ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ

ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ

(መዝሙር 96:8)

ኣራግፍ፦

  1. 1. ግርማዊ ኢኻ የሆዋ፡

    ልዑል እዩ ዝፋንካ።

    ’ታይ ውሬታ ክኸፍለካ፡

    ነቲ ፍቕራዊ ሓልዮትካ፧

    ተንቃዕረርኩ ናብ ሰማያት፡

    ደንጺኒ ‘ቲ ድንቅታት።

    ኣነስ መን’የ ኦ የሆዋ፡

    እተርእየኒ ሞገስካ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ‘ቦይ በጃኻ ስምዓዮ፡

    ቅኒት ናይዚ መዝሙረይ፡

    ኦ ኣምላኸይ ይብጻሕካ ውዳሰይ።

    ንጉስ ዘልኣለም ኢኻ፡

    ክብሪ ይኹን ንዓኻ።

  2. 2. ትኹን ህይወተይ ንዓኻ፡

    ውዳሰ ተምጽኣልካ።

    እነግር ሕያውነትካ፡

    ብሓጐስ አገልግለካ።

    ንዓኻ ብምግልጋለይ፡

    ዓብዪ ክብሪ’ዩ ንዓይ።

    ሓይለይ ኢኻ ’ወኽብረተይ፡

    ዘልኣለማዊ መምህረይ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ‘ቦይ በጃኻ ስምዓዮ፡

    ቅኒት ናይዚ መዝሙረይ፡

    ኦ ኣምላኸይ ይብጻሕካ ውዳሰይ።

    ንጉስ ዘልኣለም ኢኻ፡

    ክብሪ ይኹን ንዓኻ።

  3. 3. ደሃይ ውቅያኖስ ባሕሪ፡

    ድሙቕ ጸሓይ ናይ ቀትሪ፣

    ህያብ ልግስኻ ይዛሪ፡

    የዘንቱ ‘ዩ ናትካ ፍቕሪ።

    ግርማ ጽባቐ ጥበብካ፡

    ፍጹም የሎን ከማኻ፡

    ክብርን ውዳሰን ንዓኻ፡

    ኵሉ ስለ ዝፈጠርካ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ‘ቦይ በጃኻ ስምዓዮ፡

    ቅኒት ናይዚ መዝሙረይ፡

    ኦ ኣምላኸይ ይብጻሕካ ውዳሰይ።

    ንጉስ ዘልኣለም ኢኻ፡

    ክብሪ ይኹን ንዓኻ።

(መዝ. 96:1-10፣ 148:3, 7 እውን ርአ።)