ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ (3ይ ክፋል)

መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ (3ይ ክፋል)

ኣራግፍ፦

  1. 1. ማቴዎስ—የሱስ መጺኡ፡ ሓቂ’ውን ምሂሩ።

    ማርቆስ—ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣርእዩ።

    ሉቃስ—ብምሳሌ ገይሩ ምሂሩና።

    ዮሃንስ—ዝሞቱ ሰብና ኺትንስኡ’ዮም።

    ግብሪ ሃዋርያት—’ታ መንግስቲ ኣብ ኵሉ ተሰቢኻ።

    ሮሜ—ምሕረት ኣምላኽ ኣዝዩ ሰፊሕ’ዩ።

    ቀዳማይ ቈረንቶስ—ፍቕሪ ’ታይ ምዃና ተማሂርና።

    ካልኣይ ቈረንቶስ—ይቕረ ’ተ ’ልና፡ ኣምላኽ ይፈትወና።

    ገላትያ—ከይተሓለልና ሰናይ ንግበር።

    ኤፌሶን—ንስድራ ቤታት ዚጠቅም ምዕዶ።

    ፊልጲ—ኣብ ሓቅን ኣብ ንጹህን ነትኵር።

    ቈሎሴ—ተኣዛዝነት ሓጐስ የምጽእ።

    ቀዳማይ ተሰሎንቄ—ኣዘውቲርና፡ ኣብ ኵሉ ንጸሊ።

    ካልኣይ ተሰሎንቄ—የሆዋ ነገልገልቱ ይሕግዞም።

    ቀዳማይ ጢሞቴዎስ—ካብ ሕጻንነቱ ተማሂሩ።

    ካልኣይ ጢሞቴዎስ—ንጉባኤታት ብዙሕ ሓጊዙ።

    ቲቶስ—ንሽማግለታትና ነኽብሮም።

    ፊልሞን—’ቲ ባርያኡ ፍቑር ሓዉ ዀይኑ።

    እብራውያን—ኣኼባና ፈጺምና ኣይንሕደግ።

    ያእቆብ—ጽቡቕ ውህበት ካብ የሆዋ ኣምላኽ’ዩ።

    ቀዳማይ ጴጥሮስ—ወትሩ ኣስኣሰር የሱስ ንስዓብ።

    ካልኣይ ጴጥሮስ—ወትሩ ንጹህ ኴንና ንመላለስ።

    ቀዳማይ ዮሃንስ—ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ትእዛዝ ምሕላው’ዩ።

    ካልኣይ ዮሃንስ—በታ ሓቂ ወትሩ ንመላለስ።

    ሳልሳይ ዮሃንስ—ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም።

    ይሁዳ—ንሰይጣን ንቃወሞ፡ ቅኑዕ እውን ንግበር።

    ራእይ—ምድሪ ዅላ፡ ገነት ክትከውን’ያ።

    (ኣዝማች)

    መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ’ዩ ኻብ ኵሉ።

    ያህ ሂቡና ንጥቕምና ኢሉ።

    ኵሉ ሳዕ ነንብቦ፡ ቃሉ’ውን ንስዓቦ።

    መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ’ዩ ኻብ ኵሉ።