ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Pawel Gluza/500Px Plus/Getty Images

ንቕሑ!

ብዝሒ እንስሳታት ዘገዳም ኣብ 50 ዓመት ብ73 ሚእታዊት ነክዩ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብዝሒ እንስሳታት ዘገዳም ኣብ 50 ዓመት ብ73 ሚእታዊት ነክዩ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብ9 ጥቅምቲ 2024፡ ዎርልድ ዋይልድላይፍ ፋንድ ብዛዕባ እቲ ሰባት ኣብ እንስሳታት ዘገዳም ዜሕድርዎ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ፡ ዜሰምብድ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ እቲ፡ “ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት (1970-2020)፡ ገምጋማዊ ብዝሒ እቶም ክትትል ዚግበረሎም እንስሳ ዘገዳም ብ73% ነክዩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ ዚቕጽል ሓሙሽተ ዓመት ዚኸውን ነገር፡ ንመጻኢ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ይውስን እንተ በልና ምግናን ኣይኰነን” ኢሉ የጠንቅቕ።

 ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ንብዙሓት ሰባት የሰምብዶም እዩ። ነዛ ውቅብቲ ፕላነትና ንፈትዋ ኢና፣ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዘገዳም ጕድኣት ኪወርድ እውን ኣይንደልን ኢና። ስለምንታይሲ፡ ኣምላኽ ንሰባት፡ ንእንስሳታት ኪከናኸኑ ሓሊኑ እዩ ፈጢርዎም።—ዘፍጥረት 1:27, 28፣ ምሳሌ 12:10

 ‘እሞ ደኣ ንእንስሳታት ዘገዳም ከነድሕኖም ንኽእል ደዀን ንኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ናይ መጻኢ ተስፋ

 ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ መጻኢ እንስሳታት ዘገዳም ኣብ ኢድና ዘይኰነስ፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 11:18 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚወስዶ ስጕምቲ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ . . . እተጥፍኣሉ ምዱብ ግዜ መጺኡ” ይብል። ካብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ክልተ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና፦

  1.  1. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዜጥፍእዋ ስቕ ኢሉ ኣይኪርእዮምን እዩ።

  2.  2. ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ደቂ ሰብ ንእንስሳታት ዘገዳም ከም ሎሚ ገይሮም ኣብ ሓደጋ ጽንተት ኣእትዮምዎም ኣይፈልጡን እዮም።

 ኣምላኽ ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ እንታይ ኪገብር እዩ፧ በታ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ንብዘላ ምድሪ ኺገዝኣ እዩ። (ማቴዎስ 6:10) እታ መንግስቲ እቲኣ ድማ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ስለ እትምህሮምን ስለ እተሰልጥኖምን፡ ሽዑ ደቂ ሰብ ንእንስሳታት ዘገዳም ብኸመይ ከም ዚከናኸኑን ከም ዚሕልዉን ፍልጠት ኪህልዎም እዩ።—ኢሳይያስ 11:9