መዝሙር 43
ጸሎት ምስጋና
-
1. ኦ የሆዋ፡ ተቐበል ውዳሰና።
ስምዓና ነዚ ጸሎት ምስጋና።
ብምሉእ ልብና ነገልግለካ፡
ኴንና ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓልዮትካ።
ጌጋታትና ይሕብር’ዩ ድኽመትና።
ምሕረት ንልምን ንኣበሳና።
ምስጋና ’ኹንካ ስለ ርሕራሐኻ፣
ምስጋና ’ኹንካ ስለ ድንጋጽካ።
-
2. ኣቕሪብካና’ኻ ’ሞ ነመስግነካ፣
ስለ ፍቕርኻ፡ ስለ ለውሃትካ።
ምሃረና ምእንቲ ኽንፈልጠካ፣
ኣስተምህረና’ውን መገድኻ።
ነመስግነካ ስለቲ መንፈስካ፣
ተቢዕና ኢና ሳላ ሓይልኻ።
ኦ ኣምላኽ፡ ትሑት ልቢ ፍጠረልና፡
ከነገልግለካ ተሓጒስና።