ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Justin Paget/Stone via Getty Images

ለበዳ ጽምዋ—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ለበዳ ጽምዋ—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
  •   “ዳርጋ ፍርቂ ኻብቶም ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዚነብሩ ዓበይቲ ሰባት ብጽምዋ ይብልዑ ኸም ዘለዉ ይገልጹ እዮም፣ ኣብቶም መንእሰያት ዘበሉ ኸኣ እዚ ዝገደደ እዩ።”—ኣዋር ኢፒደርሚክ ኦቭ ሎንሊንስ ኤንድ ኣይዞሌሽን፦ ዘ ዩ.ኤስ. ሰርጅን ጀነራልስ ኣድቫይዘሪ ኦን ዘ ሂሊንግ ኢፈክትስ ኦፍ ሶሽያል ኮነክሽን ኤንድ ክምዩኒቲ፡ 2023።

  •   “[ውድብ ጥዕና ዓለም] ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ሓድሽ በዓል መዚ ሸይሙ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንጽምዋ ኸም ህጹጽ ናይ ጥዕና ጸገም ገይሩ ብምርኣይ፡ ኵሉ ዓይነት ደረጃ ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ንማሕበራዊ ርክባት ቀዳምነት ንምሃብን ነዚ ጸገም ዚኸውን ፍታሕ ንምቅልጣፍን እዩ።”—ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 15 ሕዳር 2023።

 መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ንምምዕባል ዜኽእል ግብራዊ ምኽሪ ይህበና እዩ።

ሓጋዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

 ካብ ሰብ ዚፈልየካ ንጥፈታት ነኪ። እምብዛ ማሕበራዊ መራኸቢ ምጥቃም፡ ሓደ ኻብዚ ጸገም ዚፈጥር ንጥፈታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ሰባት ብኣካል እትራኸበሉ፡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እውን እተጥርየሉ ኣጋጣሚታት ርኸብ።

  •   ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17

 ንሰብ እትሕግዘሉ ኣጋጣሚታት ርኸብ። ንሰብ ሰናይ ምግባር፡ ንርክባትካ ኣብ ርእሲ ምድልዳሉ፡ ንዓኻ እውን ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ይገብር እዩ።

 ብኸመይ ጽቡቕ ዕርክነት ከም እትምስርት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ወብሳይትና ዳህስስ