ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ካብ ብልሽውና ናጻ ዝዀነት መንግስቲ

መንግስቲ ኣምላኽ—ካብ ብልሽውና ናጻ ዝዀነት መንግስቲ

መንግስቲ ኣምላኽ—ካብ ብልሽውና ናጻ ዝዀነት መንግስቲ

ቀንዲ ተቘጻጻሪ ጸብጻብ ሃገረ ኒከራግዋ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዚፍጸም ብልሽውና ምጥፋእ ፈጺሙ ዘይከኣል ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዘይሩ ዘይሩ ዜጋታት እታ ዚነብሩላ ሃገር እዮም፣ ኵላትና ኸኣ ውጽኢት እቲ እንነብረሉ ሕብረተ ሰብ ኢና” በለ።

ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ብልሹው እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ኽፋል እቲ ሕብረተ ሰብ ዝዀነ መንግስቲ ውዒሉ ሓዲሩ ብልሹው ዚኸውንዶ ኣይመስለካን፧ ስለዚ፡ ካብ ብልሽውና ናጻ ዝዀነት መንግስቲ ኽትህሉ እትኽእል፡ ካብ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ወጻኢ ዝመጸት እንተ ዀይና ጥራይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸምዚኣ ዓይነት መንግስቲ ይገልጽ እዩ፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ እታ የሱስ ብዛዕባኣ ምእንቲ ኺጽልዩ ኢሉ ንሰዓብቱ ዝመሃሮም መንግስቲ ኣምላኽ እያ።—ማቴዎስ 6:9, 10

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ ናይ ሓቂ ምምሕዳር እያ። ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ድማ ክትትክአን እያ። (መዝሙር 2:8, 9፣ ራእይ 16:14፣ 19:19-21) እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዚፍጸም ብልሽውና ብምጥፋእ፡ ንደቂ ሰብ በረኸት ከተምጽኣሎም እያ። ብዛዕባ እዚ ኸም እንተኣማመን ዚገብረና ሽዱሽተ ነጥብታት እስከ ንርአ።

1. ስልጣን

ጸገም፦ ሰብኣውያን መንግስትታት ካብ ዜጋታተን እየን ገንዘብ ዚረኽባ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ግብርን ቀረጽን እዩ ዚመጽእ። እዚ ገንዘብ እዚ ንገሊኦም ሰበ ስልጣን ንኺሰርቁ ኺፍትኖም ይኽእል እዩ፣ ገሊኦም ሰበ ስልጣን ድማ፡ ካብቶም ነቲ ንመንግስቲ ኪኸፍልዎ ዚግባእ ግብሪ ወይ ካልእ ክፍሊት ኪንከየሎም ዚደልዩ ውልቀ ሰባት፡ ጉቦ ይቕበሉ። መንግስቲ ድማ ነቲ ብብልሽውና ዝጠፍአ ገንዘብ ንምምላስ ኢሉ ግብሪ ይውስኽ፣ እዚ ኸኣ ዝያዳ ብልሽውና ኸም ዚህሉ እዩ ዚገብር። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት፡ እቶም ንጹሃት ብዙሕ ኪጕድኡ ይኽእሉ እዮም።

መፍትሒ፦ ስልጣን መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ። * (ራእይ 11:15) ስለዚ፡ ዕዮኣ ንኽትፍጽም ኢላ ግብሪ ኽትእክብ ኣየድልያን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ‘ብብርትዔ ሓይሉን’ ብልግሱን ኣቢሉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዜጋታታ ዜድሊ ነገራት ከም እተማልእ ኪገብር ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 40:26፣ መዝሙር 145:16

2. ገዛኢ

ጸገም፦ እታ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ሱዛን ሮዝ-ኣከርማን፡ ብልሽውና ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ “ኻብ ላዕሊ ኺጅምር ከም ዘለዎ” ገለጸት። መንግስቲ ነቲ ብፖሊስ ወይ ብሰበ ስልጣን ግምሩክ ዚፍጸም ብልሽውና ንምጥፋእ ሒዅ እኳ እንተ በለ፡ ነቲ በቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዚፍጸም ብልሽውና ግና ሸለል ዚብሎ እንተ ዀይኑ፡ ተሰማዕነት እዩ ዚስእን። ብዘይካዚ፡ እቲ ንፉዕ ዚብሃል ሰብኣዊ መራሒ እውን እንተ ዀነ፡ ዘይፍጽምና ወሪሱ እዩ። ከመይሲ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን።”—መክብብ 7:20

የሱስ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ኻብ ዝቐረበ እቲ ዝዓበየ ዝዀነ ጉቦ ነጸጎ

መፍትሒ፦ እቲ ኣምላኽ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ኢሉ ዝመረጾ የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ብእተፈልየ መገዲ፡ ጌጋ ንምግባር ኣይፍተንን እዩ። ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝቐረበ እቲ ዝዓበየ ጉቦ፡ ማለት “ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን” ምስ ቀረበሉ ነጸጎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ጌጋ ንምግባር ፈጺሙ ኸም ዘይፍተን ኣርኣየ። እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ድያብሎስ ንየሱስ፡ ሓንሳእ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ፡ እቲ እተጠቕሰ ነገራት ከም ዚህቦ ነጊርዎ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 4:8-10፣ ዮሃንስ 14:30) የሱስ እናተሳቐየ ኺመውት ከሎ፡ ንጽህናኡ ኺሕሉ ቘሪጹ ስለ ዝነበረ፡ ስቓዩ ዚንክየሉ መድሃኒት እኳ እንተ ተዋህቦ፡ ስምዒቱ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸር ስለ ዝደለየ ኣበየ። (ማቴዎስ 27:34) ንሱ ኻብ ሞት ተንሲኡ ሕጂ ምስ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ ዚነብር ዘሎ፣ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ብቑዕ ምዃኑ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣርእዩ እዩ።—ፊልጲ 2:8-11

3. ጽንዓት

ጸገም፦ ብዙሓት ሃገራት፡ ነቶም ብልሹዋት ሰበ ስልጣን ካብ ስልጣኖም ንምስጓጕ ብዚብል፡ በብእዋኑ ምርጫ የካይዳ እየን። ከም ሓቂ ግና፡ ኣብተን ዝማዕበላ ዚብሃላ ሃገራት እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ሕጹያት ምርጫ ንኺምረጹ ዚገብርዎ ወፈራ ዀነ እቲ ምርጫ ንባዕሉ፡ ኣደዳ ብልሽውና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሃብታማት ሰባት ነቲ ንምረጹኒ ዚግበር ወፈራ ብገንዘብ ኰነ ብኻልእ መገዲ ብምድጋፍ፡ ነቶም ሽዑ ዚምረጹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ መጻኢ እውን ዚምረጹ ሰበ ስልጣን ጽልዋ ኺገብሩሎም ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዳኛ ዀይኑ ዚዓዪ ጆን ፖል ስቲቨንስ ከም ዝጸሓፎ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጽልዋ፡ “ንሕጋውነትን ዓይነትን መንግስቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንዘለዎ እምነት እውን እዩ” ኣብ ሓደጋ ዜእትዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ፓርቲታት ካብ ኵለን ትካላት ንላዕሊ ብልሹዋት ከም ዝዀና ገይሮም ዚሓስቡ።

መፍትሒ፦ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጽኑዕን ነባርን ስለ ዝዀነ፡ ንምረጹኒ ዚግበር ወፈራ ኣየድልን እዩ፣ ወይ ከኣ ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ዚፍጸም ምትላል ኣየጋጥምን እዩ። (ዳንኤል 7:13, 14) ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ብየሆዋ እተመርጸ ስለ ዝዀነ፡ ብቕዓት እታ መንግስቲ ብምርጫ ኣይኰነን ዚውሰን፣ ክትግልበጥ እውን ኣይትኽእልን እያ። ከምዚ ዓይነት ጽኑዕ ምምሕዳር ስለ ዘለዋ፡ እትወስዶ ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንተገዛእታ ዚጠቅም እዩ።

4. ሕግታት

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ ናይ ሓቂ ምምሕዳር እያ

ጸገም፦ ኣብ ፈለማ፡ ሓድሽ ሕግታት ምውጻእ ንነገራት ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል ጌርካ ትሓስብ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ምሁራት ኣብ ብዙሕ ኵነታት ከም ዝረኣይዎ፡ ሕግታት ምውሳኽ ንዝያዳ ብልሽውና እዩ መገዲ ዚኸፍት። ብዘይካዚ፡ ብልሽውና ምእንቲ ኺንኪ ኢልካ ንዚረቅቕ ሕግታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዚወጽእ መጠን ገንዘብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፣ ብዙሕ ፋይዳ ግና የብሉን።

መፍትሒ፦ ሕግታት መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ዜውጽኣኦ ሕግታት ኣዝዩ ይበልጽ። ንኣብነት፡ የሱስ፡ “ከምዚ ግበር፡ ከምዚ ኣይትግበር” ዚብል ነዊሕ ዝርዝር ዘይኰነስ፡ ነታ “ወርቃዊት ሕጊ” ተባሂላ እትጽዋዕ ስርዓት እዩ ሂቡ። “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” ድማ በለ። (ማቴዎስ 7:12) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ሕግታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ድራኸን ተግባርን እዩ ዜተኵር። የሱስ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:39) ኣምላኽ፡ ልቢ ኼንብብ ስለ ዚኽእል፡ ነቲ እተጠቕሰ ትእዛዛት ኪትግብሮ ኸም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ።—1 ሳሙኤል 16:7

5. ድራኸታት

ጸገም፦ ቀንዲ ጠንቂ ብልሽውና፡ ስስዐን ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ምድላይን እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ሰበ ስልጣን መንግስትን ዜጋታትን ነቲ እተጠቕሰ ኣሉታዊ ባህርያት የንጸባርቑ እዮም። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶል ከም ዕዳጋ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ግናኸ ዝፈረሰ ህንጻ ርኢና ኔርና፣ እቶም ተዀናተርቲ፡ ካብ ክቡር ዝዋጋኡ ኣቕሑ ህንጸት ብምጥቃምን ነቲ ሕጊ ብምስዓብን ብዙሕ ዚኸፍሉ፡ ጉቦ ሂቦም ብሒደት ገንዘብ ጥራይ ኪሰርሑ ስለ ዝሓሰቡ፡ ነቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ጉቦ ሃብዎም።

ስለዚ፡ ብልሽውና ኺጠፍእ እንተ ዀይኑ፡ ሰባት ነቲ ኸም ስስዐን ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ምድላይን ዝኣመሰለ ሱር ዝሰደደ ድራኸታት ብኸመይ ከም ዚምሕውዎ ኺመሃሩ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ሰብኣውያን መንግስትታት፡ ከምኡ ዓይነት ትምህርቲ ንምሃብ ዜድሊ ድሌትን ክእለትን የብለንን።

መፍትሒ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብኸመይ ነቲ ጠንቂ ብልሽውና ዝዀነ ግጉይ ድራኸታት ከም ዜወግድዎ ብምምሃር፡ ንብልሽውና ኸተጥፍኦ ትኽእል እያ። * እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ ነቶም ሰባት፡ ‘ብኣተሓሳስባኦም ንኺሕደሱ’ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 4:23) በዚ ኸምዚ፡ ስሱዓትን ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩን ዝነበሩ ሰባት፡ ብኸመይ ዕጉባትን ንጥቕሚ ኻልኦት እውን ዚሓስቡን ከም ዚዀኑ ይምሃሩ።—ፊልጲ 2:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6

6. ተገዛእቲ

ጸገም፦ ገሊኦም ሰባት፡ ዋላ እውን ኣብ ጽቡቕ ሃዋህው ዚነብሩን ዝበለጸ ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ ዚመሃሩን እንተ ዀኑ፡ መታለልትን ብልሹዋትን ኪዀኑ ይመርጹ። ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ንብልሽውና ኼጥፍኣኦ ዘይከኣላ በዚ ምኽንያት እዚ እየን። ስለዚ፡ ብቐንዱ ነቲ ብልሽውና ዜምጽኦ ጕድኣት ኣብ ምንካይ ጥራይ እየን ኬተኵራ ዚኽእላ ደኣ እምበር፡ ካልእ ኪገብራኦ ዚኽእላ የብለንን።

መፍትሒ፦ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገበራኦ ውዕል ጸረ ብልሽውና ኸም ዝገለጾ፡ መንግስትታት ንብልሽውና ኺቃለሳኦ እንተ ደልየን፡ “ንጽህናን ሓቀኛነትን ተሓታትነትን” ንኺሰፍን ኬተባብዓ ኣለወን። እዚ ዚንኣድ ሸቶ እኳ እንተ ዀነ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ነቲ ባህርያት ካብ ምትብባዕ ንላዕሊ እያ እትገብር፣ እዚ ኻብ ተገዛእታ እትጽበዮ ብቕዓት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስሱዓት”ን “ሓሰውትን” ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ እዩ ዚገልጽ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11፣ ራእይ 21:8

ልክዕ ከምቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝገበርዎ፡ ሎሚ እውን ሰባት ነቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪእዘዝዎ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ስምኦን ዝስሙ ወደ መዝሙር፡ ንሃዋርያት ገንዘብ ብምሃብ መንፈሳዊ ውህበት ኪቕበል ምስ ፈተነ፡ እቶም ሃዋርያት ነቲ ጉቦ ብምንጻግ፡ “ካብዚ ኽፍኣትካ ተነሳሕ” በልዎ። ስምኦን እውን፡ እቲ ግጉይ ትምኒቱ ሓደገኛ ምዃኑ ምስ ተገንዘበ፡ ነቲ ዝነበሮ ጸገም ምእንቲ ኺዋጽኣሉ፡ ነቶም ሃዋርያት ኪጽልዩሉ ሓተቶም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:18-24

ብኸመይ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትኸውን

ዜግነትካ ብዘየገድስ፡ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) እዛ መንግስቲ እዚኣ እተዳልዎ መደብ ትምህርቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም እዩ ዚውሃብ ዘሎ፣ ብኸመይ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትኸውን ድማ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብናጻ ዚገብርዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓጒሶም ኬርእዩኻ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሰሙን እንተ ወሓደ ዓሰርተ ደቒቕ ዚወስድ እዩ። ገለ ኻብቲ እትመሃሮ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን” እዛ መንግስቲ እዚኣ ንብልሽውና ብኸመይ ከም እተጥፍኦን ዚገልጽ እዩ። (ሉቃስ 4:43) ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ከኣ ነቲ jw.org/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና ኽትርእዮ ንዕድመካ።

ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ትደሊዶ፧

^ ሕ.ጽ. 8 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 22 ንኣብነት፡ ነታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም፡ ሓቀኛ ኽትከውን ይከኣል ድዩ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።