ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ilbusca/E+ via Getty Images

ንቕሑ!

ስለምንታይ እዮም ደቂ ሰብ ሰላም ኬስፍኑ ዘይከኣሉ፧

ስለምንታይ እዮም ደቂ ሰብ ሰላም ኬስፍኑ ዘይከኣሉ፧

 መራሕቲ ዓለምን ኣህጉራዊ ውድባትን ሰላም ኬምጽኡ ኣይከኣሉን። ሎሚ፡ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው፡ ዝኸፍአ ግጭታት ኣብ ዘለዎ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ልዕሊ ኽልተ ቢልዮን ሰባት፡ ማለት ርብዒ ህዝቢ ዓለም፡ ብግጭታት ኣብ እተጸልወ ኸባቢ ይነብሩ ኣለዉ።

 ስለምንታይ እዮም ደቂ ሰብ ሰላም ኪገብሩ ዘይከኣሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ደቂ ሰብ ሰላም ኬምጽኡ ዘይከኣሉሉ ሰለስተ ምኽንያታት

  1.  1. ደቂ ሰብ ናብ ሰላም ገጾም ከም ዘይጕዓዙ ዚገብሮም ባህርያት ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና፡ “ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ . . . ዘይእሙናት፡ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ . . . ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ . . . ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ” ኪዀኑ ምዃኖም ተነብዩ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2-4

  2.  2. ደቂ ሰብ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኰነ ብሓባር፡ ብዘይ ሓገዝ እቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ a ኣምላኽ፡ ጸገማቶም ኪፈትሑ ኣይክእሉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዚመላለስ ሰብ . . . ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን” ይብል።—ኤርምያስ 10:23

  3.  3. ዓለም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዚብሃል ሓያልን እኩይን ገዛኢኣ እያ ዘላ፣ ንሱ ድማ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 12:9) “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ” ክሳዕ ዘላ፡ ውግእን ግጭትን ኣይኬብቅዕን እዩ።—1 ዮሃንስ 5:19

መን እዩ ሰላም ዜምጽእ፧

 ሰላም ብጻዕርታት ደቂ ሰብ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ።

  •   “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።’”—ኤርምያስ 29:11

 እሞ ደኣ ኣምላኽ ነዚ ዘተስፈወና ተስፋ ብኸመይ እዩ ዚፍጽሞ፧ “እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ . . . ንሰይጣን . . . ኪጭፍልቖ እዩ።” (ሮሜ 16:20) ኣምላኽ በታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መንግስቲ ኣምላኽ” ተባሂላ እትጽዋዕ ሰማያዊት መንግስቱ ገይሩ ኣብ ብዘላ ዓለም ሰላም ኬስፍን እዩ። (ሉቃስ 4:43) ኣብ ትሕቲ እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ሰባት ከመይ ገይሮም ብሰላም ከም ዚነብሩ ኺምሃሩ እዮም።—ኢሳይያስ 9:6, 7

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18