ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ

ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ መጽሓፍ

ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ መጽሓፍ

ብዝዀነ ይኹን መለክዒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ እዩ። ክንደይ ይገብር እዩ ተጻሒፉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እዩ ኺጽሓፍ ተጀሚሩ። እዚ ድማ ብግዜ እቲ ናይ ቻይና ስርወ ንግስነት ሻንግ ተጻሒፉ ወይ ኣብ ህንዲ ቡድህና ቕድሚ ምጅማሩ ኣስታት ዓሰርተ ዘመን ኣቐዲሙ ተጻሒፉ ማለት እዩ።—“ ሓበሬታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወት ንዚለዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን ዜዕግብ መልስታት ኣለዎ

ሓደ መጽሓፍ ንሰባት ዚሕግዝን ዚጠቅምን መምርሒ ንምዃን፡ ርዱእን ምስ ህይወቶም ዚዛመድን ኪኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዜማልእ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ህይወት ንዚለዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን ዜዕግብ መልስታት ኣለዎ።

ንኣብነት፡ ‘ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ። ደቂ ሰብ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንኣሽሓት ዓመታት መልሲ ኼናድዩላ ጸኒሖም እዮም፣ ገና እውን የናድዩላ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ መልሳ ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቐዳሞት ክልተ ምዕራፋት መጽሓፍ ዘፍጥረት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣባታተን ዚርከብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ካብቲ ቢልዮናት ዓመታት ይገብር ዝነበረ “መጀመርታ” ኣትሒዙ ኼዘንቱ ይጅምር፣ እቲ ግዜ እቲ ድማ፡ እዚ ንጋላክሲታትን ንኸዋኽብትን ንምድርን ዜጠቓልል ዘለናሉ ግኡዝ ዩኒቨርስ እተፈጥረሉ እዋን እዩ። (ዘፍጥረት 1:1) ድሕሪኡ፡ ምድሪ በብደረጃኡ ብኸመይ ህያው ዘበለ ዚነብረላ ኸም ዝዀነትን ብኸመይ በብዓይነቱ ህያው ከም እተፈጥረን ብኸመይ ሰብ ከም እተፈጥረን ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ ኵሉ እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ እውን ይሕብር እዩ።

ርዱእ ኪኸውን እተጻሕፈ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዓልታዊ ጸገማትና ንምፍታሕ ዚሕግዝ ግብራዊ ምኽሪ ይህበና እዩ። እቲ ምኽሩ ድማ ንምርዳኡ ቐሊል እዩ። ቀሊል ዚገብሮ ኽልተ ረቛሒ ኣለዎ።

ቀዳማይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀመሉ ቛንቋ ንጹርን ቀጥታውን ማራኽን እዩ። ንምርዳኡ ኸቢድን ምስጢራውን ቃላት ዘይኰነስ፡ ቀሊልን ርዱእን ቃላት እዩ ዚጥቀም። ኣብኡ ዚርከብ ከቢድ ሓሳባት እኳ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብዜጋጥመና ልሙድ ቃላት እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ንኣብነት፡ የሱስ ንልቢ ሰባት ዚትንኪ ትምህርቲ ንምምሃር፡ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዜጓንፎም ሓያሎ ቐሊል ምሳሌታት ተጠቒሙ እዩ። ሓያሎ ኻብቲ ምሳሌታቱ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ማቴዎስ ካብ ምዕራፍ 5 ኽሳብ 7 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ይርከብ እዩ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ ነቲ ስብከት እቲ “ግብራዊ መደረ” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ፡ ዕላማኡ “ንርእስና ብሓሳባት ምምላእ ዘይኰነስ፡ ንተግባራትና ንምምራሕን ንምእላይን” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ነዘን ምዕራፋት እዚአን ንምንባብ፡ ካብ 15 ክሳዕ 20 ደቒቕ ኣቢሉ እዩ ዚወስድ። ኣባታተን ድማ ቃላት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ቀሊልን ሓያልን ምዃኑ ኽትርእዮ ኢኻ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ቐሊል ዚገብሮ ኻልእ ረቛሒ ኸኣ ትሕዝቶኡ እዩ። ብጽውጽዋያት ዝመልአ መጽሓፍ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ከምቲ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ዚገልጾ፡ መብዛሕትኡ ኽፋሉ ብዛዕባ እቲ “ዓበይትን ተራን ሰባት” ዘሕለፍዎ “ቓልስታትን ተስፋታትን ውድቀታትን ዓወታትን” እዩ ዚገልጽ። ነቲ ብዛዕባ እዞም ናይ ሓቂ ሰባትን ብዛዕባ እቲ ብሓቂ እተፈጸመ ፍጻመታትን ዚገልጽ ዛንታታት ኰነ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ትምህርትታት ብቐሊሉ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4

ኵሉ ኺረኽቦ ዚኽእል

ንሓደ መጽሓፍ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ብእትፈልጦ ቛንቋ እተጻሕፈ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ግዜና፡ እትነብረሉ ዓዲ ወይ ካበየናይ ብሄር ምዃንካ ብዘየገድስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብእትርድኦ ቛንቋ ናይ ምርካብ ዕድልካ ኣመና ሰፊሕ እዩ። ከመይ ኢሉ እዚ ኪኸውን ከም ዝኸኣለ እስከ ንርአ።

ትርጉም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ብእብራይስጥን ብኣራማይስጥን ብግሪኽኛን እዩ ተጻሒፉ። ስለዚ ድማ ውሱናት ሰባት ጥራይ እዮም ኬንብብዎ ዚኽእሉ ነይሮም። ነቲ ጽሑፍ ብኻልኦት ቋንቋታት ንምድላው፡ ቅኑዕ ዝልቦም ተርጐምቲ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ሳላ እቲ ጻዕሮም ድማ፡ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብኣስታት 2,700 ቋንቋ ተተርጒሙ ኣሎ። እዚ ኸኣ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደቂ ሰብ፡ እንተ ወሓደ ንገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዲኦም ኬንብብዎ ይኽእሉ ማለት እዩ።

ሕትመት። እቲ በዅሪ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከም ብራናን ጳጲሮስን ዝኣመሰለ ዚባላሾ ናውቲ ጽሕፈት እዩ ተጻሒፉ። ነቲ መልእኽቲ እቲ ንምምሕልላፍ፡ እቲ ጽሑፋት ብጥንቃቐ ደጋጊምካ ብኢድ ኪቕዳሕ ነይርዎ። በዚ ኸምዚ ዚዳሎ ቕዳሓት ኣዝዩ ኽቡር ብምንባሩ፡ ብዙሓት ሰባት ኬጥርይዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ልዕሊ 550 ዓመት ይገብር ሓታሚት ማኪና ጉተንበርግ ካብ እትመሃዝ ንነጀው ግና፡ ዝርጋሐ መጽሓፍ ቅዱስ እናወሰኸ ኸይዱ። ብመሰረት ሓደ ግምት፡ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኣብዚ መዳያት እዚ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዋዳደር ዚኽእል ካልእ ሃያማኖታዊ ጽሑፍ የልቦን። እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ መጽሓፍ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንምርዳኡ ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ሓገዝ እውን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣበይ ኢና ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል፧ ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኻብኡ ኽትጥቀም ትኽእል፧ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ መልሲ እዚ ሕቶታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።