ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግብዝና—መወዳእታ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧

ግብዝና—መወዳእታ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧

ፓናዮታ ኣብ መዲተራነያን ኣብ እትርከብ ደሴት እያ ዓብያ። ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ፖለቲካ ሓያል ተገዳስነት ነይርዋ። ጸኒሓ ኸኣ ኣብታ እትነብረላ ቝሸት፡ ጸሓፊት ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዀይና ኣገልጊላ እያ። ኣብ በቤት እናኸደት እውን ነቲ ሰልፊ ገንዘብ ኣኪባ እያ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ብእትርእዮ ዝነበረት ክትጕሂ ጀሚራ። ኣባላት እቲ ሰልፊ ንሓድሕዶም ‘ብጻይ’ እናተባሃሃሉ ዚጸዋውዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መንጎኦም ሌላን ጕሌላን ህርፋን ስልጣንን ምስሕሓብን ቅንእን ነይሩ እዩ።

ዳንየል ከኣ ኣብ ኣይርላንድ ኣብ ዚርከቡ ንሃይማኖቶም ብጽኑዕ ኣብ ዚድግፉ ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ግብዝና ኻህናት ርእዩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሱ እንተ ሓጢኡ ኣብ ገሃነም ከም ዚቃጸል እናሰበኹሉ ኽነሶም፡ ንሳቶም ንባዕሎም ግና ብዙሕ መስተ ይሰትዩን ይጣልዑን ካብ መባእ ይሰርቁን ነይሮም እዮም።

ጀፍሪ መብዛሕትኡ ናይ ስራሕ ህይወቱ፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደምን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ንዝመደበሮም ወነንቲ መራኽብ ኣብ ምውዕዋዕን ኣብ ምሻጥን እዩ ኣሕሊፍዎ። ዓማዊልን ተወዳደርትን ምስ ሰበ ስልጣን ኪዋዓዓሉ ኸለዉ፡ ኣብ ሸፈጥ ዝኣተዉሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይዝክር እዩ። ነቲ ውዕል ናታቶም ንምግባር፡ ብግብዝና ናይ ሸፈጥ ቃላት ይጥቀሙ እዮም።

እቲ ዜሕዝን ድማ፡ እዚ ሳሕቲ ዜጋጥም ጕዳይ ኣይኰነን። ግብዝና ዳርጋ ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ሰባት፡ ማለት ኣብ ፖለቲካን ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ንግድን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። እታ ንግቡዝ እተመልክት ናይ እንግሊዝኛ ቓል፡ ማስኬራ ንዝገበረ መዳሪ ወይ ተዋሳኢ ኻብ እተመልክት ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት እያ። እታ ቓል እቲኣ ድማ ድሕሪ ግዜ ንኻልኦት ንምትላል ወይ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሱ ኢሉ ንዜምስል ዝዀነ ይኹን ሰብ ከተመልክት ጀሚራ።

ግብዝና ነቶም ብእኡ እተጸልዉ ኼማርሮምን ኬቘጥዖምን ቅር ኬብሎምን ካልእ ሓያል ስምዒታት ኬሕድረሎምን ይኽእል እዩ። እቶም ግዳያት ዝዀኑ ድማ ብብስጭት፡ “ግብዝና—መወዳእታ ደዀን ይህልዎ ይኸውን፧” ይብሉ ይዀኑ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ መወዳእታ ኸም ዚህልዎ ኽንኣምን ዜኽእለና ምኽንያታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ንረክብ ኢና።

ኣምላኽን ወዱን ንግብዝና ብኸመይ ይርእይዎ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግብዝና ኣብ ሰባት ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ ኣብ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር እዩ ጀሚሩ። ኣብ ፈለማ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ብተመን ገይሩ፡ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ንምስሓት ከም ዚጠቕማ መሲሉ ቐረባ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ብዙሓት ሰባት ዘይኰንዎ መሲሎም ኪቐርቡ ጸኒሖም እዮም፣ ከምኡ ዚግበሩ ድማ ንኻልኦት ንምትላልን ንርእሶም ዚጠቕሞም ነገር ንምርካብን ኢሎም እዮም።

ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ኣብ መጻወድያ ናይ ሓሶት ኣምልኾን መንፈሳዊ ግብዝናን ምስ ወደቑ፡ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ሳዕቤናቱ ኣጠንቂቕዎም እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ይቐርበኒ፡ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ’ ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 29:13) እቲ ህዝቢ ኻብ መገዱ ምምላስ ምስ ኣበየ፡ ሓይልታት ወጻኢ ነታ ሃያማኖታዊ ማእከል እስራኤል ዝነበረት የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ኬጥፍእዋ ኣምላኽ ፈቒዱ እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ፈለማ ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ክ.፡ ደሓር ከኣ ሰራዊት ሮማውያን ብ70 ድ.ክ. ኣዕነውዋ። እምበኣር፡ ኣምላኽ ንግብዝና፡ ንሓዋሩ ኣይጻወሮን እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣምላኽን ወዱ የሱስን ንቕኑዓትን ንሓቀኛታትን ሰባት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎም። ንኣብነት፡ የሱስ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ፡ ናትናኤል ዚብሃል ሰብ ናብኡ መጸ። የሱስ ከኣ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ፡ ተንኰል ዚብሃል ዘይብሉ እስራኤላዊ” በለ። (ዮሃንስ 1:47) እቲ በርተሎሜዎስ እውን ተባሂሉ ዚፍለጥ ናትናኤል ድማ፡ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት የሱስ ኰነ።—ሉቃስ 6:13-16

የሱስ ምስ ሰዓብቱ ግዜ የሕልፍን ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ይምህሮምን ነይሩ እዩ። ኣባታቶም ግብዝና ኺህሉ ኸም ዘይብሉ እውን ምሂርዎም እዩ። መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪዀኖም ከኣ፡ ንግብዝና እቶም ናይ ሽዑ መራሕቲ ሃይማኖት ኣትሪሩ ዀኒኑ እዩ። ገለ ኻብቲ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዚገብርዎ ዝነበሩ እሞ ንርአ።

“ጽድቆም” ንርኣዩለይ ዚግበር እዩ ነይሩ። የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም፡ ጽድቅኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ፣ . . . ከምቲ እቶም ግቡዛት . . . ዚገብርዎ [ኣይትግበሩ]” ኢልዎም እዩ። ምጽዋቶም “ብሕቡእ” ወይ ብስቱር ኪምጽውቱ እውን ነጊርዎም እዩ። ብኻልኦት ምእንቲ ኺርኣዩ ኢሎም ዘይኰነስ፡ ብስቱር ኪጽልዩ ድማ ምዒድዎም እዩ። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ኣምልኾኦም ናይ ሓቂ ይኸውን፡ ኣቦኦም እውን ኣኽቢሩ ይርእዮ።—ማቴዎስ 6:1-6

ነቐፍቲ እዮም ነይሮም። የሱስ፡ “ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንኸተውጽእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:5) ዝዓበየ ጕድለት እናሃለዎ ናብ ጕድለት ካልኦት ዜተኵር ሰብ፡ ዘይኰኖ መሲሉ እዩ ዚርአ። ከም ሓቂ ግና፡ “ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲልዎም እዩ።”—ሮሜ 3:23

ሕማቕ ውሽጣዊ ድራኸ ነይርዎም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ሄሮድሳውያንን ናብ የሱስ ቀሪቦም ብዛዕባ ግብሪ ሕቶ ሓቲቶምዎ ነይሮም እዮም። ናይ ሽሕጣን ቃል ብምጥቃም ድማ፡ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካን መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እትምህርን ንፈልጥ ኢና” በልዎ። ድሕሪኡ፡ “ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧” እትብል ሕቶ ብምቕራብ ኪጠልፍዎ ፈተኑ። የሱስ ግና፡ “ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። “ብዘረባኡ ምእንቲ ኺጠልፍዎ” ኢሎም ደኣ እምበር፡ መልሲ እታ ሕቶ ደልዮም ስለ ዘይመጹ፡ የሱስ “ግቡዛት” ኢሉ ኺጽውዖም ሓቁ እዩ።—ማቴዎስ 22:15-22

ናይ ሓቂ ክርስትያናት “ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን ግብዝና ኻብ ዘይብላ እምነትን እትርከብ ፍቕሪ” የርእዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:5

ክርስትያናዊት ጉባኤ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ምስ ተመስረተት፡ ሓቅን ቅንዕናን ዚዕምብበሉ ሃዋህው ተፈጥረ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንግብዝና ኻብ ባህርያቶም ንምጥፋእ ኣበርቲዖም ጸዓሩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ዝነበረ ጴጥሮስ፡ ንክርስትያናት፡ ‘ንሓቂ እዙዛት ኪዀኑን ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ ኽትህልዎምን’ ኣተባቢዖም እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:22) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ንመዓይይቱ ዘበሉ፡ “ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን ግብዝና ኻብ ዘይብላ እምነትን እትርከብ ፍቕሪ” ኼርእዩ ኣተባቢዕዎም እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:5

ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታት የሱስን ሃዋርያቱን፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሮ፡ ሕጂ እውን ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣ ነፍስን መንፈስን፡ መላግቦን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (እብራውያን 4:12) ብዙሓት ሰባት ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጦምን ምስኡ ተሰማሚዖም ንምንባር ጻዕሪ ምግባሮምን፡ ካብ ግብዝና ርሒቖም ብሓቀኛነትን ብቕንዕናን ኪመላለሱ ሓጊዝዎም እዩ። ነቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ሰለስተ ሰባት እስከ ንርአ።

“ንብጻዮም ሰብ ብሓቂ ኼፍቅርዎን ብሓቂ ኺግደሱሉን እየ ርእየ።”—ፓናዮታ

ፓናዮታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኽትእከብ ዕድመ ምስ ቀረበላ፡ ኣብ ህይወታ ነጥበ መቐይሮ እዩ ዀይኑላ። ንኻልኦት ንምምራኽ ተባሂሉ ንርኣዩለይ ዚግበር ደጋዊ መርኣያ ጽድቂ ኣይረኣየትን። ብዛዕባ እቲ ዝረኣየቶ፡ “ኣብኡ ንብጻዮም ሰብ ብሓቂ ኼፍቅርዎን ብሓቂ ኺግደሱሉን እየ ርእየ፣ እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ዝነጥፈሉ ዝነበርኩ ዓመታት ርእየዮ ዘይፈልጥ እዩ ነይሩ” ትብል።

ፓናዮታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት እሞ ዕቤት እናገበረት ክሳዕ ጥምቀት በጽሐት። እዚ ዝዀነ 30 ዓመት ይገብር እዩ። ሕጂ ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንፖለቲካዊ ሰልፊ ንምውዕዋዕ ኣብ በቤት ኣብ ዝኸደሉ ዝነበርኩ እዋን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እታ ፍትሓዊት ዓለም ከተምጽእ እትኽእል እንኮ መገዲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ምስ ጀመርኩ እየ ህይወተይ ናይ ሓቂ ትርጉም ኪህልዎ ኽኢሉ።”

“ዘይኰንክዎ መሲለ ኣብ ቅድሚ ክርስትያናት ብጾተይ ክመላለስ ኣይከኣልኩን።”—ዳንየል

ዳንየል ድማ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዕቤት ድሕሪ ምግባር፡ እተወሰነ ሓላፍነታት ተዋሂብዎ ኣሎ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ምስ ተጋገየ፡ ሕልናኡ ኺርብሾ ጀሚሩ። ንሱ እውን ሽዑ ንዝገብሮ ነገር ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ቅድሚ ዓመታት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ግብዝና ትዝ ስለ ዝበለኒ፡ ነቲ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎተይ ምሕዳግ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። ዘይኰንክዎ መሲለ ኣብ ቅድሚ ክርስትያናት ብጾተይ ክመላለስ ኣይከኣልኩን።”

እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ዳንየል ንእተወሰነ እዋን ምስ ተኣረመ፡ ነቲ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎቱ ብሰናይ ሕልና ኪቕጽሎ ኸም ዚኽእል ተሰምዖ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጉባኤኡ ሓላፍነታት ተቐቢሉ የገልግል ኣሎ። እዚ ባህ ዜብል ቅንዕና እዚ፡ ኣብቶም ንኣምላኽ ብዘይ ግብዝና ዜገልግልዎ ልሙድ እዩ። ካብ ዓይኒ ሓዎም ‘በሰር ኬውጽኡ’ ቕድሚ ምብጋሶም፡ ካብ ዓይኖም ‘ሰርወ ምውጻእ’ ተማሂሮም እዮም።

“ናይ ሸፈጥ ቃላት ዝጥቀም ለመጭን ተዛራብን ሸያጣይ ክኸውን ከም ዘይክእል ተረዲኡኒ። ሕልናይ . . . ተጸልዩ ነይሩ እዩ።”—ጀፍሪ

እቲ ንህይወቱ ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ዘሕለፎ ጀፍሪ ድማ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ፡ ውዕል ንምእሳር ኢለ ናይ ሸፈጥ ቃላት ዝጥቀም ለመጭን ተዛራብን ሸያጣይ ክኸውን ከም ዘይክእል ተረዲኡኒ። ሕልናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ ከም ምሳሌ 11:1 ዝኣመሰለ ‘ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን ምዃኑ’ ዚገልጽ ፍቕድታት ተጸልዩ ነይሩ እዩ” ይብል። እወ፡ ጀፍሪ ዘይከም እቶም ንየሱስ ብዛዕባ ግብሪ ዝሓተትዎ ሰባት፡ ምስ ብጾቱ ክርስትያናት ኰነ ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ዘለዎ ርክብ ብውሽጡ ኻልእ ነገር እናሓሰበ ኪቐርቦም ከም ዘይግባእ ተማሂሩ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ይጽዕሩ ኣለዉ። “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና” ኺለብሱ ኸኣ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ኣለዉ። (ኤፌሶን 4:24) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት ምዃኖምን እንታይ ከም ዚኣምኑን ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክትምሃር ብኸመይ ኪሕግዙኻ ኸም ዚኽእሉን ክትፈልጥ ነተባብዓካ። እታ ሓዳስ ዓለም እቲኣ ድማ ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ብምዃና፡ ኣብኣ ግብዝና ኣይኪህሉን እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13