ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት

ንኣምላኽ ጨካን ዚገብሮ ሓሶት

ንኣምላኽ ጨካን ዚገብሮ ሓሶት

ብዙሓት ዚኣምኑሉ፦

“ደድሕሪ ሞት፡ ነፍሳት እቶም ሓጥኣን ኰይኖም ዚሞቱ ብኡብኡ ናብ ሲኦል ይኣትዋ፣ ኣብ ሲኦል ከኣ ይቕጽዓ፡ ማለት ‘ብዘለኣለማዊ ሓዊ’ ይሳቐያ።”—ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ፦

“እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።” (ህዝቅኤል 18:4) ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” እዮም። (መክብብ 9:5) ነፍሲ ድሕሪ ሙማታ ዋላ ሓንቲ ዘይትፈልጥ እንተ ዀይና፡ ከመይ ገይራ እያ “ብዘለኣለማዊ ሓዊ” ኽትሳቐ እትኽእል፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ መብዛሕትኡ እዋን “ሲኦል” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጥን ግሪኽኛን ቃል፡ ንመቓብር ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። ንኣብነት፡ እዮብ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ምስ ተሳቐየ፡ “ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ እዩ። (እዮብ 14:13) እዮብ ኣብ ቦታ ስቓይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መቓብር እዩ ኼዕርፍ ደልዩ ነይሩ።

ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፦

ጭካነ ኻብ ኣምላኽ ከም እንርሕቕ ደኣ እምበር፡ ከም እነፍቅሮ ኣይገብረናን እዩ። ሮስዮ ዝስማ ኣብ መክሲኮ እትነብር ሰበይቲ፡ “ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ፡ ብዛዕባ ሲኦል ተማሂረ እየ። ኣመና የፍርሃኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ባህርያት ዘለዎ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ። ሓራቕን ዘይጻወርን እዩ ዚመስለኒ ነይሩ” በለት።

ይኹን እምበር፡ ሮስዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽን ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን እንታይ ከም ዚብል ምስ ፈለጠት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበራ ኣረኣእያ ተቐየረ። ከምዚ በለት፦ “ነቲ ተሰኪመዮ ዝነበርኩ ኸቢድ ስምዒታዊ ጾር ዝደርበኽዎ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ናጽነት ረኸብኩ። ኣምላኽ ንጽቡቕና ኸም ዚሓስብን ከም ዜፍቅረናን ኣነ እውን ከፍቅሮ ኸም ዝኽእልን ኣመንኩ። ልክዕ ከምቲ ንደቁ ብኢዶም ሒዙ ዚድግፎምን ንጽቡቖም ዚሓስብን ኣቦ እዩ።”—ኢሳይያስ 41:13

ብዙሓት ሰባት ኣብ ሲኦል ከይሳቐዩ ስለ ዚፈርሁ፡ ንኣምላኽ ይፈርህዎ እዮም፣ ኣምላኽ ግና፡ መቕጻዕቲ ብምፍራህ ከተገልግሎ ኣይደልን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ የሱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ . . . ኣፍቅሮ” ኢሉ ኣሎ። (ማርቆስ 12:29, 30) ሎሚ ኣምላኽ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከም ዘይገብር ምስ ተገንዘብና፡ በቲ ኣብ መጻኢ ዜውርዶ ፍርዲ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ዓርኪ እዮብ ዝነበረ ኤሊሁ ዝነበሮ ዓይነት ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ፣ ንሱ፡ “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ፡ ክፍኣትውን ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ይርሐቕ” በለ።—እዮብ 34:10