ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧

ሞት መወዳእታ ዅሉ ኣይኰነን

ሞት መወዳእታ ዅሉ ኣይኰነን

ቢታንያ ኻብ የሩሳሌም ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝነበራ ንእሽቶ ቝሸት እያ ነይራ። (ዮሃንስ 11:18) ካብታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ሒደት ሰሙናት ኣቐዲሙ፡ ድንገተኛ ዅነታት ኣጋጠመ። ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሱስ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ ብሃንደበት ከቢድ ሕማም ሓሚሙ ሞተ።

የሱስ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣልኣዛር ከም ዝደቀሰን ካብ ድቃሱ ኼበራብሮ ምዃኑን ነገሮም። (ዮሃንስ 11:11) ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ስለ ዘይተረድኦም፡ የሱስ ብግህዶ፡ “ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም።—ዮሃንስ 11:14

ኣልኣዛር ምስ ተቐብረ ኣርባዕተ መዓልቲ ጸኒሑ፡ የሱስ ኣብ ቢታንያ በጽሐ እሞ፡ ንማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ኬጸናንዓ ደለየ። ማርታ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። (ዮሃንስ 11:17, 21) የሱስ ድማ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ” ኢሉ መለሰላ።—ዮሃንስ 11:25

“ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ”

እዘን ቃላት እዚአን ሓቂ ምዃነን ንኼርኢ ኸኣ፡ ናብቲ መቓብር ቀሪቡ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ጨደረ። (ዮሃንስ 11:43) እቲ ምዉት ካብ መቓብር ምስ ወጸ፡ እቶም ዚርእዩ ዝነበሩ ሰባት ተደመሙ።

የሱስ ቅድሚ እዚ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ምዉታት ኣተንሲኡ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንጓል ያኢሮስ ኣተንሲእዋ እዩ። የሱስ ንዓኣ ቐቅድሚ ምትንሳኡ እውን፡ ደቂሳ ኸም ዝነበረት ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 8:52

የሱስ ብዛዕባ ሞት ኣልኣዛርን ጓል ያኢሮስን ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ ንሞት ምስ ድቃስ ከም ዘመሳሰሎ ኣስተብህል። እዚ ብሓቂ ብቑዕ ምምስሳል እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ድቃስ፡ ሃለዋትካ ዘይትፈልጠሉ ዅነታት ስለ ዝዀነ፡ ካብ ስቓይን መከራን እትዓርፈሉ ዅነታት እዩ ዜመልክት። (መክብብ 9:5 “ሞት ከም ከቢድ ድቃስ እዩ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት  እንታይ ምዃኑ ብንጹር ይርድኦም ነይሩ እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ኤቲክስ፡ ‘ሰዓብቲ የሱስ ንሞት ከም ድቃስ፡ ንመቓብር ከኣ ከም ቦታ ዕረፍቲ እቶም ብእምነት ዝሞቱ ሰባት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይርዎም’ ትብል። *

ምዉታት ኣብ መቓብር ደቂሶም ከም ዘለዉ ደኣ እምበር፡ ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ስለ እንፈልጥ፡ ክንፈርህ ኣየድልየናን እዩ።

“ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧”

ለይቲ ጽቡቕ ብምድቃስ ከነዕርፍ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ መን ካባና እዩ እሞ ንሓዋሩ ደቂሱ ኺነብር ዚደሊ፧ እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ምዉታት፡ ልክዕ ከም ኣልኣዛርን ጓል ያኢሮስን ኪትንስኡ ምዃኖም ዚገልጽ እንታይ ተስፋ ኣሎና፧

እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበዋት ዝነበረ እዮብ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዝቐረበ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ፡ “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።—እዮብ 14:14

እዮብ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ “ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ” ብምባል፡ ነታ ባዕሉ ዘበገሳ ሕቶ መለሳ። (እዮብ 14:15) እዮብ፡ የሆዋ ነቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ንኼተንስኦ ኸም ዚናፍቕ ተኣማሚኑ ነበረ። እሞኸ፡ እዝስ ትምኒት ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን።

የሱስ ንእተፈላለዩ ሰባት ኬተንስኦም ምኽኣሉ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ከም ዝሃቦ ዚሕብር ንጹር መርትዖ እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ የሱስ “መፍትሕ ሞት” ከም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ። (ራእይ 1:18) ስለዚ፡ የሱስ ልክዕ ከምቲ ንእምኒ መቓብር ኣልኣዛር ኬልግስዎ ዝኣዘዘ፡ ንመዓጹ መቓብር እውን ኪኸፍቶ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ተስፋ ትንሳኤ እዚ፡ ብተደጋጋሚ እዩ ዚገልጽ። ሓደ መልኣኽ ንነብዪ ዳንኤል፡ “ክትዐርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ” በሎ። (ዳንኤል 12:13) የሱስ ነቶም ንተስፋ ትንሳኤ ዝኸሓዱ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝነበሩ ሰዱቃውያን፡ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣለኹም” በሎም። (ማቴዎስ 22:23, 29) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኸም ዚኸውን፡ . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ምዉታት ዚትንስኡ መዓስ እዮም፧

ጻድቃንን ሓጥኣንን መዓስ እዮም ዚትንስኡ፧ እቲ መልኣኽ ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ዳንኤል፡ “በቲ መወዳእታ መዓልትታት” ከም ዚትንስእ እዩ ነጊርዎ። ማርታ እውን ሓዋ ኣልኣዛር፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእ” ትኣምን ነይራ እያ።—ዮሃንስ 11:24

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ “ዳሕረይቲ መዓልቲ” ምስቲ ክርስቶስ ብመንግስቱ ዚገዝኣሉ እዋን ኣተሓሒዝዋ ኣሎ። ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ ንዅሎም ጸላእቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብረሉ፡ [ክርስቶስ] ኪነግስ ይግብኦ እዩ። እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 15:25, 26) ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን እንጽልየሉ ምኽንያት እዚ እዩ። *

ከምቲ እዮብ ዝበሎ፡ ምዉታት ኪትንስኡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ ምስ መጸት፡ ሞት ብሓቂ ኺሰዓር እዩ። ሽዑ፡ “ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧” ኢሉ ዚሓትት ሰብ ኣይኪህሉን እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 እታ “መቓብር” እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ቦታ ዕረፍቲ” ማለት እያ።

^ ሕ.ጽ. 18 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።