ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ብኸመይ ሓገዝ ትረክብ፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ብኸመይ ሓገዝ ትረክብ፧

ንፈለማ ግዜ ናብ ዓዲ ጓና ኸም ዝገሽካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ቅድሚኡ ዘይትፈልጦ ህዝብን ባህልን ምግብን ገንዘብን ድማ ኣጋጢሙካ። ብሰንኪ እዚ ኽትበሳጮ ትኽእል ኢኻ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜኻ ምስ ኣንበብካዮ፡ ከምኡ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ናብ ከም ዓዲ ጓና ጌርካ እትርእዮ ጥንታዊ ዓለም ኢኻ እትምለስ። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን ዚብሃሉ ህዝቢ፡ ብዛዕባ ኸም ‘ምቕዳድ ክዳን’ ዝኣመሰለ ዘይትፈልጦ ባህሊ፡ ብዛዕባ ማና ዚብሃል ምግቢ፡ ወይ ብዛዕባ ድራክማ ዚብሃል ገንዝበ ከተንብብ ኢኻ። (ዘጸኣት 16:31፣ እያሱ 13:2፣ 2 ሳሙኤል 3:31፣ ሉቃስ 15:9) እዚ ዅሉ ንምርዳኡ ኪኸብድካ ይኽእል እዩ። ከምቲ ናብ ዓዲ ጓና ኣብ እትገሸሉ እዋን ከይትጋየሽ ዚሕግዘካ ወዲ ዓዲ ብዙሕ ኪጠቕመካ ዚኽእል፡ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትረኽቦ ዘይትፈልጦ ነገራት ዚገልጸልካ እንተ ትረክብሲ ኣይምሓገዘካንዶ፧

ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝነበረ ሓገዝ

ካብቲ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ንፈለማ ግዜ ኣብ መበል 16 ዘመን ቅ.ክ. እተጻሕፈሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ሰባት ነቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺርድእዎ ሓገዝ ኪውሃብ ጸኒሑ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መራሒ ህዝቢ እስራኤል ዝነበረ ሙሴ፡ ነቲ እተጻሕፈ “ኺገልጾ ጀመረ” ዚብል ነንብብ ኢና።—ዘዳግም 1:5

ድሕሪኡ ኣስታት ዓሰርተ ዘመን ዚኸውን ምስ ሓለፈ እውን፡ ብቑዓት መምህራን ቅዱሳት ጽሑፋት ይምህሩ ነይሮም እዮም። ብ455 ቅ.ክ.፡ ብዙሓት ኣይሁድ፡ እንተላይ ሓያሎ ቘልዑ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ኣደባባይ ተኣኪቦም ነይሮም እዮም። ሽዑ፡ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ቦታ እቲ ተረኺቦም፡ “ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበቡሎም። እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ፡ ገለጹሎም።”—ነህምያ 8:1-8

ድሕሪኡ ሓሙሽተ ዘመን ምስ ሓለፈ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ተመሳሳሊ ዕዮ ትምህርቲ ተጸሚዱ ነይሩ እዩ። የሱስ ብቐዳምነት መምህር ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። (ዮሃንስ 13:13) ንብዙሓት ህዝብን ንውልቀ ሰባትን ምሂሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ህዝቢ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከቱ ምስ ኣቕረበ፡ “እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።” (ማቴዎስ 5:1, 2፣ 7:28) ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ሓንቲ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ቍሸት እናኸደ ኺዛራረብ ከሎ፡ ‘ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ገሊጹሎም እዩ።’—ሉቃስ 24:13-15, 27, 32

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን መምህራን ቃል ኣምላኽ እዮም ነይሮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት የንብብ ነበረ። ፊልጶስ ዝስሙ ወደ መዝሙር ከኣ ናብኡ ቐሪቡ፡ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ፡ ፊልጶስ ነቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፋል ገለጸሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:27-35

ሎሚ ዘሎ ሓገዝ

ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ግዜ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ፡ ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ 239 ሃገራት ኣብ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጸሚዶም ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ንልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ውልቀ ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ኣብ ሰሰሙን ይሕግዝዎም ኣለዉ። ሓያሎ ኻብዞም ተምሃሮ፡ ካብ ህዝበ ክርስትያን ኣይኰኑን። እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ ብናጻ ዚውሃብ ኰይኑ፡ ኣብ ቤት ወይ ኣብ ካልእ ዚጥዕም ቦታ ኺግበር ይከኣል እዩ። ገሊኦም እሞ ኸኣ ብተሌፎን ወይ ብኮምፕዩተር ብዚመሓላለፍ ድምጺ ወይ ቪድዮ ኣቢሎም ይምሃሩ እዮም።

ካብዚ መሰናድዎ እዚ ኸመይ ጌርካ ኽትጥቀም ከም እትኽእል ንምፍላጥ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኽኽር ክትራኸብ ነተባብዓካ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ዜጸግም መጽሓፍ ዘይኰነስ፡ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቕካ እተዳሎኻ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ ንትምህርትን ንመግናሕትን ንምቕናዕን ብጽድቂ ንምግሳጽን ዚጠቅም’ ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17