ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Thai Liang Lim/E+ via Getty Images

ንቕሑ!

ማሕበራዊ መራኸቢ ንውሉድካ ይጐድኦዶ ኣሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም

ማሕበራዊ መራኸቢ ንውሉድካ ይጐድኦዶ ኣሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም

 “መንእሰያት ህጹጽ ፍታሕ ዜድልዮ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና የጋጥሞም ኣሎ፣ ማሕበራዊ መራኸቢ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ።”—ዶክተር ቪቨክ ሙረዝ፡ ዩ.ኤስ. ሰርጅን ጀነራል፡ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ 17 ሰነ 2024።

 ወለዲ ንደቆም ማሕበራዊ መራኸቢ ኻብ ዜስዕቦ ሓደጋ ብኸመይ ኬዕቍብዎም ይኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ።

ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

 ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ መርምሩ።

 “ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15

 ማሕበራዊ መራኸቢ ሕማቕ ጽልዋ ኺህልዎ ስለ ዚኽእል ጥራይ፡ ንውሉድኩም ክትፈቕድሉ የብልኩምን ማለት ኣይኰነን። ውሉድኩም ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም ቅድሚ ምፍቃድኩም፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜ ብሱል ምዃኑ፡ ጥዑይ ዕርክነት ዚመርጽ ምዃኑ፡ ዘይግቡእ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገራት ዜወግድ ምዃኑ ኣረጋግጹ።

 “ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።”—ኤፌሶን 5:16

 ንውሉድኩም ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም እንተ ፈቒድኩምሉ፡ ስርዓታት ኣውጽእሉ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዜዕቍቦ ድማ ግለጸሉ። ኣብ ባህርያቱ ለውጥታት እንተ ኣልዩ ብንቕሓት ተኸታተሉ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ደረት ግበሩሉ።

ዝያዳ ንምፍላጥ

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ንነብር ከም ዘለና ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዘይካዚ፡ ነዚ ኽንጻወሮ ዚሕግዝ ግዜ ዘይሓልፎ ምኽሪ እውን ይህብ እዩ። ንወለድን ንውሉዳትን ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ልዕሊ 20 ሕታማት ኣብዛ ምንቍልቋል ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ዘርእስታ ዓንቀጽ ተዘርዚሩ ኣሎ።