ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

id-work/DigitalVision Vectors via Getty Images

ንቕሑ!

ስለምንታይ እዩ ጽልኢ ኣመና በዚሑ ዘሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ስለምንታይ እዩ ጽልኢ ኣመና በዚሑ ዘሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ናይ ጽልኢ ዘረባን ናይ ጽልኢ ገበናትን ዓሌታዊ ዓመጻን ውግእን ንማዕከናት ዜና መሊእዎ ኣሎ።

  •   “ናይ ጽልኢ ዘረባ ብሰንኪ ግጭት እስራኤልን ጋዛን እናተጐሃሃረ፡ ጥሩፋት እውን እናኣሳወርዎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ጻዕጺዑ ኣሎ።”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ 15 ሕዳር 2023።

  •   “ካብ 7 ጥቅምቲ ንደሓር፡ ኣብ ዓለም ናይ ጽልኢ ዘረባ ዀነ ናይ ጽልኢ ገበናት፡ ኰታስ ጽልኢ ብሓፈሻ ብዜሻቕል ደረጃ ኣመና ወሲኹ ኣሎ።”—ደኒስ ፍራንሲስ፡ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 3 ሕዳር 2023።

 ካብ ጽልኢ ዝነቐለ ዘረባን ዓመጻን ውግእን ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ቀደም ንዝነበሩ ሰባት፡ ‘ሕሱም ቃላቶም ከም ፍላጻታት ከም ዜዝግቡ፡’ ውግእን ዓመጻን ከኣ ከም ዚደልዩ ገይሩ ገሊጽዎም ኣሎ። (መዝሙር 64:3፣ 120:7፣ 140:1) ኰይኑ ግና፡ እዚ ኣብዚ ግዜና እንርእዮ ጽልኢ ኣገዳሲ ትርጉም ከም ዘለዎ እውን ገሊጹልና ኣሎ።

ጽልኢ—ናይዚ ግዜና ምልክት

 ሎሚ ጽልኢ ዝበዝሓሉ ኽልተ ምኽንያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ።

  1.  1. ብትንቢት ኣብ እተነግረሉ እዋን “ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል” ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ማቴዎስ 24:12) ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ፍቕሪ፡ ጽልኢ ዜሕድር ባህርያት እዮም ዜርእዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

  2.  2. እቲ ሕጂ ዘሎ ደረጃ ጽልኢ፡ ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዜሕድሮ ኽፍኣትን እከይን እዩ ዜንጸባርቕ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ይሕብር እዩ።—1 ዮሃንስ 5:19፣ ራእይ 12:9, 12

 ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጽልኢ ኻብ ሱሩ ኸም ዚምሕዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንዅሉ እቲ ጽልኢ ዜስዕቦ መከራ ኸም ዜዐርዮ እውን ይሕብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ የተስፉ፦

  •   ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:4