ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 152

ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

(ምሳሌ 14:26)

  1. ኦ የሆዋ፡ ኣተስፊኻና፡

    ሂብካ ኽቡር ተስፋ፣

    ዘይተጠራጥር ርግጽ’ያ፡

    ዘለዋ ሓለፋ።

    ሳሕቲ ግን ጭንቀት መነባብሮ፡

    የሕድር ፍርሂ፡ ሻቕሎት፣

    ’ታ ድምቕቲ ተስፋና’ውን

    ትቕህም፡ ትጽልምት።

    (ኣዝማች)

    ሓይልና፡ ተስፋና፡

    እምንቶና’ኻ።

    ትህበና ዚጐድለና።

    ክንሰብኽ፡ ክንምህር፡

    ኣይንሰግእን፡

    ንስኻ ’ንዲኻ ጸግዕና።

  2. ’ሞ የሆዋ፡ ኣለብመና

    ከቶ ኸይንርስዕ፣

    ኣብ ሽግርና ንስኻ’ኻ

    ምንጪ ምጽንናዕ።

    ምፍላጥና ምዃንካ ሓይልና፡

    የድምቓ ንተስፋና፡

    ስምካ ምእንቲ ኽንነግር፡

    ወትሩ የትብዓና።

    (ኣዝማች)

    ሓይልና፡ ተስፋና፡

    እምንቶና’ኻ።

    ትህበና ዚጐድለና።

    ክንሰብኽ፡ ክንምህር፡

    ኣይንሰግእን፡

    ንስኻ ’ንዲኻ ጸግዕና።