ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

“ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ”

“ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ”

ኖህ ቅንዕ ኢሉ ነቲ ዝደኸመ ጭዋዳታቱ ኺዝርግሕ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብ ሓደ ሉሕ ኮፍ ኢሉ፡ ነታ ዓባይ መርከብ እናረኣየ ኻብ ዕዮኡ ሓንሳእ ኣዕረፈ። ሽታ እቲ ዝመኸኸ ቕጥራን ነቲ ኣየር መሊእዎ ነበረ። ናውቲ ጽርበት ዕንጨይቲ ዚፈጥሮ ደሃይ እውን ይስማዕ ነበረ። ኖህ ካብቲ እተቐመጦ ዀይኑ፡ ደቁ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት እቲ መዋቕር ዕንጨይቲ ዀይኖም ኣበርቲዖም ኪዓዩ ይርኢ ነበረ። ደቁን ኣንስቶምን ሰበይቱን ኣብቲ ዕዮ እቲ ምስኡ ኻብ ዚጽመዱ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ክሳዕ ሽዑ፡ ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ዓመሙ፡ ገና ብዙሕ ይጽበዮም ነበረ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት፡ ኵሎም እቶም ኣብቲ ዕዮ እተጸምዱ ዓያሹ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። እታ መርከብ መልክዕ እናሓዘት ብዝኸደት መጠን፡ እቶም ሰባት በቲ ንምልእቲ ምድሪ ዚኸድን ማይ ኣይሂ ኺመጽእ ዚብል ሓሳብ ብዝያዳ ይስሕቁ ነበሩ። እቲ ኖህ መጠንቀቕታ ዚህበሉ ዝነበረ መዓት፡ ዘይከውንን ዘይመስልን መሲልዎም ነበረ። ሓደ ሰብኣይ ህይወቱን ህይወት ስድራ ቤቱን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ዕሽነት ዜባኽነሉ ምኽንያት ኪርድኦም ኣይከኣለን። እቲ ኖህ ዜምልኾ ዝነበረ የሆዋ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ርእይቶ ኣይነበሮን።

ቃል ኣምላኽ፡ “ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ” ይብል። (ዘፍጥረት 6:9) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ይመላለስ ነይሩ ማለት ኣይኰነን፣ ኖህ ናብ ሰማይ ከይዱ ነይሩ ማለት እውን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኖህ ንኣምላኹ ብጥብቂ ይእዘዞን ኣዝዩ የፍቅሮን ስለ ዝነበረ፡ ንሱን የሆዋን ከም ኣዕሩኽ ብሓባር ከም እተመላለሱ ዀይኖም ተገሊጾም ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ድሕርዚ ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ ብዛዕባ እምነት ኖህ፡ “በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና” በለ። (እብራውያን 11:7) ከመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ንሕናኸ ኻብ እምነቱ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣብ ሓንቲ ቔናን ዓለም ዝነበረ እንታ ዘይብሉ ሰብኣይ

ኖህ ኣብ ሓንቲ እናኸፍአት እትኸይድ ዝነበረት ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ። ብግዜ እቲ ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ ጻድቕ ዝነበረ ሄኖክ ዚብሃል ኣቦ ኣቦሓጎኡ እውን፡ ሕማቕ ኵነታት እዩ ነይሩ። ሄኖክ ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት መዓልቲ ፍርዲ ኸም እትመጽእ ተነብዩ ነበረ። ብግዜ ኖህ ከኣ፡ ክፍኣት ኣመና ገዲዱ ነበረ። ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ ብምንባራ ድማ፡ ብዓይኒ የሆዋ፡ ተበላሽያ ነበረት። (ዘፍጥረት 5:22፣ 6:11፣ ይሁዳ 14, 15) ነቲ ዅነታት ከም ዚገድድ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

ኣብ መንጎ እቶም መንፈስ ዝዀኑ ደቂ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ መንጎ መላእኽቲ፡ ሓደ ዜሕዝን ነገር ተፈጺሙ ነበረ። ሓደ ኻብኦም ድሮ ኻብ የሆዋ ዓልዩስ፡ ንኣምላኽ ብምሕማዩን ንኣዳምን ንሄዋንን ከም ዚሓጥኡ ብምግባሩን ሰይጣን ድያብሎስ ኰይኑ ነበረ። ብግዜ ኖህ ከኣ፡ ካልኦት መላእኽቲ ኻብቲ ፍትሓዊ ግዝኣት የሆዋ ኺዓልዉ ጀመሩ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝሃቦም ቦታ ሓዲጎም፡ ናብ ምድሪ መጹ፡ ስጋ ለበሱ፡ ንመልክዐኛታት ኣንስቲ ድማ ኣእተዉ። እዞም ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ዕቡያትን ዓመጸኛታትን መላእኽቲ፡ ኣብ ሰባት ሕማቕ ጽልዋ እዮም ኣሕዲሮም።—ዘፍጥረት 3:1-5፣ 6:1, 2፣ ይሁዳ 6, 7

ካብቲ ኣብ መንጎ እቶም ስጋ ዝለበሱ መላእኽትን ሰብኣውያን ደቂ ኣንስትዮን እተገብረ ዘይባህርያዊ መውስቦ ኣዝዮም ገዘፍትን ብርቱዓትን ውሉዳት ተወልዱ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዓታቶም፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ ነፊሊም ኢሉ እዩ ዚጽውዖም፣ እዚ ኸኣ “ኣውደቕቲ” ማለት እዩ። እቶም ነፊሊም ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ሕማቕ መንፈስ ኣጋደድዎ። ፈጣሪና፡ “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን” ምርኣዩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ እኩይ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጢ 120 ዓመት ኬጥፍኦ ወሰነ።—ዘፍጥረት 6:3-5

ኖህን ሰበይቱን ንደቆም ካብ ሕማቕ ጽልዋ ኬዕቍብዎም ነበሮም

ኣብ ከምዚ ዝበለት ዓለም ስድራ ኽትገብር እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኖህ ግና ከምኡ እዩ ገይሩ። ንፍዕቲ ሰበይቲ ረኸበ። ወዲ 500 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሴምን ካምን ያፌትን ዚብሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ወለደትሉ። * እቶም ወለዲ ብሓባር ኰይኖም፡ ንደቆም ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ሕማቕ ጽልዋ ኼዕቍብዎም ነበሮም። ንኣሽቱ ኣወዳት ን“ስሙያት . . . ጀጋኑ” ፍሉይ ኣኽብሮትን ኣድንቖትን ይሓድሮም እዩ፣ ነፊሊም ከኣ ከምኡ እዮም ነይሮም። ኖህን ሰበይቱን ንደቆም ካብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ምዝመዛ እቶም ንጉዓት ሰባት ዚውረ ወረ ኼዕቍብዎም ኣይክእሉን እዮም ነይሮም፣ ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ እከይ ዘበለ ዚጸልእ የሆዋ ኣምላኽ ማራኺ ሓቂ ኺምህርዎም ይኽእሉ ነይሮም እዮም። የሆዋ በቲ ኣብ ዓለም ዚግበር ዝነበረ ዓመጻን ዕልወትን ከም ዝጐሃየ እውን ኬረድእዎም ነበሮም።—ዘፍጥረት 6:6

ሎሚ ዘለዉ ወለዲ፡ እቲ ንኖህን ንሰበይቱን ዘጋጠሞም ነገር ኪርድኦም ይኽእል እዩ። ዓለምና እውን ብዓመጻን ብዕልወትን ተመሪዛ እያ ዘላ። ንቘልዑ ተባሂሉ ዚዳሎ መዘናግዒ እኳ ኸይተረፈ፡ በዚ መንፈስ እዚ ዝመልአ እዩ። ጥበበኛታት ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ እቲ ንዅሉ ዓመጻ ዜጥፍእ ኣምላኽ ሰላም ዝዀነ የሆዋ ብምምሃር፡ ነዚ ጽልዋ እዚ ንምቅላስ ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ይገብሩ እዮም። (መዝሙር 11:5፣ 37:10, 11) በዚ ኸምዚ፡ ኣሳልጦ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ኖህን ሰበይቱን ተዓዊቶም እዮም። ደቆም ዓብዮም ንፉዓት ሰባት ኰይኖም እዮም፣ ከማታቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ህይወተን ቀዳምነት ኪህባ ፍቓደኛታት ዝዀና ኣንስቲ ኸኣ ተመርዕዮም እዮም።

“መርከብ ስራሕ”

ሓደ መዓልቲ፡ ህይወት ኖህ ንሓዋሩ ተቐየረ። የሆዋ ነዚ ፍቑር ኣገልጋሊኡ፡ ነታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ኬጥፍኣ ኸም ዝዓለመ ነገሮ። ኣምላኽ ንኖህ፡ “ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ” ኢሉ ኣዘዞ።—ዘፍጥረት 6:14

እታ መርከብ እቲኣ ኸምዘን ናይ ሎሚ ዓይነት መራኽብ ኣይነበረትን። ቀስታዊ ቕርጺ ኣይኰነን ነይርዋ፣ መእለዪ እውን ኣይነበራን። ዓባይ ሳጹን እያ ነይራ። የሆዋ ንኖህ ዓቐን እታ መርከብ፡ ብዛዕባ ንድፋ ዚገልጽ ገለ ዝርዝር ነጥብታት፡ ከምኡ ድማ ውሽጣን ግዳማን ብቕጥራን ኪልቕልቓ ነገሮ። ከምኡ ዚገብረሉ ምኽንያት ኪነግሮ ኸሎ ኸኣ፡ “እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ” በሎ። “ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትአቱ ኢኻ” ዚብል መምርሒ እውን ሃቦ። ብዘይካዚ፡ ኖህ ካብ ኵሉ ዓይነት እንስሳ ናብታ መርከብ ኬእቱ ነበሮ። እቶም ኣብታ መርከብ ዝደየቡ ጥራይ እዮም ካብቲ ዚመጽእ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ኺድሕኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ።—ዘፍጥረት 6:17-20

ኖህ ዓብዪ ስራሕ እዩ ነይርዎ። እታ መርከብ፡ 133 ሜተር ዝንውሓታ፡ 22 ሜተር ዝግፍሓ፡ 13 ሜተር ከኣ ዝቝመታ ብምንባራ፡ ኣዝያ ዓባይ እያ ነይራ። ኣብዚ ግዜና ኣብ ባሕሪ ኺሰፍፋ ተባሂለን ካብ ዕንጨይቲ ኻብ እተሰርሓ መራኽብ እውን ኣዝያ ትዓቢ ነይራ እያ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ብድሆ ብምምኽናይ ካብዚ ዕዮ እዚ ድሕር ምሕር ኢሉዶ፧ ወይ እቲ ዕዮ ምእንቲ ኪቐልለሉ ኢሉ ነቲ ዝርዝር መምርሒ ቐዪርዎዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” ኢሉ መልሲ ይህበና።—ዘፍጥረት 6:22

እቲ ዕዮ ንሓያሎ ዓመታት፡ ምናልባት እውን ካብ 40 ኽሳዕ 50 ዓመት እዩ ወሲዱ። ኦም ኣውዲቖም፡ ጐቲቶም ወሲዶም፡ ጸልጺሎም፡ ጸሪቦም፡ ኬላግብዎ ነበሮም። እታ መርከብ ታሕታይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ነበራ፣ ብርክት ዝበለ ኽፍልታት፡ ብሓደ ጐድና ድማ ማዕጾ ነበራ። ኣብ ላዕላይ ሸነኻ መሳዅቲ፡ ከምኡ ድማ ማይ ምእንቲ ኺፈስስ፡ ኣብ ማእከሉ ብርኽ ኢሉ ቕንን ዝበለ ናሕሲ ነበራ።—ዘፍጥረት 6:14-16

ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ እሞ፡ እታ መርከብ ቅርጺ እናሓዘት ምስ ከደት፡ ኖህ ካብ ስድራ ቤቱ ደገፍ ምርካቡ ብዙሕ ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ግናኸ፡ መርከብ ካብ ምስራሕ ንላዕሊ በዳሂ ዝዀኖ ኻልእ መዳይ እቲ ዕዮ እውን ነይርዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ምንባሩ ይገልጸልና እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ስለዚ፡ ነቶም ኣብቲ እኩይን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉን ማሕበረሰብ ዚነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ብትብዓት ኣብ ምጥንቃቕ መሪሕ ግደ ነይርዎ እዩ። እሞኸ እንታይ ምላሽ ሃብዎ፧ የሱስ ክርስቶስ ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኺዛረብ ከሎ፡ እቶም ሰባት እቲኦም “ኣየስተውዓሉን” በለ። ብመዓልታዊ ዋኒን፡ ማለት ብምብላዕን ብምስታይን ብምምርዓውን ትሑዛት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኖህ ዚብሎም ዝነበረ ኣየቕለቡሉን። (ማቴዎስ 24:37-39) ብዙሓት ሰባት ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ኣላጊጾምሎም ኪዀኑ ኣለዎም፣ ገሊኦም እውን ኣፈራሪሆምዎን ኣበርቲዖም ተጻሪሮምዎን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣምላኽ ንኖህ ከም ዝባረኾ መርትዖ እናሃለወ ኽነሱ፡ ሰባት የላግጹሉን ንመልእኽቱ ዕሽሽ ይብልዎን ነበሩ

ኖህን ስድራ ቤቱን ግና ዕዮኦም ኣየቋረጹን። እቲ ቐንዲ ዕዮኦም ዝዀነ ህንጸት መርከብ ከም ዘይረብሕ፡ ከም ስሕተት፡ ወይ ከም ዕሽነት ጌርካ ኣብ ዚርኣየላ ዓለም ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብተኣማንነት ዕዮኦም ቀጸሉ። ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ስድራ ቤታት ካብ እምነት ኖህን ካብ እምነት ስድራ ቤቱን ብዙሕ ኪምሃራ ይኽእላ እየን። ከመይሲ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ ስርዓት ዓለም “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) የሱስ፡ ግዜና ኸምቲ ኖህ መርከብ ዝሰርሓሉ ግዜ ኸም ዚኸውን ተዛሪቡ እዩ። ዓለም ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ ዘይትግደሰሉን እተላግጸሉን እንተ ዀይና፡ ሕሉፍ ሓሊፋ እውን መስጐጕቲ ተምጽእ እንተ ዀይና፡ ክርስትያናት ንኖህ ኪዝክርዎ ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ብኣታቶም ኣይኰነን ጀሚሩ።

“ናብ መርከብ እቶ”

ሓያሎ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እታ መርከብ በብቝሩብ ናይ መወዳእታ ቕርጻ ኽትሕዝ ጀመረት። ኖህ ወዲ 600 ዓመት ኪኸውን ቍሩብ ምስ ተረፎ፡ ኣቦኡ ላሜክ ሞተ። * ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ፡ ኣቦ ላሜክ፡ ማለት ኣቦሓጎ ኖህ ዝዀነ ማቱሳላ ኣብ 969 ዓመት ዕድሚኡ ሞተ፣ ንሱ ድማ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዚርከቡ ዝነውሐ ዕድመ ዝነበሮ እዩ። (ዘፍጥረት 5:27) ማቱሳላን ላሜክን ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ብህይወት ከሎ ኣርኪቦምሉ ነይሮም እዮም።

በታ ዓመት እቲኣ፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝዀነ ኖህ፡ “ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ” ዚብል ሓድሽ መልእኽቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ መጾ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ኣምላኽ ንኖህ ካብ ኵሉ ዓይነት እንስሳ፡—ማለት ካብቶም ንመስዋእቲ ዚዀኑ ንጹሃት እንስሳታት ሸሸውዓተ፡ ካብ ዝተረፉ እንስሳታት ድማ ከክልተ፡—ናብታ መርከብ ኬእቱ ነገሮ።—ዘፍጥረት 7:1-3

እዚ ዘይርሳዕ ትርኢት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እተፈላለየ መጠንን ቅርጽን ባህርይን ዘለዎም ብኣማእታት ዚቝጸሩ እንስሳታት፡ እናሰጐሙ፡ እናነፈሩ፡ እናተንፈሓኹ፡ እናተሳለዩ ናብታ መርከብ ወሓዙ። ኖህ ንዅሎም እቶም እንስሳ ዘገዳም ብቓልሲ ወይ ብብልሓት ሒዙ ናብታ መርከብ ከም ዘእተዎም ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ከመይሲ፡ እቲ ጸብጻብ፡ “ናብ ኖህ ናብ መርከብ አተዉ” እዩ ዚብለና።—ዘፍጥረት 7:9

ገሊኦም ተጠራጠርቲ፡ ‘ከመይ ኢሉ ኸምኡ ይኸውን፧ ኵሎም እቶም እንስሳታትከ ኸመይ ኢሎም ኣብ ጸቢብ ቦታ ብሰላም ኪነብሩ ይኽእሉ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረትሲ እንተ ደልዩ ንእንስሳታት ገሪሑ ኪቘጻጸሮምዶ ኣይክእልን እዩ፧ የሆዋ ንቐይሕ ባሕሪ ዝመቐለ፡ ንጸሓይ እውን ኣብ ዘላቶ ደው ዘበለ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንዅሉ እቲ ኣብ ዛንታ ኖህ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት ምግባሩዶ ይሰኣኖ እዩ፧ ኣይሰኣኖን እዩ፣ ከምኡ ድማ እዩ ገይሩ!

ኣምላኽ ብኻልእ መገዲ ነቶም እንስሳታት ኬድሕኖም ይኽእል ምንባሩ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ብጥበቡ ነቲ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ዅሎም ህያዋን ኪከናኸኑ ኣብ መጀመርታ ዝሃቦም ሕድሪ ዜዘኻኽር መገዲ ሓረየ። (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም፡ የሆዋ ነቶም ዝፈጠሮም ሰባትን እንስሳታትን ከም ዚሓልየሎም ኪምህሩ ኸለዉ፡ ዛንታ ኖህ ይጥቀሙ እዮም።

የሆዋ ንኖህ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ከም ዚመጽእ ነገሮ። እቲ እዋን እቲ፡ ነታ ስድራ ቤት ናይ ሃታሃታ እዋን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንዅሎም እቶም እንስሳታትን ምግቦምን ብስርዓታዊ መገዲ ናብታ መርከብ ኬእትዉ ኸለዉ፡ ንዅሉ ንብረት እታ ስድራ ድማ ናብታ መርከብ ከደይቡ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሰበይቲ ኖህን ኣንስቲ ሴምን ካምን ያፌትን ነታ መርከብ ከም መንበሪት ቤተን ንምግባር ብዙሕ ዕዮ ነይርወን ኪኸውን ኣለዎ።

እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባትከ፧ የሆዋ ንኖህን ንጻዕርታቱን ይባርኽ ከም ዘሎ እናረኣዩ ኽነሶም፡ “ኣየስተውዓሉን።” እንስሳታት ናብታ መርከብ ኪውሕዙ ይርእዩ ነይሮም እዮም። እቲ ዘይተገዳስነቶም ግና ሓድሽ ኪዀነና የብሉን። ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን፡ ነቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት ዓለም ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣየስተውዕልዎን እዮም። ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ እተነበዮ ኸኣ፡ ነቶም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዜቕልቡሉ ሰባት ዜላግጹሎም መላገጽቲ ምስ ላግጾም መጺኦም ኣለዉ። (2 ጴጥሮስ 3:3-6) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ንኖህን ንስድራ ቤቱን ብርግጽ ኣላጊጾምሎም እዮም።

እሞኸ እቲ ላግጺ መዓስ ኣብቅዐ፧ እቲ ዛንታ ኸም ዚሕብሮ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን እቶም እንስሳታትን ኣብታ መርከብ ምስ ኣተዉ፡ የሆዋ “ብድሕሪኡ ዐጸዎ።” ኣብቲ ኸባቢ መላገጽቲ እንተ ነይሮም፡ እቲ ኣምላኽ ዝወሰዶ ተግባር ኣፎም ኣትሒዝዎም ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኣፎም እንተ ዘይኣትሒዝዎም ድማ፡ እቲ ዝናም ብዘይጥርጥር ትም ኣቢልዎም እዩ። ብሓቂ ድማ ኣይሂ እዩ ዘኒሙ! ብዘይምቍራጽ ኣበርቲዑ ስለ ዝዘነመ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ንዓለም ኣዕለቕለቓ።—ዘፍጥረት 7:16-21

የሆዋ ብሞት እቶም እኩያት ባህ ኢልዎዶ፧ ኣይበሎን። (ህዝቅኤል 33:11) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መገዶም ቀዪሮም ቅኑዕ ንኺገብሩ፡ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ሂብዎም ነይሩ እዩ። እሞኸ መገዶም ኪቕይሩ ይኽእሉዶ ነይሮም፧ ህይወት ኖህ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ትዀነና እያ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ብምምልላሱን ንኣምላኹ ብዅሉ ብምእዛዙን፡ ድሕነት ኪርከብ ከም ዚከኣል ኣርእዩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እምነቱ ነታ ብግዜኡ ዝነበረት ዓለም ኰኒናታ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ እከይ እውን ኣቃሊዓቶ እያ። ብዘይካዚ፡ እምነቱ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ኣድሒናቶም እያ። ኣስኣሰር እምነት ኖህ እንተ ስዒብካ፡ ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ንርእስኻን ነቶም እትፈትዎምን ከተድሕን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ኖህ ዝገበሮ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዓርኩ ዄንካ ምስኡ ኽትመላለስ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዕርክነት እቲ ኸኣ ንዘለኣለም ኪቕጽል ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 በቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ዕድሜና ኣዝዩ ንዝነውሕ ዕድመ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ዕድሚኦም ነዊሕ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ነይርዎምሲ ዘጥፍእዎ ፍጽምና ዝቐረቡ ብምንባሮም ኪኸውን ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 20 ላሜክ ንወዱ ኖህ ኢሉ ሰመዮ፣ እዚ ስም እዚ ድማ፡ “ዕረፍቲ፡ ምጽንናዕ” ዚብል ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኖህ ንደቂ ሰብ ኻብቲ ኣብታ እተረግመት ምድሪ ዚገብርዎ ጻዕሪ ናብ ዕረፍቲ ብምምራሕ፡ ከም ትርጕም ስሙ ኸም ዚገብር ተነበየ። (ዘፍጥረት 5:28, 29) ግናኸ፡ ላሜክ እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ ኣይረኣየን።