ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንኣምላኽ ዜኽብራኦ፡ ኵለን ሃይማኖታት ድየን፧

ዜና ዓለም ክትሰምዕ ከለኻ፡ ሓድሓደ እዋን ብስም ሃይማኖት እኩይ ነገራት ኪግበር ከሎ ርኢኻ ትኸውን። ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለወን ሃይማኖታት፡ ኵለን ኣይኰናን። (ማቴዎስ 7:15) ብሓቂ እምበኣር፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ተታሊሎም እዮም ዘለዉ።—1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቶም ጽቡቕን ሓቅን ዝዀነ ነገራት ዚፈትዉ ቕኑዓት ሰባት የስተብህለሎም እዩ። (ዮሃንስ 4:23) ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ድማ፡ ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቂ ንኺፈልጡ ይዕድሞም ኣሎ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3-5 ኣንብብ።

ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧

የሆዋ ኣምላኽ፡ ካብ እተፈላለያ ሃይማኖት ንዝመጹ ሰባት፡ ብዛዕባ ሓቂ ንኺፈልጡን ንሓድሕዶም ንኺፋቐሩን ብምምሃር የሕብሮም ኣሎ። (ሚክያስ 4:2, 3) ስለዚ፡ ነቶም ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ሰባት፡ ነቲ ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩሉ መገዲ ርኢኻ ኸተለልዮም ትኽእል ኢኻ።—ዮሃንስ 13:35 ኣንብብ።

የሆዋ ኣምላኽ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣቢሉ ንዅሎም ዓይነት ሰባት የሕብሮም ኣሎ።—መዝሙር 133:1

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ እምነቶምን ኣነባብራኦምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንስም ኣምላኽ እውን የኽብርዎ እዮም። (መዝሙር 83:18NW) ብዘይካዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ምዃና ይእውጁ እዮም። (ዳንኤል 2:44) ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ንብጻዮም ሰናይ ግብሪ ስለ ዝገብሩ እውን፡ ‘ብርሃኖም የብርሁ እዮም።’ (ማቴዎስ 5:16) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ በቲ ንጐረባብቶም ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺነግርዎም ኢሎም ካብ ቤት ናብ ቤት ዚገብርዎ ምብጻሕ ኪልለዩ ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 24:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20 ኣንብብ።