መዝሙር 45
ምስትንታን ልበይ
-
1. ’ቲ ኣብ ልበይ ዘስተንትኖ፡
’ቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝሓስቦ፡
ኦ የሆዋ፡ ባህ የብልካ፡
ይኹነለይ ክፍኣት ኣልቦ።
ጭንቀት ኪኸብደኒ ኸሎ፡
ለይቲ ድቃስ ኬስእነኒ፡
ሽዑ፡ ምስትንታነይ ንጹህ
ኪዀነለይ ሓግዘኒ።
-
2. ንጹህ፡ ዚንኣድ ዘበለ፡
ሰላም ዚህብ ንኣእምሮይ፡
ጽቡቕ ዘረባ ዘበለ፡
ወትሩ ይኹን ሓሳባተይ።
ኦ ያህ፡ ኣየ ሓሳባትካ፡
ታእላው፡ ዘይጽብጸብ ድምሩ።
ከስተንትነሉ’የ ቓልካ፡
ኣብ ልበይ ከንብሮ ወትሩ።
(መዝ. 49:3፣ 63:6፣ 139:17, 23፣ ፊል. 4:7, 8፣ 1 ጢሞ. 4:15 እውን ርአ።)