ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ቅትለት ኣብ ቤት ትምህርቲ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ቅትለት ኣብ ቤት ትምህርቲ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብ24 ግንቦት 2022፡ ኣብ ቴክሳስ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ዩቫልዲ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነገር ኣጋጢሙ። ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ “ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ ሓደ ብረት ዝዓጠቐ ሰብኣይ 19 ቘልዑን ክልተ መምህራንን ቀቲሉ።”

 እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ፍጻመታት ይደጋገም ኣሎ። ዩ.ኤስ.ኤ. ቱደይ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጥራይ፡ “ኣብ ቤት ትምህርቲ 249 ቅትለት ከም እተፈጸመ፣ እዚ ድማ፡ ካብ 1970 ጀሚሩ ኻብ ዘጋጠመ እቲ ዝለዓለ እዩ።”

 እዚ ዜስካሕክሕ ነገራት ዜጋጥም ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ነገራት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ዓመጻ ኸም ዜኽትም እንታይ ተስፋ ኣሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ይህብ እዩ።

ኣብ ዓለም ዓመጻ እናበዝሐ ዚኸይድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

 ብዙሓት ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ነቲ ኸም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥም ቅትለት ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ዘይዓግቶ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ። መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም—ስለምንታይ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ነገራት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  •    “ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ [መጸናንዒ] . . . ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።”—ሮሜ 15:4

 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዓመጻ ኽትሰግሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ዊል ቮይለንስ አቨር ኢንድ፧” ዘርእስታ መጽሔት ንቕሑ! ርአ።

 ወለዲ ንደቆም ካብ ዜፍርህ ጸብጻባት ዜና ኼዕቍብዎም ዚሕግዝ ሓሳብ ንምርካብ፡ ነታ “ዲስተርቢንግ ኒውስ ኤንድ ዮር ቺልድረን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

ዓመጻ የኽትም ዶዀን ይኸውን፧

  •    “ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም፡ . . . እዩ።”—መዝሙር 72:14

  •    “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።”—ሚክያስ 4:3

 ኣምላኽ ሰባት ኪገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ኪገብር ይኽእል እዩ። እታ ሰማያዊት መንግስቱ ንዅሉ ኣጽዋርን ዓመጻን ኬተወግዶ እያ። መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትዓምም ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ሰላም ኪበዝሕ እዩ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።