መዝሙር 83
“ኣብ በቤት”
-
1. ፈቐዶ ቤት፡ ’ወ ኣብ በቤት፡
ቃል ኣምላኽ ንነግር።
ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን፡
ቃሉ’ና ንምህር።
እቲ የሱስ ’ተነበዮ፡
ብስራት መንግስቲ፡
ይእውጅዎ ኣለዉ
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ።
-
2. ፈቐዶ ቤት፡ ’ወ ኣብ በቤት፡
ድሕነት ነበስሮም።
ስም ኣምላኽ ንዚጽውዑ፡
ነዚ ነብጽሓሎም።
ከመይ ገይሮም ኪጽውዑ፡
ንዘይፈልጥዎ ስም፧
ሃየ እሞ ንስም ኣምላኽ
ብንጹር ነፍልጦም።
-
3. ንዑ ንኺድ ፈቐዶ ቤት፡
ክንነግር ብስራት።
ዚደልይዎ፡ ዚመርጽዎ፡
ይሕረዩ ’ቶም ሰባት።
’ተ ወሓደ መን ምዃኑ
የሆዋ ኣምላኽና፡
ጽቡቕ ገይሮም ኪፈልጥዎስ፡
ንኺድ ከይሰልከና።