ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ውግእ ዩክረይን ንዓለምለኻዊ ሕጽረት ምግቢ ኣጋዲድዎ

ውግእ ዩክረይን ንዓለምለኻዊ ሕጽረት ምግቢ ኣጋዲድዎ

 ብ19 ግንቦት 2022 ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ልዕሊ 75 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፡ “ለበዳ ኮቪድ-19ን ለውጢ ክሊማን ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጽረት ምግቢ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ፣ ውግእ ዩክረይን ከኣ ናብ ደረጃ ጥሜት ከም ዚበጽሕ ገይርዎ ኣሎ” ዚብል ጸብጻብ ቀሪቡሉ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዘ ኢኮኖሚስት ዘርእስታ መጽሔት፡ “እቲ ውግእ ነዛ ነቓዕ ዓለም ናብ ጥሜት ከም እትሽመም ይገብራ ኣሎ” በለት። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጽረት ምግቢ፡ ኣብ ግዜና ኸም ዚፍጸም ይንበ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእል እውን ጠቓሚ ምኽሪ ይህብ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ሕጽረት ምግቢ ኸም ዚህሉ ተነብዩ ነይሩ

  •    የሱስ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ” ብምባል ተነብዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:7

  •    መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ኣርባዕተ ምሳልያውያን ፈረሰኛታት ይገልጽ እዩ። ሓደ ኻብቶም ፈረሰኛታት ንውግእ የመልክት። ንጥሜት ዜመልክት ፈረሰኛ ኸኣ ይስዕቦ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ምግቢ ብመቝነን ይዕደል፡ ብኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ኸኣ ይሽየጥ። “ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። . . . ከም ድምጺ ዚመስል፡ ‘ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፣’ . . . ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 6:5, 6

 እዚ ብዛዕባ ሕጽረት ምግቢ ዚገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ ግዜና ይፍጸም ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታትን ብዛዕባ እቶም ኣብ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ዚጋልቡ ኣርባዕተ ፈረሰኛታትን ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ካብ 1914 ንደሓር ዓለም ተለዊጣ ዘርእስታ ቪድዮን “እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዝ፧

  •    መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እናነሃረ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋታት ምግቢ ወይ ሕጽረት ምግቢ እውን ከይተረፈ ዜጠቓልል በዳሂ ዅነታት ብኸመይ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ዚሕግዝ ግብራዊ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።ቈጢብካ ምንባር” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ገለ ኣብነታት ርአ።

  •    መጽሓፍ ቅዱስ ኵነታት ከም ዚመሓየሽ ዚገልጽ ተስፋ እውን ይህበና እዩ። “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ” ዚዀነሉን ኵሉ ሰብ ዚበልዖ እኹል ምግቢ ዚረኽበሉን እዋን ከም ዚመጽእ የተስፉ እዩ። (መዝሙር 72:16) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋን ስለምንታይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእልን ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።