ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ—ቪድዮታት

ንህዝቢ ናይ ምንባብን ናይ ምምሃርን ክእለትካ ኣመሓይሽ።

መጽናዕቲ 1

ውጽኢታዊ መእተዊ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰማዕትኻ ነቲ እትዛረቦ ኺሰምዕዎ ኸም ዚደልዩ ኽትገብር እትኽእል፧

መጽናዕቲ 2

ዝርርባዊ ኣቀራርባ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰማዕትኻ ኽትዛረቦም ከለኻ ኸም ዘይከብዶም ክትገብር እትኽእል፧

መጽናዕቲ 3

ኣጠቓቕማ ሕቶታት

ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ንምግባርን ተገዳስነቶም ንምልዕዓልን ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕን ከመይ ጌርካ ሕቶታት ክትጥቀም ትኽእል፧

መጽናዕቲ 4

ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰማዕትኻ ኻብቲ እተንብበሎም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺጥቀሙ ኸተዳልዎም እትኽእል፧

መጽናዕቲ 5

ልክዕ ንባብ

ነቲ ኣብቲ ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ ብልክዕ ዓው ኢልካ ንምንባብ ዚሕግዝ ቀንዲ ነጥብታት እንታይ እዩ፧

መጽናዕቲ 6

ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካሉ ምኽንያት ሰማዕትኻ ምእንቲ ኺርድኦም፡ ጥቕሲ ኸተንብብ ከለኻን ድሕሪኡን እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

መጽናዕቲ 7

ልክዕን ዜእምንን

ሓቂ ኸም ዘይተቕንን ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧

መጽናዕቲ 8

ዚምህር ምሳሌታት

ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸምቲ ዓብዪ መምህር፡ ምሳሌታት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትጥቀም እትኽእል፧

መጽናዕቲ 9

ግቡእ ኣጠቓቕማ ትዕይንታዊ ደገፍ

ሰማዕትኻ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስእልታት ወይ ካልእ ትዕይንታዊ ደገፍ ክትጥቀም እትኽእል፧

መጽናዕቲ 10

ምልውዋጥ ድምጺ

ድምጽና ብምልውዋጥ ከመይ ጌርና ኢና ሓሳባት ብንጹር ከነመሓላልፍን ስምዒት ከነለዓዕልን እንኽእል፧

መጽናዕቲ 11

ውዕዉዕ ኣዘራርባ

ንሰማዕትኻ ንምንቕቓሕን ንተግባር ንምልዕዓልን፡ ከመይ ጌርካ ብውዕዉዕ መንፈስ ክትዛረብ ትኽእል፧

መጽናዕቲ 12

ለውሃትን ድንጋጽን

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰማዕትኻ ናይ ሓቂ ለውሃትን ድንጋጽን ከተርእዮም እትኽእል፧

መጽናዕቲ 13

ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ

ሰማዕትኻ ንግብራዊ ጥቕሚ ሓደ ርእሰ ነገር ተረዲኦም ንተግባር ከም ዚድረኹ ንምግባር፡ ነቲ ነገር ብኸመይ መቕረብካዮ፧

መጽናዕቲ 14

ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ

ቀንዲ ነጥብታት ብምጕላሕ፡ ንሰማዕትኻ ናብቲ ዝበልካዮ ኬቕልቡን ኪርድኦምን ኪዝክርዎን ሓግዞም።

መጽናዕቲ 15

እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ

መደረ ኸተቕርብ ከለኻ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ከለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ እምነትካ ብዜርኢ መገዲ ኽትዛረብ እትኽእል፧

መጽናዕቲ 16

ውጽኢታዊ መደምደምታ

ኣብ ጸገም ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍታሕ እተተኵረሉ፡ ከምኡ ድማ ንሰማዕቲ እምንቶ ኣብ ዜሕድረሎም ነገራት እተተኵረሉ ሰለስተ ኣገዳሲ ነጥቢ እንታይ እዩ፧

መጽናዕቲ 17

ንኻልኦት ዚርድኦም

ንሰማዕትኻ ትርጉም መልእኽትኻ ኸተረድኦም ክትጽዕር ከለኻ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘይብልካ፧

መጽናዕቲ 18

ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ኽትገብሮምን ዚረብሕ ነገር ክትምህሮምን እትኽእል፧

መጽናዕቲ 19

ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ነቲ ብሉጽ ውሽጣዊ ድራኸታት ሰማዕትኻ ኸተለዓዕል እትኽእል፧

መጽናዕቲ 20

ውጽኢታዊ መደምደምታ

ኣብ ጉባኤ ዀነ ኣብ ኣገልግሎት፡ መደምደምታኻ ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧

እዚ ዚስዕብ እውን ኣሎ

መጻሕፍትን ብሮሹራትን

ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነቲ ንህዝቢ ናይ ምንባብን ጥበብ ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ ኽትስሕለልካ ተባሂላ እያ ተዳልያ።