መወዳእታ ዓለም ይመጽእ ድዩ ዘሎ፧ ኣፖካሊፕስ እንታይ እዩ፧
“ኣፖካሊፕስ” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸልካ፧ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ መዓት ትሓስብ ትኸውን፣ ምናልባት እውን ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ኵሉ ህይወት ብዛዕባ ዜህልቕ ጥፍኣት ትሓስብ ትኸውን። ገሊኦም ሰባት ምናዳ ኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ዜናታት ኬንብቡ ኸለዉ፡ ዓለም ናብ ጥፍኣት ተምርሕ ከም ዘላ እዮም ዚኣምኑ፦
“እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብወዝቢ፡ ወይ ብዘይምርድዳእ፡ ኑክልየሳዊ ውግእ ኪጅምር ይኽእል እዩ።”—ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ።
“ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ብዘላ ዓለም ህቦብላ፡ ባርዕ ዱር፡ ደርቂ፡ ምጽዕዳው መርጀን፡ ምውሳኽ ሙቐት፡ ምዕልቕላቕ ማይ ኣመና ወሲኹ እዩ።”—ናሽናል ጂኦግራፊክ።
“ኣብ ኣፍሪቃ ዕስለ ኣንበጣ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ብዝኸፍአ ደረጃ ወሲኹ ኣሎ።”—ዘ ኣሶሽየትድ ፕረስ።
እሞ ደኣ ምድሪ ብዓለምለኻዊ መዓት ክትጠፍእ ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧
መወዳእታ ዓለም ይመጽእ ድዩ ዘሎ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ እክይቲ ዓለም ክትጠፍእ ምዃና ኺገልጽ ከሎ፡ እቶም ንኣምላኽ ዘይእዘዙን ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩን ደቂ ሰብ ኪጠፍኡ እዮም ማለቱ እዩ። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ኣምላኽ ነታ “ፍርሃት ኣምላኽ ናይ ዘይብሎም ዓለም” ኬጥፍኣ እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:5፣ 3:7።
ኣብ 1 ዮሃንስ 2:17 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ።” ስለዚ፡ ኣምላኽ ነዛ ፕላነትና ምድሪ ዘይኰነስ፡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ከም ዜጥፍኦም እዩ ኣብዛ ፍቕዲ ተሓቢሩ ዘሎ።
መዓስ እዩ መወዳእታ ዚመጽእ፧
መዓስ መወዳእታ ኸም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ኣይነግረናን እዩ። (ማቴዎስ 24:36) ይኹን እምበር፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ይሕብረና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ትንቢታት ተነብዩ እዩ፦
“ኣብ በቦታኡ” ውግእን ጥሜትን ለበዳን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም ዚኸውን ተነብዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:3, 7, 14፣ ሉቃስ 21:10, 11፣ ራእይ 6:1-8።
ሰባት ብሓፈሻኡ ኣመና ፈተውቲ ርእሶም ከም ዚዀኑ ተነብዩ እዩ። ንኣብነት፡ “ፈተውቲ ገንዘብ፡” “ዘየመስግኑ፡” “ርእሶም ዘይገትኡ” ኸም ዚዀኑ ተነብዩ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።
ካብ 1914 ንደሓር፡ ኵነታት ዓለም ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ኸም ዝዀነ፡ መወዳእታ እውን ከም ዝቐረበ ብዙሓት ሰባት ይሰማምዑሉ እዮም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ይሕብር፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን “ምልክት ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን ርአ።
እታ “ኣፖካሊፕስ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧
እታ “ኣፖካሊፕስ” ወይ “ኣቡቐለምሲስ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምግላጽ” ወይ “ምቕላዕ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። መብዛሕትኡ ግዜ እታ ቓል ንስዉር ሓበሬታ ምቕላዕ እያ እተመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ‘ግልጸት [ወይ፡ ኣፖካሊፕስ] ጐይታና የሱስ’ ይዛረብ እዩ፣ እዚ ድማ የሱስ ንዅሉ እከይ ንምውጋድን ነቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ዓስቦም ንምሃብን ምስ መጸ እዩ ዚፍጸም።—2 ተሰሎንቄ 1:6, 7፣ 1 ጴጥሮስ 1:7, 13።
እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ኣብ መጻኢ ንዚኸውን ነገራት ስለ እትገልጽ፡ ብግሪኽኛ ኣፖካሊፕሲስ ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። (ራእይ 1:1) እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ ብስራትን መልእኽቲ ተስፋን ሒዛ ኣላ። (ራእይ 1:3) ኣምላኽ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ከም ዜወግዶን ንምድሪ ናብ ገነት ከም ዚቕይራን እውን ትገልጽ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስቓይ፡ መከራ ወይ ሞት ኣይኪህሉን እዩ።—ራእይ 21:3, 4።
ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ተስፋታት ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘካ ዚኽእል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኣዳልዮም ኣለዉ። እሞ ደኣ ንምንታይ ዘይትረኽቦም፧