ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ተነብዩ፧

ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ተነብዩ፧

 በብዓመቱ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ምንቅጥቃጥ ምድሪ የጋጥም እዩ። መብዛሕትኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸቢድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ገሊኡ ግና ዓብዪ ዕንወትን መከራን ሞትን ዜስዕብ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዘሎ ኸባቢታት ዜዕኑን ህይወት ብዙሓት ዜጥፍእን ሱናሚ የለዓዕል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧

 የሱስ ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተነብዩ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ሰለስተ መጻሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ፦

 “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:7

 “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣ ጥሜት ከኣ ኪኸውን እዩ።”—ማርቆስ 13:8

 “ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ኣብ በቦታኡ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪኸውን እዩ።”—ሉቃስ 21:11

 የሱስ፡ ጥሜትን ውግእን ለበዳን ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ “ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” “ኣብ በቦታኡ” ኸም ዜጋጥም ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ወይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ብዚብል መጸውዒ እዩ ዚፍለጥ። (ማቴዎስ 24:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብመሰረት መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ብ1914 እዩ ጀሚሩ፡ ገና እውን ኣይተወድአን ዘሎ።

 ኣብዚ ግዜና ዜጋጥም ዘሎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧

 እወ። እቲ የሱስ ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተነበዮ ትንቢት፡ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ዘሎ ፍጻመታት ዚሰማማዕ እዩ። ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 1,950 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ እዩ። እዚ ኸኣ ህይወት ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ሰባት ቀዚፉ a። ገለ ኻብቲ ኣብ ዘመንና ዘጋጠመ ኣብነታት ንርአ።

 2004—ህንዳዊ ውቅያኖስ። 9.1 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝፈጠሮ ሱናሚ ንብዙሓት ሃገራት ብምጥቃዕ፡ ኣስታት 225,000 ሰባት ቀቲሉ።

 2008—ቻይና። እቲ ኣብቲ ሃገር ዘጋጠመ 7.9 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዓድታትን ከተማታትን ኣዕንዩ፣ ኣስታት 90,000 ሰባት ከም ዝቐተለ፡ ኣስታት 375,000 ሰባት ከም ዘቝሰለ፡ ኣባይቲ ሚልዮናት ሰባት ከኣ ከም ዘዕነወ እውን ይግመት።

 2010—ሀይቲ። 7.0 ዝዓቐኑ ኸቢድ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድርን ልዕሊ 300,000 ሰባት ቀቲሉ፡ ኣባይቲ ሚልዮናት ሰባት ከኣ ኣጥፊኡ።

 2011—ጃፓን። 9.0 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዓቦ ሱናሚ፡ ኣስታት 18,500 ሰባት ቀቲሉ፡ ኣማእታት ኣሽሓት ሰባት ከኣ ኣፈናቒሉ። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ፉኩሺማ ዚርከብ መመንጨዊ ጸዓት ብዘውረዶ ጕድኣት፡ ላሕዂ ኑክልየሳዊ ጸርጊ ኣጋጢሙ እዩ። ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ ኸኣ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መመንጨዊ ጸዓት ዚነብሩ ዝነበሩ ኣስታት 40,000 ሰባት፡ ብምኽንያት እቲ ሓደገኛ ጸርጊ ናብ ኣባይቶም ኪምለሱ ኣይከኣሉን።

 ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዚገልጽ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

 እቲ ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዚገልጽ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን እንታይ ከም ዚፍጸም የዘኻኽረና እዩ። የሱስ፡ “ንስኻትኩም እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” በለ።—ሉቃስ 21:31

 መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ኻብ ሰማይ እትገዝእ ናይ ሓቂ መንግስቲ ኸም ዝዀነት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንሳ ኸኣ፡ እታ የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባኣ ኺጽልዩ ዝመሃሮም መንግስቲ እያ።—ማቴዎስ 6:10

 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ግዝኣታ ምስ ጀመረት፡ ኣምላኽ ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት ኬወግዶ እዩ። (ኢሳይያስ 32:18) ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ሰባት ዘውረዶ ኣካላውን ስምዒታውን ጕድኣት እውን ኬዐርዮ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:3, 4) ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

a እዚ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እዚ፡ ካብ ናሽናል ጂኦፍይዚካል ዳታ ሰንተር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተረኽበ እዩ።