ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል ዲና፧

ኣምላኽ ብዛዕባኡ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ኽንረክብ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ

ኣምላኽ ሓሳባቱ ንሰባት የመሓላልፍ እዩ። ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ወይ ብንጡፍ ሓይሉ ኣቢሉ እዩ ሓሳባቱ ኣመሓሊፍሎም። (2 ጴጥሮስ 1:20, 21) ንሕና ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።

ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሱ ብዙሕ ነገራት ገሊጹ ኣሎ። ንሰባት ስለምንታይ ከም ዝፈጠሮምን ንመጻኢ እንታይ ከም ዜዳለወሎምን ህይወትና ብኸመይ ክንመርሓ ኸም ዚደልይናን ገሊጹ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:24-27) የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ኽንረክብ እዩ ዚደልየና።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንፈተውቲ ሓቂ ሓንጐፋይ ኢሉ ዚቕበሎም ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ እዩ። ንደቂ ሰብ ሓቂ ምእንቲ ኺምህር ከኣ፡ ንወዱ የሱስ ናብ ምድሪ ሰዲድዎ እዩ። ስለዚ፡ ፈተውቲ ሓቂ ናብ የሱስ ይቐርቡ እዮም። (ዮሃንስ 18:37) ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ።—ዮሃንስ 4:23, 24 ኣንብብ።

ሰይጣን ድያብሎስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ዘይኰነ ትምህርትታት ብምዝርጋሕ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ከም ዘይፈልጡ ገይርዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ጽቡቕ ዘይፈትዉ ሰባት፡ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይጽለዉ እዮም። (ሮሜ 1:25) ይኹን እምበር፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቕኑዓት ሰባት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ይረኽቡ ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11 ኣንብብ።