ብልሹዋት ፖለቲከኛታት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
ሰባት ብብልሹዋት ፖለቲከኛታት ላሕ ስለ ዝበሉ፡ ዜተኣማምኑ መራሕቲ ይደልዩ እዮም። ብ2023 እተገብረ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሰባት ብትሑት ደረጃ ዚተኣማመኑሎም መራሕቲ ሃገራት ምዃኖም ይሕብር። a
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምሉእ ብምሉእ እንተኣማመነላን ቅንዕትን ካብ ብልሽውና ነጻ ዝዀነትን መንግስቲ ኸም ዘላ ይገልጽ እዩ። እታ መንግስቲ እቲኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይና፡ መራሒኣ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ኢሳይያስ 9:7።
የሱስ ንሰባት ልባዊ ሓልዮት ከም ዘርኣየ መርትዖ ኣሎ። (ማቴዎስ 9:35, 36) ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ነቶም ንመግዛእቱ ዚቕበሉ ዅሎም ፍትሕን ሰላምን ኬስፍን እዩ።—መዝሙር 72:12-14።
a 2023 ኢደልማን ትረስት ባራሜተር ግሎባል ሪፖርት።