ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Kim Steele/The Image Bank via Getty Images

ቍጠባዊ ጸገማት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

ቍጠባዊ ጸገማት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

 ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ድራር ዕለቶም ምርካብ እኳ ቓልሲ ዀይንዎም ኣሎ፣ እዚ ጸገም እዚ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።

  •   ብመሰረት ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ፡ a “ጕሉሕ ምንቍልቋል ናይ ሓቂ ወርሓዊ ደሞዝ” ተራእዩ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዋላ ሓንቲ እንተ ዘይተገይሩ፡ “ዘይማዕርነት ኪውስኽ፡” “ደረጃ መነባብሮ ብዙሓት ሰራሕተኛታትን ስድራ ቤቶምን” እውን ኬንቈልቍል ምዃኑ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ።

 እሞ ደኣ መንግስትታት ነዚ እናበኣሰ ዚኸይድ ዘሎ ቝጠባዊ ቕልውላው ኪፈትሕዎ፡ ወይ ከኣ ኬመሓይሽዎ ይኽእሉዶ፧

 ንዅሉ ቝጠባዊ ጸገማት፡ እንተላይ ንዘይማዕርነት ክትፈትሕ እትኽእል፡ ብርግጽ እውን ነዚ ጸገም እትፈትሖ ሓንቲ መንግስቲ ኸም ዘላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ብዛዕባኣ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ ሰማይ . . . መንግስቲ ኬቕውም እዩ” ብምባል ንዅሉ ጕዳያት ምድሪ እትፈትሕ ሓንቲ መንግስቲ ኸም እትቐውም ይገልጽ። (ዳንኤል 2:44) ኣብ ትሕቲ እታ ንመላእ ዓለም እትገዝእ መንግስቲ፡ ዋላ ሓደ ኣይኪርሳዕን ወይ ዕሽሽ ኣይኪብሃልን እዩ። (መዝሙር 9:18) መንግስቲ ኣምላኽ ንዜጋታታ፡ ሕጉሳት ንምዃን ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ኸተማልኣሎም እያ። ኵሎም ከኣ ብጻማ ጻዕሮም ኪሕጐሱ እዮም።—ኢሳይያስ 65:21, 22

a ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ደሞዝ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ 2022-23