ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቦም ዚህቦም’

‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቦም ዚህቦም’

የሆዋ ነቲ ኣምለኽቱ ንዕኡ ንምሕጓስ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ይርእዮዶ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዘይግደስ ኰይኑ ስለ ዚስምዖም፡ መልሶም ‘ኣይፋልን’ ዚብል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ርእይቶ፡ ንኣምላኽ ዜካፍእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግጉይ ምርዳእ እዚ ይእርሞ እዩ። የሆዋ ንጻዕሪ እሙናት ኣምለኽቱ ኸም ዜማስወሉ የረጋግጸልና እዩ። ነተን ኣብ እብራውያን 11:6 ዚርከባ ቓላት ሃዋርያ ጳውሎስ እስከ ንመርምረን።

ንየሆዋ ንምሕጓስ እንታይ እዩ ዜድሊ፧ ጳውሎስ፡ “ብዘይ እምነት . . . ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ” በለ። ‘ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣጸጋሚ እዩ’ ኸም ዘይበለ ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣይከኣልን” እዩ ዝበለ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ፡ እምነት ኣዝያ ኣገዳሲት እያ።

እንታይ ዓይነት እምነት እያ ንየሆዋ እተሐጕሶ፧ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት፡ ክልተ መዳያት ዘጠቓለለት ክትከውን ኣለዋ። ቀዳማይ፡ “ንሱ ኸም ዘሎ” ኽንኣምን ኣሎና። እዛ ሓረግ እዚኣ፡ ኣብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ብሓቂ ኸም ዘሎ” ኸምኡውን “ንሱ ህሉው ምዃኑ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ብህልውና ኣምላኽ ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ባህ ከነብሎ እንኽእል፧ ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ እምነት፡ ልዕሊኡ እያ እተጠቓልል፣ ከመይሲ፡ ኣጋንንቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብ ህልውና የሆዋ ይኣምኑ እዮም። (ያእቆብ 2:19) እታ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘሎ ዘላትና እምነት፡ ንተግባር ከተለዓዕለና ኣለዋ፣ እወ፡ ንየሆዋ ባህ ብዜብሎ መገዲ ብምንባር፡ እምነትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 2:20, 26

ካልኣይ፡ ኣምላኽ ‘ዓስቢ ኸም ዚህብ ክንኣምን’ ኣሎና። ናይ ሓቂ እምነት ዘላቶ ሰብ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ንምንባር ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ከንቱ ዀይኑ ኸም ዘይተርፍ ይኣምን እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዓስብና ንኺህበና ዘለዎ ኽእለትን ባህግን ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ኢና እሞ ባህ ከነብሎ እንኽእል፧ (ያእቆብ 1:17፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ንኣምላኽ ከም ሕሱምን ሞሳ ዘይብሉን ንፉግን ገይሩ ዚርእዮ ሰብ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

የሆዋ ንመን እዩ ዓስቦም ዚህቦም፧ ጳውሎስ፡ “ነቶም ዚደልይዎ” ኢሉ ኣሎ። ሓደ ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ “ዚደልይዎ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ‘ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ’ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ንኣምላኽ ንኸተምልኾ ኢልካ ምጽዓር’ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ብዘይካዚ፡ ካልእ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ዕምቈትን ሓያል ጻዕርን እውን ትሕብር እያ። እወ፡ የሆዋ ነቶም ብእምነቶም ተደሪኾም ካብ ልቢ ብዝመጨወ ፍቕርን ብቕንኣትን ዜገልግልዎ ሰባት ዓስቦም ይህቦም እዩ።—ማቴዎስ 22:37

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዓስብና ንኺህበና ዘለዎ ኽእለትን ባህግን ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ኢና እሞ ባህ ከነብሎ እንኽእል፧

የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ ዓስቦም ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧ ንዕምቈት ልግሱን ፍቕሩን ዜርኢ ብዋጋ ዘይሽነን መጻኢ ተመባጺዑ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር እዩ። (ራእይ 21:3, 4) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ሰባት፡ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ ኣለዉ። ሳላ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽን ሳላ እቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ጥበብን፡ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ናብራ ይነብሩ ኣለዉ።—መዝሙር 144:15፣ ማቴዎስ 5:3

ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ውፉያት ኣምለኽቱ ብተኣማንነት ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት፡ ኣኽቢሩ ዚርእዮ መማሰዊ ኣምላኽ እዩ። እሞኸ ነዚ ምፍላጥካ፡ ናብኡ ንኽትቀርብ ኣይድርኸካንዶ፧ ዚድርኸካ እንተ ዀይኑ፡ ካብ የሆዋ ዓስቢ እተውህበካ ዓይነት እምነት ብኸመይ ከተጥሪ ኸም እትኽእል ንምፍላጥ፡ ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትምሃር፧

ንሕዳር ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ቲቶስ 1-3; ፊልሞን 1-25; እብራውያን 1-13ያእቆብ 1-5