዲ ንኺገልጽን ሓጊዛትኒ እያ። ስለቲ ሓላፍነተይ ብግቡእ ምእንቲ ኽዓዪ ኢላ እትገብረለይ ደገፍ ከኣ ብሓቂ አማስዋ እየ።

ካብ የሆዋ ዝረኸብክዎ ኻልእ ውህበት

ኣብታ እተመርዓናላ ዓመት፡ ኣብ ሉቭየ፡ ፈረንሳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናብኡ ኸይደ ንሓደ ወርሒ ዚኸውን ብዕዮ ትርጕም ክስልጥን ዕደመ ኣቕረበለይ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፈረንሳ፡ እተፈላለየ ጽሑፋት ብቛንቋ ምልክት ፈረንሳ ኣብ ዲቪዲ ኣዳልዩ ንኼውጽእ ብርቱዕ ጻዕሪ ኺገብር ጸኒሑ እዩ። ግናኸ፡ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ስለ ዘሎ፡ ጕጅለ ትርጕም ደገፍ የድልዮ ነበረ።

ቫኔሳ ሰበይተይ ናይ ሓቂ ደጋፊተይ እያ

ኣነን ቫኔሳን እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከገልግል ዝቐረበለይ ዕድመ፡ ዓብዪ መሰልን ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተላእከ ውህበትን ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ ተሻቒልና ኸም ዝነበርና እውን ከይጠቐስክዎ ኽሓልፍ ኣይደልን እየ። ‘እታ ጕጅለ ቛንቋ ምልክት እንታይ ክትከውን እያ፧ ንገዛና እንታይ ኢና ኽንገብሮ፧ ቫኔሳ ኣብቲ ኸባቢ ስራሕ ክትረክብ ድያ፧’ እናበልና ንሻቐል ነበርና። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ጸገም ብዜደንቕ መገዲ ፈቲሑልና እዩ። ንዓናን ንኻልኦት ጽሙማንን ከም ዘፍቅረና ብሓቂ ኣረጋጊጸ እየ።

ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ሓገዙኒ

ዕዮ ትርጕም ምስ ጀመርኩ፡ ንዅሉ እቲ ንጽሙማን መንፈሳዊ ደገፍ ንምሃብ ዚግበር ጻዕሪ ብዝያዳ ኽርድኦ ኽኢለ እየ። ሓያሎ መሳርሕተይ እውን ምሳይ ንኺረዳድኡ ኢሎም ኪጽዕሩ ኽርእዮም ከለኹ፡ ብሓቂ እዩ ዜሐጕሰኒ። ሒደት ምልክታት ፈሊጦም ኪጥቀምሉ ኺጽዕሩ ኸለዉ፡ ልበይ ይትንከፍ እዩ። እተራሕራሕኩ ዀይኑ ፈጺሙ ኣይስምዓንን እዩ። ኵሉ እዚ መግለጺታት ፍቕሪ እዚ፡ ህዝቢ የሆዋ ኣብ መንጎኦም ሓለፍ ዝበለ ሓድነት ከም ዘለዎም የርኢ።—መዝሙር 133:1

ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚርከብ ክፍሊ ትርጕም ክዓዪ ኸለኹ

የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ፡ ወትሩ ዚሕግዘኒ ሰብ ስለ ዜዳልወለይ፡ አመስግኖ እየ። ንጽሙማን ብጾተይ ነቲ ፈቃር ፈጣሪና ምእንቲ ኺፈልጥዎን ናብኡ ምእንቲ ኪቐርቡን ንኽሕግዞም ንእሽቶ እጃም ከበርክት ብምኽኣለይ እውን ሕጉስ እየ። ነታ ዘይምርድዳእ ዚብሃል ዘይህልወላ፡ ኵሎም ሰባት ከኣ ኣባላት እታ ሓድነት ዘለዋ ስድራ ቤት ደቂ ሰብ ብምዃን “ጽሩይ ከናፍር” ዚረኽቡሉ፡ ማለት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማታቱን ሓቂ ዚፈልጡሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።—ጸፎንያስ 3:9

^ စာပိုဒ်၊ 9 መንግስቲ ፈረንሳ ኽሳዕ 1991፡ ጽሙማን ቈልዑ ቛንቋ ምልክት ኪመሃሩ ብወግዒ ኣይፈቐደን ነይሩ።