ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

6 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ሞይቶም—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

6 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ሞይቶም—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክሳዕ 23 ግንቦት 2022፡ 6.27 ሚልዮን ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ሞይቶም። ይኹን እምበር፡ ብ5 ግንቦት 2022 ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ኻብኡ ንላዕሊ ኸም ዝዀነ ይግምት እዩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ካብ 2020 ክሳዕ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ “ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ብእተተሓሓዘ ዝሞቱ ሰባት . . . ኣስታት 14.9 ሚልዮን እዮም።” መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዜሕዝን ኵነታት እዚ ዚብሎ ነገር ኣሎዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ለበዳ ኸም ዚህሉ ተነብዩ

 ትንቢት የሱስ ኣብ ግዜና ኺፍጸም ንርእዮ ኣለና። ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “ምልክት ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ መጸናንዒ ይህብ

  •    “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ . . . ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።”—2 ቈረንቶስ 1:3, 4

 ዘፍቅርዎ ሰብ ብሞት እተፈለዮም ብዙሓት ሰባት፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መጸናንዒ ረኺቦም እዮም። ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “ንሓዘን ምኽኣሉ—ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፡” “ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ብሉጽ ሓገዝ” ዘርእስተን ዓንቀጻት ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነባሪ ፍታሕ ከም ዘሎ ይገልጽ

  •    “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”—ማቴዎስ 6:10

 ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ኣብ ትሕቲ “መንግስቲ ኣምላኽ፡” “ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።” (ማርቆስ 1:14, 15፣ ኢሳይያስ 33:24) ብዛዕባ እዛ ሰማያዊት መንግስትን ንሳ ኸኣ እንታይ ከም እትገብርን ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

 ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ጥበባዊ ምኽርን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋታትን ምስ ስድራ ቤትካ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ነተባብዓካ።