ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ዓለምለኻዊ ምንሃር ዋጋታት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ዓለምለኻዊ ምንሃር ዋጋታት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣቦ መንበር ጕጅለ ባንክ ዓለም ኣብ ናይ ሰነ 2022 ጸብጻቡ፡ “ቍጠባ ዓለም ከም ብሓድሽ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ” ኢሉ ኣጠንቂቑ። ብዘይካዚ፡ “ናህሪ ዋጋታት ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኸም ዝበጽሐን ዕቤት ድማ ከም ዝነከየን ሓቢሩ።”

 ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ “ዋጋ ነዳድን ምግብን ኣዝዩ ስለ ዝወሰኸ፡ ኣብ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዚነብሩ ሰባት፡ ይህሰዩ ኣለዉ” ኢሉ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ቝጠባዊ ጸገማት ስለምንታይ ከም ዜጋጥም፡ ብኸመይ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል፡ ንነባሪ ፍታሕ እንታይ ተስፋ ኸም ዘሎን ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚህሉ ናህሪ ዋጋታት

  •    መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ይብሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

  •    የሱስ “መፍርህታት” ወይ ዜፍርህ ፍጻመታት መለለዪ እዚ እዋን እዚ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (ሉቃስ 21:11) ምንሃር ዋጋታት ንሰባት የፍርሆም ኣሎ። ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ይጭነቑን ንስድራ ቤቶም ኪኣልዩ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም የተሓሳስቦምን እዩ።

  •    መጽሓፍ ራእይ፡ ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ዜጋጥም ምንሃር ዋጋታት ምግቢ ተነብዩ እዩ። “ከም ድምጺ ዚመስል፡ . . . ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም” [ሓደ ዲናር ማዕረ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ ዝዀነ ሰልዲ ብሩር ሮሜ]።—ራእይ 6:6እግረ ጽሑፍ።

 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ዚርከብ ትንቢትን ዳሕሮት መዓልትታትን ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነታ፡ ካብ 1914 ንደሓር ዓለም ተለዊጣ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ፡ ከምኡ እውን ነታ “እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

ንዅሉ ቝጠባዊ ቕልውላው ዚኸውን ፍታሕ

  •    “ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 22

  •    “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16

  •    “‘ውጹዓት ስለ እተጨቈኑ፡ ድኻታት ድማ እህህ ስለ ዝበሉ፡ ክትንስእ እየ’ ይብል የሆዋ።”—መዝሙር 12:5 a

 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነቲ ዘይምዕሩይ ቍጠባዊ ዅነታት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ፣ እዚ ማለት ኣብ ሓንቲ ሃገር ንዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ንምርኣይ፡ ነታ “ምዕሩይ ቍጠባዊ ስርዓት ኪመጽእ ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

 ሎሚ እውን ከይተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንሃር ዋጋታት ክንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብኣየናይ መገድታት፧ ንገንዘብ ብኸመይ ብጥበብ ከም እንጥቀመሉ ዚሕብር ግብራዊ ምኽሪ ዝሓዘ እዩ። (ምሳሌ 23:4, 5፣ መክብብ 7:12) ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነተን “መነባብሮኻ ሓሉ” ኸምኡ እውን “ቈጢብካ ምንባር” ዘርእስተን ዓንቀጻት ኣንብበን።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18