ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንንጉስ ዚኸውን ገጸ በረኸት

ንንጉስ ዚኸውን ገጸ በረኸት

“ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ፣ . . . መዛግብቶም ከፊቶም ድማ፡ ህያባት ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ሃብዎ።”—ማቴዎስ 2:1, 11

ንሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ፡ እንታይ ህያብ ክትህቦ ምመረጽካ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኡ ቐመማትን ሽቱን ልክዕ ከም ወርቂ ኣኽቢርካ ይርአ ነበረ፣ ኣዝዩ ኽቡር ካብ ምዃኑ እተላዕለ ድማ ንንጉስ ከም ገጸ በረኸት ይውሃብ ነበረ። * በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ን“ንጉስ ኣይሁድ” ገጸ በረኸት ኪህብዎ ኸለዉ፡ ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን እውን ዝሃብዎ።—ማቴዎስ 2:1, 2, 11

ዘይቲ በለሳን

ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን ክትበጽሖ ኸላ ብዛዕባ ዝሃበቶ ገጸ በረኸት ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን [“ዘይቲ በለሳንን፡” NW] ክቡር ኣእማንን ሀበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ቐመማትስ ከቶ ኣይነበረን።” * (2 ዜና መዋእል 9:9) ካልኦት ነገስታት እውን ንንጉስ ሰሎሞን ስምረቶም ንኺገልጹሉ ኢሎም ዘይቲ በለሳን ሰዲዶምሉ እዮም።—2 ዜና መዋእል 9:23, 24

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐመማትን ሽቱን ካብኡ ዚስራሕ ፍርያትን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኽቡር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ነገራት እዚ፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ስነ ጽባቐ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ቀብሪ ይውዕል ነይሩ እዩ። (“ ኣጠቓቕማ ምኡዝ ሽቱ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ምኡዝ ሽቱን ቀመማትን፡ ብብዙሓት ሰባት ይጥለብ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ብሰሪ መጓዓዝያን ዋጋ መሸጣን ክቡር እዩ ነይሩ።

ብምድረ በዳ ዓረብ ምሕላፍ

ቃስያ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀመማትን ሽቱን ዜፍሪ ገሊኡ ኣትክልቲ ኣብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ እዩ ዚበቍል ነይሩ። ገሊኡ ግና ካብ ካልእ ሃገራት እዩ ዚመጽእ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ሽቱን ተጠቒሱ ይርከብ። ገለ ኻብቲ ብዝያዳ ፍሉጥ ዝዀነ ኸኣ፡ ሳፍሮንን ዓልወን በለሳንን ቃርፋን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ይርከቦ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ከም ካሙንን ናዕናዕን ሽላንን ዝኣመሰለ ቐመማት ከም መማቕርቲ ምግቢ የገልግል ነይሩ እዩ።

እዚ ቐመማትን ሽቱን ካበይ እዩ ዚመጽእ ነይሩ፧ ዓልወን ቃስያን ቃርፋን ኣብዚ ሎሚ ቻይናን ህንድን ስሪ ላንካን ዚርከባሉ ቦታታት እዩ ዚርከብ ነይሩ። ከም ከርበን ጻዕዳ ዕጣንን ከኣ ካብቲ ኣብ ምድረ በዳ (ካብ ደቡብ ዓረብ ክሳብ እታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሶማልያ ዚዝርጋሕ) ዚበቍል ኣግራብን ቈጥቋጥን እዩ ዚርከብ ነይሩ። ናርዶስ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ኣኽራናት ሂማላያ ጥራይ ዚርከብ ዝነበረ ቕብኢ እዩ።

ሳፍሮን

መብዛሕትኡ ቐመማትን ሽቱን ኣብ እስራኤል ንኺበጽሕ ብዓዲ ዓረብ እዩ ዚሓልፍ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብመሰረት ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ካልኣይን ቀዳማይን ሽሕ ዓመት ቅ.ክ.፡ ዓረብ “ኣብ መንጎ ሃገራት ምብራቕን ሃገራት ምዕራብን ንዚገብር ምምሕልላፍ ኣቕሑ ንበይና እትዕብልል” ዓዲ ንኽትከውን ብመጠኑ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣብ ነጌቭ ናይ ደቡባዊ እስራኤል ዚርከብ ጥንታዊ ኸተማታትን ዕርድታትን መዓርፎ ቓፍላይን ምልክታት እቲ ነጋዶ ቐመማት ዚሓልፉሉ ዝነበሩ መገድታት ይርከቦ እዩ። ዘዎርልድ ሄሪተይጅ ሰንተር ኦቭ ዩኔስኮ፡ ከም ዝሓበሮ ኸኣ፡ እዚ ሰፈራታት እዚ፡ ‘ነቲ ኻብ ደቡብ ዓረብ ናብ መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ዓብዪ መኽሰብ ዝነበሮ ንግድ’ ዜንጸባርቕ እዩ።

“እዚ መጠኑ ሒደት፡ ዋጋኡ ኽቡር፡ ወትሩ ኸኣ ዚጥለብ ቀመማትን ሽቱን ኣብ ንግድ ተበሃጊ እዩ ነይሩ።” —ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ

እተን ነዚ ምኡዝ ሽቱን ቀመማትን እተጻዕና ቓፍላይ ን1,800 ኪ.ሜ. ዚኣክል ብመገዲ ዓረብ ይሓልፋ ነይረን እየን። (እዮብ 6:19) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ንግድ እተዋፈሩ እስማኤላውያን ቃፍላይ ከም “ሽቱን ቀመምን ከርበን” ተሰኪሞም፡ ካብ ጊልዓድ ናብ ግብጺ ይኸዱ ኸም ዝነበሩ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 37:25) ደቂ ያእቆብ ንሓዎም ዮሴፍ ናብዞም ነጋዶ እዚኦም እዮም ሸይጦምዎ።

“ምስጢር ኰይኑ ብምጽናሕ፡ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ንግድ”

ሽላን

ኣዕራብ ነጋዶ ንመብዛሕትኡ ንግድ ቀመምን ሽቱን ንዘመናት ዚኣክል ተቘጻጺሮምዎ ነይሮም እዮም። ከም ቃስያን ቃርፋን ዝኣመሰለ ቐመማት ካብ እስያ ዜምጽኡ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ኣዕራብ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሃገራት መዲተራነያን ምስቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዘሎ ምንጪ፡ ቀጥታዊ ንግዳዊ ርክብ ምእንቲ ኸይገብራ ኢሎም ከኣ፡ ቀመማትን ሽቱን ንምርካብ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ወረ ፈጢሮም ኣናፈሱ። ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ምንጪ ቐመማትን ሽቱን “ምስጢር ኰይኑ ብምጽናሕ፡ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ንግድ” ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገለጸት።

ካሙን

ኣዕራብ እንታይ ወረ እዮም ኣናፊሶም፧ ኣብ መበል ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዶተስ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ኻብቲ ወረ፡ ‘ዜፍርሃ ኣዕዋፍ ንሰፈረን ኪብጻሕ ኣብ ዘይክእል ኣጻድፍ ብቕላጣት ቀረፋ ኸም ዝሰርሓኦ እሞ፡ ሰባት ነዚ ኽቡር ቀመም እዚ ንምርካብ፡ ኣብ እግሪ እቲ ጸድፊ ብዙሕ ስጋ ኸም ዜቐምጡ፡ ሽዑ እተን ኣዕዋፍ ብህርፋን ነቲ ስጋ ተሰኪመን ናብ ሰፈረን ምስ ከዳ፡ እቲ ሰፈረን ናብ ምድሪ ይወድቕ፡ እቶም ሰባት ከኣ ተቐላጢፎም ነቲ ቓርፋ ኣርዮም ንነጋዶ ይሸጥዎ’ ዚብል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወረታት ኣብ ኵሉ ተዘርግሐ። ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ፡ “ቃርፋ ምእካብ ከም ሓደገኛ ይቝጽር ስለ ዝነበረ፡ እዚ ቐመም እዚ ብኣዝዩ ኽቡር ዋጋ እዩ ዚሽየጥ ነይሩ” በለት።

ጥማር ቃርፋ

ኣብ መወዳእታ፡ ምስጢር እቶም ኣዕራብ ስለ እተቐልዐ፡ እቲ ንበይኖም ዚምዝምዝዎ ዝነበሩ ንግድ ካልኦት እውን ኪጥቀሙሉ ጀመሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. እስክንድርያ፡ ግብጺ፡ ዓባይ ወደብን ሕምብርቲ ንግድ ቀመማትን ሽቱን ኰነት። ባሕረኛታት ነቲ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዚነፍስ ንፋሳት ሞንሱን ብኸመይ ከም ዚጠቀሙሉ ምስ ፈለጡ፡ መራኽብ ሮሜ ኻብ ወደባት ግብጺ ናብ ህንዲ ኺጐዓዛ ጀመራ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንምሾት ዚኸውን ቀመማትን ሽቱን ብብዝሒ ኺርከብ ጀመረ፡ ዋጋኡ ኸኣ ሓሰረ።

ሎሚ፡ ዋጋ ቐመማትን ሽቱን ምስ ወርቂ ኣይወዳደርን እዩ። ንቐመማትን ሽቱን ንንጉስ ዚኸውን ገጸ በረኸት ከም ዝዀነ ጌርና እውን ኣይንቘጽሮን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንጨናን ንመድሃኒትን ይጥቀሙሉ እዮም፣ ንመመቀሪ ምግቢ እውን ይጥቀሙሉ እዮም። እወ፡ እቲ ዘወናውን መኣዛ ዘለዎ ቐመማትን ሽቱን፡ ከምቲ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ተፈታዊ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ተፈታዊ እዩ።

ቃርፋ

^ ሕ.ጽ. 3 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ “ቐመም” ወይ “ቀመማት” ተባሂሉ እተተርጐመ ቓላት እቲ በዅሪ ቛንቋ፡ ብቐንዱ ንመማቕርቲ ምግቢ ዘይኰነስ ነቲ ፍርያት ተኽሊ ዝዀነ ሽቱ እዩ ዜመልክት።

^ ሕ.ጽ. 4 “ዘይቲ በለሳን” ካብ ኣግራብን ካብ ቈጥቋጣትን ንዚርከብ ምኡዝ ጨና ዘለዎ ዘይቲ ወይ ዕንዲዳ የመልክት።