ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Comstock Images/Stockbyte via Getty Images

ብልሹዋት ፖለቲከኛታት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

ብልሹዋት ፖለቲከኛታት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

 ሰባት ብብልሹዋት ፖለቲከኛታት ላሕ ስለ ዝበሉ፡ ዜተኣማምኑ መራሕቲ ይደልዩ እዮም። ብ2023 እተገብረ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሰባት ብትሑት ደረጃ ዚተኣማመኑሎም መራሕቲ ሃገራት ምዃኖም ይሕብር። a

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምሉእ ብምሉእ እንተኣማመነላን ቅንዕትን ካብ ብልሽውና ነጻ ዝዀነትን መንግስቲ ኸም ዘላ ይገልጽ እዩ። እታ መንግስቲ እቲኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይና፡ መራሒኣ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ኢሳይያስ 9:7

 የሱስ ንሰባት ልባዊ ሓልዮት ከም ዘርኣየ መርትዖ ኣሎ። (ማቴዎስ 9:35, 36) ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ነቶም ንመግዛእቱ ዚቕበሉ ዅሎም ፍትሕን ሰላምን ኬስፍን እዩ።—መዝሙር 72:12-14

a 2023 ኢደልማን ትረስት ባራሜተር ግሎባል ሪፖርት።